ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፍታሕ ይረክብ’ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሒ ትግራይ፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ናብ ልዝብ ንክመጽኡ ዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምዕባለ ከርእዩ ከም ዝጀመሩ ንቢቢሲ ኒውስ ሃወር ተዛሪቡ ኣሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከም ዝኾነ ምዝራቡ ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረዝ (ኤፒ) ጸብጺቡ ነይሩ።
እዚ ናይ ሰላም ዝርርብ ከአ ብክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ክንጸባረቕ ጸኒሑ’ሎ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምንሳሓቦም ስዒቡ፡ እቲ ኵናት ብመጠኑ እኳ እንተሃድአ ሓሓሊፉ ግን ግጭት ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ካልእ ከባቢታትን ብዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ብምማቶም እቲ ኵናት ብሰላም ናይ ምውዳእ ተኽእሎ ርሑቕ እዩ ዝብሉ ኣለው።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ፖለቲካ ግና፡ ፌዴራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሓድሕዶም ንክዳኸም ይሰርሑ እንተለዉ’ኳ፡ ኵናት ናይ ምቕጻል ድሌቶም ግን ከምዝተዳኸመ ይገልጹ።
ኣፋፍኖት ሰላም
ንኩነታት ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተል ላዕለዋይ ተመራማሪ ክራይስ ግሩፕ ዊልያም ዳቪሰን ብኽልቲኦም ወገናት ናይ ሰላም ድሌት ከምዘሎ ዘመልክት መርኣያ ከምዘሎ ሓቢሩ።
“ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ምውጽኦም ሓደ ካብቲ ናይ ፈዴራል መንግስቲ ድሌት ተማሊኡ እዩ ክበሃል ይከኣል” ብምባል ኣረኣእያኡ ይቕጽል።
ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ሰላም ጻውዒት፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡን ስጉምቲ ክውሰድን ምሕታቱ፡ ኣብ መራሕቲ ትግራይ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ኢሉ።
ከምኡ እውን መንግስቲ ፌደራል ንኣመራርሓ ተቓወምቲ ብምፍትሑ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንክዓርፍ ድሌት ከምዘለዎ ዘርኢ ምዃኑ ይዛረብ።
ካልእ ነቲ ኩነታት ብጥብቂ ዝከታተል ተመራማሪ ግጭትን ተንታኒ ፖለቲካን ዶክተር አደም ካሴ፡ ‘ነገራት ብምሉኡ እኳ እንተዘይተዓረየ’ ናይ ሰላም ዕድል ኣሎ ምስ ዝበለ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒ ጉተሬስ ከምዝሰማማዕ ይሕብር።
“መንግስቲ ፌዴራል ናብ ትግራይ ኣይኣቱን እየ ምባሉን፡ ሓይልታት ትግራይ ከኣ ተደፊኦም ይኹኑ ፈቒዶም ንድሕሪት ምምላሶምን ክልቲኦም ወገናት ‘ድሌታትና ብኵናት ጥራሕ ኢና ነፈጽሞ’ ዝብል ሓሳብ ደው ዘበሉ ይመስለኒ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ተዅሲ ምቁራጽ ስምምዕ ብወግዒ ከሳብ ዘይተፈጸመ ዘተኣማምን ኣይኮነን” ይብል።
“ብናተይ እምነት፡ መንግስቲ ፌዴራል ንዓቕሚ ዘተ ሓይልታት ትግራይ ንምድኻም እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብመደብ መጥቃዕቲ ኣየር ይፍጽም ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን። ግን ከኣ ይድለዩዎ ኣይድለዩዎ ሰላማውያን ሰባት ይጉድኡ ኣለው” ብማለት እቲ ተግባር ኣግባብ ዘይምዃኑ ይዛረብ።
“ይኹን’ምበር፡ ኣብ 16 ኣዋርሕ ኵናት፡ ምድኻም ዘይተኻእለ ሕዚ ቁስሊ ምጉዳእን ቅርሕንቲ ምፍጣርን እንተዘይኮይኑ ኣድላይ ኣይኮነን በሃላይ እየ።” ከኣ ይብል።
ድግሲ ኲናት
እቲ ኣዕነዋይ ኵናት ሕድሕድ ብመጠኑ እኳ እንተህደኦ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ዶባት ዘጋጥም ዘሎ ግጭት ተወሳኺ ስግኣት ዘኸተለ ይመስል።
“ናይ ሰላም ዝመስል ምልክታት እኳ እንተሎ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ክብጻሕ ግን ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ኵናት እኳ እንተሃድአ ኣብ ገለ ገለ ዶባት ትግራይ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ ከባቢ ራያን ኣላማጣን ከምኡ እውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ከኣ ኣብ ከባቢ ማይ ጸብርን ዓዲ ኣርቃይን ከቢድ ውግእ ይካየድ ምህላው ሰሚዕና ኣለና” ይብል ዊልያም ዴቪሰን።
ዶክተር አደም ብወገኑ ምስ ርእይቶ ዊልያም ዴቪሰን ይሰማማዕ። ኣብ ገለ ከባቢ ዶባት ዝካየድ ዘሎ ኵናት ነቲ ሰላም ከይዕንቅፎ ስግኣት ከምዘሎ ይዛረብ።
“እቲ ውግእ መን ከምዘበገሶ ንምፍላጥ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ብወገን ህወሓት/ሓይልታት ትግራይ ናብ ዘተ ሰላም ምእታውና ስለዘይተርፍ ብዝተኻእለ መጠን ዓቕሚ [ሰራዊት ፈደራል] ነዳኽሞ ዝብል ሓሳብ ክህሉ ይኽእል እዩ” ይብል።
ዶክተር ኣደም፡ ክሳብ ሕጂ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ግልጺ ዝኾነ ናይ ሰላም ሓሳብ እኳ እንተዘየሎ ናይ ሰላም ተስፋ ከምዘሎ ይኣምን።
“መደምደምታ ክንህብ ክንህወኽ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብወገን ትግራይ ሓደ ውድብ እዩ ዘሎ። ብሸነኽ ፌዴራል ግን ብዙሓት ተሳተፍትን ድሌታትን እዩ ዘሎ። ኣብውሽጢ እተን ሰልፍታት ድማ ናይ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ፍልልይ ኣሎ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕጽዋን ጥሜትን- ካልእ ዕንቅፋት
ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓሚ ሰነ ካብ መቐለ ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ፡ ከምቲ ሕቡራት ሃገራት ዝገለጾ፡ ክልል ትግራይ ‘ኣብ ዘይእውጅ ዕጽዋ’ እዩ ዘሎ።
ረድኤት ብምልኣት ክኣቱ እንተዘይተፈቒዱ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ንጥሜትን ዓጸቦን ከምዝቃላዕ’ውን ሰጊኡ ነይሩ።
እቲ ክልል ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ኣገልግሎት ባንክ፡ ስልክን መብራህትን ከምኡ እውን ምንቅስቓስ ስለእተዓጽወ ብፍላይ ህጻናትን ኣዴታትን ንሓደጋ ሞት ከምዝተቓልዑ ይዝረብ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓደጋ ጥሜት ንምክልኻል መዓልታዊ ልዕሊ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ክኣትዋ ከምዘለወን እኳ እንተገለጸ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 10 ሚእታዊት ረድኤት ጥራሕ’ዩ ኣትዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓላፊ ሕርሻ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብውሑዱ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ብጥሜት ምማቶም ገሊጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኣሃዝ ርእይቶ እኳ እንተዘይሃበ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ግን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣብቲ ክልል ዝነበረ እኽሊ ረድኤት ይውዳእ ከምዘሎ ብምግላጽ ‘ሓደገኛ ናይ ጥሜት ኩነታት ክኽሰት ይኽእል’ዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ክልል ኣብ መቐለ ዝርከብ ዝዓበየ ዓይደር ሆስፒታል ብስእነት መድሃኒት ዕለታዊ ስርሑ ከምዝተሰናኸለን ክድሕኑ ዝግበኦም ሕሙማት ብሰንኪ ስእነት መድሃኒት ይሞቱ ከምዘለውን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ጥዕና ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, WFP/twitter
ይኹን እምበር ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክልተ መድሃኒት ዝጸዓነ በረራ ናብ መቐለ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ። እንተኾነ እኽልን ረድኤትን ግን ናብ ትግራይ ክኣቱ ኣይከኣለን። ብዛዕብኡ ብዝምልከት ከኣ ክልቲኦም ተጻረርቲ ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።
ተወሳኺ ስግኣታት
ዊልያም ዴቪድሰን እንተደኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናይ ሰላም ዘተ እንተዘይተገይሩ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ክልሎም ዝተኣወጀ ዕጽዋ ንምኽፋት፡ ግዝኣት ክልል ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኵናት ዝነበሮ ቦታ ንምምላስ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኵናት ምኽፋቶም ዘይተርፍ እዩ ይብል።
“ሓይልታት ትግራይ ከንሳሕቡ እንከለው ተጎዲኦም ክኸኑ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ግምት ዘለዎ ዴቪድሰን ሕጂ እውን እንተኾነ ልዑል ሓይሊ ከምዘለዎም ይኣምን።
“ሓይልታት ትግራይ ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ ሕጂ እውን ሓያል ሰራዊት ኣለዎም። ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ተኣዊጁ ኣሎ ንዝብሉዎ ወፍሪ ምጽናት ዓሌት ንምክልኻል ናይ ህላዌ ኵናት የካይዱ ከምዘለው ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። ነቶም ኣብ አዲስ አበባን አስመራን ዘለው መንግስታት ብወገኖም፡ ንሓይልታት ትግራይ ከም ቀንዲ ስግኣት ገይሮም እዮም ዝርእዩዎም። እቲ ቐንዲ ዕንቅፋት ናይ መስርሕ ዘተን ሰላምን ከኣ እዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ “ኣብ መንጉኦም ብዘሎ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ሓይልታት ትግራይ ሰራዊቶም ከፋኑውን ክብትኑን ዝሰማምዑ ኣይመስለንን”።
ዶክተር አደም ብወገኑ ፡ እቲ ኵናት ብሰላም ዘይውዳእ እንተኾይኑ፡ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዳግማይ ከይጥቅዑ ምኽኑይ ስግኣት ከምዘሎ ይግምት። ብወገን ክልል ትግራይ እውን መንግስቲ ፌዴራል ንትግራይ ኣይኣቱን እየ እውን እንተበለ፡ ጥርጣረ ከምዘለዎ ዘረድእ ምልክት ኣሎ።
“ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ክልል ኣምሓራን እቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ክልል ናይ ምእታው መደብ ከምዘይብሎም ኩላቶም ብግልጺ ከርእዩ ኣለዎም” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ
ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ በቀለ ገርባን ከምኡ እውን አቶ እስክንደር ነጋን ዘለውዎም ዝለዓሉ ፖለቲከኛታት መራሕቲ ተቓውሞ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም።
ዊልያም ዴቪድሰን፡ ቀዳማይ ምኒስተር አብዪ ዝወሰዶ እሱራት ናይ ምፍታሕ ተበግሶ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ኣሳታፊ ንክገብሮ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ይኣምን።
አቦይ ስብሓት ዝርከቡዎም ካብ ሽዱሽተ ንላዕሊ ናይ ህወሓት ነባራት መራሕቲ ምፍተሖም ግን ፖለቲካዊ ትርጉም የብሉን ይብል።
“እዞም ኣባላት ፖሊት ቢሮ [ፈጻሚ ኮሚቴ] ህወሓት ዘይኮኑ ሰባት ምፍትሖም ከም ዓቢ ነገር ኣይርእዮን እየ። ንሰላም ዝእምት ምልክት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ብዙሕ ለውጢ ዘምጽእ ስጉምቲ ኮይኑ ኣይረኣየንን” ይብል።
ብርግጽ እቶም ሰባት ወይ ካልኦት ናይ ህወሓት ተወከልቲ ኣብቲ ናይ ሰላም መድረኽ ዘተ ይሳተፉ ኣይሳተፉ ኣይተፈልጠን።
“እቲ ሓፈሻዊ መስርሕ ብቁጽጽር መንግስቲ ዝግበር ዘሎ ይመስል። ከም ጃዋር ዝኣመሰሉ ፍሉጣት መራሕቲ ምፍተሖም ግን ዓቢ ስጉምቲ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ካብ ደገፍቱ ኣምሓሩ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። ስለዚ ኣብዪን ደገፍቱን ኣተዓራቒ ነገር ንምቕራብ ተርኦም ደሪቱዎ ኣሎ”።
እዚ ከኣ ንመስርሕ ሰላም ዓቢ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ከምኡ እውን ህወሓትን ኦነግ-ሸኔ ብወከልቲ ቤት ምኽሪ ህዝቢ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ሰፊሮም ኣለው። እቶም ውድባት ካብቲ መዝገብ ከይተኣልዩ ናይ ሰላም ዘተ ንምክያድ ዕንቅፋት ከየጋጥም ከም ስግኣት ዝረአ ጉዳይ እዩ።
ዴቪድሰን እቶም ወድባት ካብቲ ናይ ሽበራ መዝገብ ወጺኦም ናይ ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ተገይሩ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ክሕቆፉ እንተዘይኪኢሎም እቲ ዝርርብ ፍረ ኣይክህልዎን እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ከምልጥ ዘይግበኦ ናይ ሰላም ዕድል
ምዕራባውያን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሓደገኛ ቅልውላው ዝፈጠረ ኵናት ብሰላማዊ መገዲ ክውዳእ ጻዕሪ ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው።
ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ፌዴራላዊ መንግስትን ኣመሪካን ልዑል ዘይምርድዳእ ጸኒሑ እዩ። ሕዚ ግን እቲ ዝምድና ይሕደስ ከምዘሎ ዘመላኽት ሓደ ሓደ ነገራት ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ሰላማዊ ዘተ ንክዕወት ኣዎንታዊ ተራ ከምዝኾነ ጌርካ ክውሰድ ይከኣል።
ዊልያም ዴቪድሰን፡ እቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ፍረ ንክህልዎ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋ ብቕልጡፍ ክኽፈትን ውግእ ደው ክብልን ኣለዎ ይብል።
ስልኪ፡ መብራህትን ባንክን ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ኣገልግሎት ክኽፈት ከምዘለዎ ከም መፍትሒ ሓሳብ የቕርብ።
“ክልቲኦም ወገናት ናይ ሰላም ዕድል ከምልጦም ኣይግባእን” ብምባል ነቲ ዕድል ክጥቀምሉ ከምዝግባእ ይዛረብ።
እቲ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ሓይልታት ኣምሓራ ስለዝኣተወ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ ካብቲ ኣከባቢ ከምዝተፈናቐሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ኣብቲ ከባቢ 'ምጽናት ዓሌት' ተፈጺሙ ኢሉ ዝኸሰሰ ኾይኑ፡ መንግስቲ ፌዴራል መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ።
ዶክተር አደም ካሴ፡ ነቲ ናይ ምዕራብ ትግራይ ጉዳይ “ኣሸጋሪ ናይ ፖለቲካ ጭቕጭቕ” ክብል ይገልጾ።
“ክልቲኦም ወገናት ብውሕዱ፡ ሕጋዊ መስርሕ ከኽብሩ ይግባእ። እቲ ጽቡቕ ነገር፡ እቲ ሕጋዊ መስርሕ ንፖለቲካዊ ፍታሕ ቀዳምነት ስለዝህብ ናብ ዝሓሸን ዘተኣማምንን መገዲ ክወስደና ዝኽእል ይመስለኒ” ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







