ዕጡቓት ትግራይ ኣንጻር ሓይልታት ኣምሓራ ሓድሽ ውግእ ንምኽፋት ከምዝተንቀሳቐሱ ተገሊጹ

ዕጡቃት ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዕጡቓት ሓይልታት ክልል ትግራይ፡ ኣንጻር ሚሊሽያ ጎረቤት ክልል ኣምሓራ ንምግጣም ይዳለዉ ከምዘለዉ ጸብጻባት ገሊጾም።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ዕጡቓት ተዋጋእቲ ዝሓዛ ቃፍላይ መካይን ናብ ምዕራብ ትግራይ ገጸን ክሓልፋ ከም ዝተዓዘቡ ጋርዲያን ንዝተባህለ ጋዜጣ ብሪጣንያ ገሊጾም።

ምንቅስቓስ ናይቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘለዉ ዕጡቓት ሓድሽ ውግእ ንምውላዕ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ይግመት።

ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ፡ ንሰራዊት ፈደራል ብምድጋፍ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ክሳተፉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ፈደራል፡ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከም ዝገበረ ብምግላጽ፡ ሓይልታቱ ካብ ከተማ መቐለን ካልኦት ሰፋሕቲ ቦታታትን ከም ዝወጽኡ ይዝከር።

ዋላ'ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ፈለማ ምውጻእ ሰራዊት መንግስቲ፡ ስትራተጂካዊ ስጉምቲ ምዃኑ ተዛሪቡ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን፡ ዝያዳ ሞት ከይስዕብ ብምፍራሕ ዝተወስደ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።

ሰራዊት ፈደራል ካብ ሰፋሕቲ ከባቢታት ትግራይ ቅድሚ ምውጽኡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ውግኣት ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹን እምበር፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ነቲ ናቶም ምዃኑ ዝምጉትሉ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይን ተቖጻጺሮሞ ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዝተቐትሉን፡ ሚልዮናት ከም ዝተፈናቐሉን ይግለጽ።

ኣብቲ ክልል ክሳብ ዓጸቦ ዝበጽሐ ከቢድ ጥምየት ተፈጢሩ ምህላዉ ትካላት ረዲኤት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።