ብዛዕባ እዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ክልል ኣምሓራ እንታይ ይብል?

ተመስገን ጥሩነህ

ምንጪ ስእሊ, MAAM

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ትግራይ፡ ካብ ትማሊ ምሸት ሰዓት 10፡30 (4፡30 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጀሚሩ፡ ኣብ መዓስከራት ሰሜናዊ እዚ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቁጣታት መዐደሊ ነዳዲን ዝተፈላለዩ ትካላት መሰረተ ልምዓትን ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ ሓቢሩ።

ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ናይ ምክልኻል ኣዘዝቲ ከይንቀሳቐሱ ብምእዛዝ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ዕጥቁ ከውርድ ከምዝሓተቱዎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ኣብ ሶሮቃን ቅራቅርን ዝብሃል ቦታታት ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዝነበረን ኣቶ ተመስገን ገሊጹ።

እንተኾነ እቲ ሓበሬታ ገና ብዝኾነ ገለልተኛ ኣካል ኣይተጻረየን።

ኣቶ ተመስገን ኣብ ካልእ ከባቢታት እቲ ክልል’ውን መጥቃዕቲ ከምዘሎ፡ ኣብ ከበባ ኣትዩ ዝነበረ ከበድቲ ብረት ናጻ ብምውጻእ ንውግእ ድሉው ገይሮሞ ከምዘለ’ውን እውን ጠቂሱ'ሎ።

ምስ ኮማንድ ፖስት ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ብውህደት ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኩሎም ኣካላት ጸጥታ ንዝመጽእ ትእዛዝ ተቀቢሎም ተግባራዊ ንኽገብሩ ድሉዋት ክኾኑ እውን እቲ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ጸዊዑ።

ኣቶ ተመስገን ኩሎም ተቃወምቲ ሰልፍታት ኣብ ጎኒ ፌዴራል መንግስቲ ደው ክብሉን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝጸንሑ ኣባላት’ውን፡ መንግስቲ እቲ ክልል ናብ መሳርዖም ክምለሱ ጻዊዒት ከምዝቅረበሎም ኣቶ ተመስገን ሓቢሩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ወረራ ይፍጸሞ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።