ኩናት ትግራይ፡ ተኹሲ ደው ንምባል ዝቐረቡ ቅድመ ኩነትን ዝህልዎ ትርጉምን

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም

ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ንመንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓትን ዝነበረ ምውጣጥ ሰማይ ዓሪጉ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ኩናት ምስተወልዐ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ቅልውላው ኣስዒቡ።

ዋላ'ኳ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ኣመራርሓ እቲ ክልልን፡ ካብ ርእሰከተማ ትግራይ መቐለን ካልኦት ከባብታትን ብምውፃእ፡ እቲ የካይዶ ኣለኹ ዝበሎ ወፍሪ ብዓወት ከምዝዛምዎ እንተገለፁ፡ እቲ ኩናት ናብ ካልእ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ ቀፂሉን ይካየድን ኣሎ።

ንክልላዊ መንግስቲ ዝመርሕ ዝነበረ መሪሕ ውድብ ህወሓት ምስተኣለየ፡ እታ ክልል ብፌደራል መንግስቲ ብዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክትመሓደር ፀኒሓ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተኻየደ ከበድቲ ውግኣት: መቐለን እትርከበን ከተማታት ትግራይ ኣብ ቁፅፅር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣትየን።

ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቆፀፀርሉ ድማ፡ እቲ ብፌደራል መንግስቲ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ፌደራል መንግስቲ " ሰብኣውነት መሰረት ብዝገበረን ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየብፅሕን መገዲ" ተኹሲ ደው ከብል ፀዊዑ። ነዚ ስዒቡ ድማ ፌደራል መንግስቲ ንፃውዒት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተቐቢለዮ ኢሉ፤ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝኣወጀ ገሊፁ።

ካብ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝወፅአ መግለፂ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ደው ንክብል መንግስቲ ብዘይገለ ቅድመ ኩነት ካብ 21/2013 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኾን በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝገበረ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ሰራዊት ፈደራል፡ ኣብቲ ን10 መዓልታት ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ስለዝወረዶ፡ ብስም በይንኣዊ ውሳነ ምቁራፅ ተፃብኦ ተገዲዱ ካብ ትግራይ ከምዝሰሓበን ሰራዊት ፈደራልን ክልል ኣምሓራን ከምኡ እውን ሰራዊት ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክሳብ ዝወፅኡ እቲ ኵናት ጠጠው ከምዘይብልን "ኣድላይ እንተኾይኑ እውን ንክልል ኣምሓራን ኤርትራን ክንኣቱ ንኽእል ኢና" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝቕበልዎ ብምግላፅ፡ ተኹሲ ጠጠው ንምባል፡ 7 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ ኩነት ክማላእ ሓቲቶም ኣለዉ።

እቲ ቅድመ ኩነት እንታይ እዩ?

ካብቶም ቅድመ ኩነታት ኣብ ቅደሚት ዝስራዕ ሓደ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን፡ ካብ ግዝኣት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፅኡን ዝብል ኣብ ቅድሚት ይርከብ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ነቲ ብሓይሊ ተወሲዱኒ እዩ ዝብሎ ሰፊሕ ምዕራብ ትግራይ ከምዝተቆፃፀረ ይፍለጥ።

ምስ ፌደራል መንግስቲ ወጊኑ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተሳተፈን፡ ብዝተፈለላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝኽሰስን ሰራዊት ኤርትራ፡ ይግበአኒ እዩ ዝበሎም ከባብታት ኣብ ኢዱ ከምዘእተወ፡ ሰብመዚ ኤርትራ ገሊፆም እዮም።

"ብመንግስቲ ትግራይ" ዝወፅአ መግለፂ ብኣብዝሓ ግደ መንግስቲ ፌደራል ዝትክእን ግደ ማእኸላይ መንግስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ባዕሉ ከምዝፍፅምን የመልክት።

ብመሰረት እዚ ድማ፡ "ንትግራይ ዝምልከት ናይ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ርክብ ወፃኢ ጉዳያት ምስ መንግስቲ ትግራይ ክግበር ኣለዎ፤ ንትግራይ ዝምልከት ምስ ኤርትራ ዘለዉ ጉዳያት'ውን፡ ብመንግስቲ ትግራይ ጥራሕ ዝፍታሕ ይኸውን" ይብል።

እቲ ካልእ ቅድሚ ኩነት፡ መብራህቲ፣ መንገዲ፣ ስልክን ባንክን ሓዊሱ ተቛሪፁ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለስ ይሓቱ።

ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ዓለምለኻዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ብቐጥታ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ እቲ ክልል ክሰርሑ ከፍቅድ ሓቲቱ።

ካልእ ድማ፡ ብዘይ ዝኾነ ገደብ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ ክልል ዝኣትወሉ መገዲ ክመቻቸ፡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ዝብል 'ውን ይርከቦ።

ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክኽበርን ንዝካየድ ዝርርብ ዓንዲ ኮይኑ ከገልግልን'ውን ዝጠልብ እቲ ቅድመ-ኩነት፤ ናይዚ ዓመት ባጀት ክልል ትግራይ ብህፁፅ ክልቀቕ፡ እንተኾነ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ትግራይ ከይንቀሳቐሱ ዝብል'ውን ይርከቦ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ፌደራል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝብል ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ መረፃ ምስኣናወሖ፡ ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጳጉሜን ናይ ባዕላ መረፃ ኣካይዳ እያ። እንተኾነ ባይቶ እታ ሃገር ነቲ ትግራይ ዘካየደቶ መረፃ ውድቂ ብምግባር፡ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ቀጥታዊ ርክብ ከይግበርን ባጀት ከይስለዐሉን ምኽልካሉ ይዝከር።

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ኣብዚ ቅድመ ኩነት ዝተቐመጡ ሓደ ሓደ ሓሳባት ብስፍሓት ኣዘራረብቲ ኮይኖም ኣለዉ። ካብ ሞንጎ እዚኦም ድማ "ብዘይ ቅድመ ኩነት ዓለምለኻዊ በረራታት ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ብቐጥታ በረራ ክገብሩ ክፍቀድ" ከምኡ'ውን " ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ፀጥታ መንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣቱን ከይንቀሳቐስን" ዝብሉ እቶም ቀንዲ እዮም።

እዚኦምን ካልኦት ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ዝፈታተኑ ኣብቲ ቅድመ ኩነት ዝተኻተቱ ሓሳባት፡ ብወገን ትግራይ ብሓደ ሓደ ወገናት ይለዓል ዝነበረ ናፃ ሃገር ናይ ምምስራት ድሌት ብወግዒ ንምፍላጥ ዝዓለሙ ይመስሉ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ንደሓር ዘሎ መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ዝብል ዝፀንሐ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ፤ ሕዚ'ውን ነዚ ብምድጋም ብኣካላት መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ዝምልከቱ ዝተመሓላለፉ ውሳነታት "ሕጋዊ ስለዘይኮኑ ተፈፃምነት ከምዘይብሉ" ገሊፁ ኣሎ።

እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ እቲ ብህወሓትን ዝምራሕ መንግስት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ምኽንያት ካብ ሞንጎ ዝኾነ ኣፍልጦ ዘይምሃብ፡ ናይ ልዝብ ኣፍደገ ዝዓፁ ይመስል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዞም ዝተዋህቡ ቅድመ ኩነት ዝኾነ ዝሃቦ ምላሽ የለን።