ሽልማት ፔን ኤርትራ 2025፡ መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ቢንያም ስምኦን ተዓዊቱ

ብንያም ስምኦን

ምንጪ ስእሊ, PEN Eritrea

መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝርቋሕ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ እዚ ዓመት ከም ዝዀነ እቲ ትካል ብመገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ብወግዒ ሓቢሩ።

18 መስከረም፡ ነቲ ኣብ 2001 ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረ ምእጋድ ኵለን ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ዝሰዓበ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ንምዝካር ተባሂላ ከምዝተሓርየት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ፐን ኤርትራ ካብ 2019 ኣትሒዙ ዓመታዊ ኣብ ምድንፋዕ መሰል ናጽነት ምግልጽ ሓሳባትን ምምዕባል ስነጥበብን ጕሉሕ ተራ ንዝተጻወቱ ሰባት፡ ብዝወሃብ ድምጺ ክሽልም ጸኒሑ እዩ።

ፐን ኤርትራ ስነጥበብ ንምድንፋዕን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ንምትብባዕን ብዝብል ዕላማ ብ2014 ካብ ዝምስረት ንደሓር፡ ከም መድረኽ መራኸቢ ዝተሰደዱ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣብ ምዃንን ስርሓቶም ኣብ ምፍላጥን ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ትካል ምዃኑ፡ ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ይገልጽ።

ንሓፈሻዊ ዕላማ እቲ ሽልማት ኣመልኪቱ ዓወት፡ "ኣብ ምምዕባል ስነጽሑፍን ኣብ ምርግጋጽ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ዓቢይ ቃልሲ ወይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀሰባት፡ ትካላት ከምኡ'ውን ጕጅለታት ክብሪን ኣፍልጦን ንምሃብ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሽልማት እዩ፡" ድሕሪ ምባል ብኡ ኣቢልካ ድማ ንኻልኦት ተመሳሳሊ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣበርክቶ ንኽገብሩ ድርኺት ንምፍጣር ምዃኑ የረድእ።

ኣብዚ ዓመት ተሸላሚ ተባሂሉ ዝተረቝሐ፡ ኣብዚ እዋን ዳይረክተር እታ ካብ ፈረንሳ መደባታ እትፍኑ ራድዮ ኤርትራ ዝዀነ ብንያም፡ ኣቐዲሙ ኣብ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ከም ክኢላ ቴክኒክ፡ ኣቕራቢ ዜና፡ ቪድዮግራፈርን ኣርታዓይን ኰይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ክኢላ እዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ድሕሪ ምዕፋን ብሕታዊ ፕረስን፡ ምስኣን ኣማራጺ ሓሳባትን ድምጺታትን ዕብለላ መንግስታዊ መቓልሕን ዘመን ምስኣንን ምጥምዛዝን ሓበሬታ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን፡ ብንያም ስምኦን ምስ መሳርሕቱ ኰይኑ፡ ብ2009 'ራድዮ ኤረና' ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ መስሪቱ።

ነዚ ኣበርክቶ እንክትገልጽ፡ ናይ ነዊሕ እዋን መሳርሕቱ ምኵርቲ ጋዜጠኛ ሓረጉ ቀላታ፡ "ኣብቲ መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራውያን፡ ጭው-ጭው ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ብንያም ሳላ ራድዮ ኤረና ዝመስረተ፡ ሚዛናውን፡ ውዱዕን፡ መሃርን ኣዘናጋዕን መደባት ብኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ንዓመታት ቀሪቡ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ብመገዲ እታ ራድዮ ከራኽብን መለሳ ክረክብን ክኢሉ፡" ብምባል ንቢቢሲ ርእይቶኣ ሂባ።

ቅድሚኡ ካብ ድያስፖራ ካልእ ኣማራጺ ድምጺታት ዘስምዓ ከም ዓዋተ፡ ኣዝማሪኖ ዝኣመሰላ መርበብ ሓበሬታ ነይረን እየን። እንተዀነ ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ዝተሓተ ኣቕርቦት ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ስለ ዝዀነት ከምቲ ዝድለ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝበጽሕ ኣይነበረን፡ ክብል ኣብቲ ተሸላሚ እዚ ዓመት ንምሕራይ ዝተገብረ ገምጋም ሽማግለ ፐን ኤርትራ ተጠቒሱ'ሎ።

"ህዝቢ ብሳላ 'ራድዮ ኤረናን' እታ ብ2007 ዝተመስረተት 'ራድዮ ኣሰናን' ኣቢሉ፡ ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ናጻ ዝዀነ ሓበሬታታት ብመንገዲ ሳተላይት ክከታተል ጀሚሩ፡" ብምባል ድማ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ኣስፊሩ'ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ራድዮ ኤረና ብትግርኛን ዓረብኛን መደባታ እትፍኑ ኰይና፡ ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ካብ እትበጽሕ ብዘይ ምቍራጽ ን16 ዓመታት ትቕጽል ከምዘላ ይፍለጥ።

ብንያም ከም ዳይረክተር ናይዛ ራድዮ፡ ትካል ኣብ ምህናጽ፡ ብቕዓት መደባት ኣብ ምክትታልን ንዝተጻወቶ ኣበርክቶ ብምጥቃስ ተዓዋቲ ክኸውን ዘኽኣልዎ ብልጫታት እቲ ትካል ዘርዚሩ።

ኣብ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሕጂ ድማ ኣብ ራድዮ ኤረና - መሳርሕቱ ዝዀነት ጋዜጠኛ ሓረጉ ቀለታ፡ ብዛዕባ ብንያምን ኣበርክቶኡን ንቢቢሲ እንክትገልጽ፡ "ብንያም፡ ሰብኣዊ ባህግታቱ ቀቲሉ፡ ጥዕናኡ ኣቃዊሱ ምንባሩ ንዘፍቅሮ ሞያ ዝተወፈየ ሰብ እዩ፤ ከይረብረበ ይሰርሕ፣ ከይተበረየ ይቕጽል፣ ናይ ዘይሰርሑ ይድርብ፣ ዝጐደለ ሃጓፍ ይምልእ በቃ ንነብሱ ዘይግብኣ ጾር ኣሰኪሙ በጃ ሞያኡ ዝገበራ ሰብ እዩ፡" ክትብል ትገልጾ።

ኣተሓሒዛ፡ "እቲ ዅሉ ራድዮ ኤረና ኣብ ኤርትራውያን ዝኸፈተቶ በሪ ሓሳብካ ምግላጽን፡ ምብህሃልን፡ ኣማራጺ ሓሳብ ምቕራብ፡ ዝተዓበሰ ድምጽታት ምቅላሕ፡ ስደትን መከራኡን፡ ፖለቲካ ዓድናን ከባቢኡን፡ ስነጥበብ ስፖርትን ምዝንጋዕን ዝተሰርሐ ስራሕ፡ ቢንያም ተቢዑ ኵሉ ዝኽእሎ ሂቡ ንራድዮ ኤረና ስለዝመስረታን፡ ዘይጽወር ጸይሩ ስለዘቐጸላን እዩ፡" ብምባል ነቲ ውልቃዊ ብቕዓትን ብልጫታትን ብንያም ብዕምቈት ትዝርዝር።

ራድዮ ኤረና ኣብ ጽብብ ዝበለ ዛዕባታት ጥራይ ከይተደረተት፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ስፖርት፡ ምዝንጋዕን ካልኦትን መደባት ተቕርብ ምዃና ሓደ ካብ ፍሉይነታ ምዃኑ እዩ ዝጥቀስ።

እዛ፡ መዓልታዊ ብመንገዲ ራድዮን መርበብ ሓበሬታን ድሒራ'ውን ብዩቱብ መደባታ እትፍኑ ማዕከን ሓበሬታ፡ ዜና፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ኣዘናጋዕቲን መደባት ኣለውዋ።

ኵነታት ነጻ ፕረስ ኣብ ኤርትራ

ኤርትራ ብ1996 ዝወጽአ ንሕጊ ፕረስ ዝገልጽ ኣዋጅ ኣለዋ። እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ'ውን ንመትከላት ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዘተባብዕ እዩ።

እንተዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ መስከረም 2001 ንዅሉ መሳዅቲ ሓሳብካ ምግላጽ ንዓመታት ዓጽዩዎ፤ ሓያሎ ኣሰናዳእትን ጋዜጠኛታትን እተን ዝስስና ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ፣ ብዛዕባ ሃለዋቶም'ውን ዝፍለጥ የሎን።

እታ ሃገር ድማ ብምዕፋን ሓበሬታን ንነዊሕ ዓመታት ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ኰይና፡ ብዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላትን መንግስታትን፡ ኣብዚ ጉዳይ ክሲታትን ጻውዒትን ከቕርባ ጸኒሐን እየን፤ መንግስቲ ኤርትራ ግን ዛጊት ዝሃቦ እወታዊ ምላሽ የለን።

ኣካያዲ ስራሕ ፐን ኤርትራ ኣቶ ዓወት፡ ነዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ኤርትራ ብፍላይ ድሕሪ 2001 ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ፡ ኤርትራ ብዘይ ናጻ ፕረስ ዘላ፡ ብናጽነት ክትጽሕፈላ፡ ክትምድረላ፡ ክትምሃረላ፡ ቍጠባዊ ሓርነት ከተረጋግጸላ፡ ብሓፈሻ ኵሉ መዳያዊ ሰብኣዊ መሰላትካ ተኸቢሩ ክንበረላ ዘይትኽእል ሃገር እያ ኰይና፡" ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ "ሓያል ናይ ሳንሱር ኣገባብ" ዝጻወቶ ኣሉታዊ ተራ'ውን ኣዘኻኺሩ።

ነዚ ዝተጠቕሰ ዕላማታት ሒዙ ድማ ሽልማት ፐን ኤርትራ፡ "ኣብ መዓልቲ እቲ ነጻ ፕረስ ሃገርና ዝሞተሉ ዕለት እናተዘከረ፡ ዓመት ዓመት ክቕጽል እዩ፡" ክብል ዓወት ፍስሃየ ኣፍሊጡ።

ሽልማት ፐን ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፤ ይርጋለም ፍስሃ (2019)፡ ሳልሕ ቓዲ ጆሃር (2020)፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ (2021)፡ ኣብራር ዑስማን (2022)፡ ካሳሁን ቸኮል (2023)፡ ዳኒኤል ሰመረ (2024) ከምዝተዓወቱ ይፍለጥ።