ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መርዓ ብዝተፈንጀረ ቦምባ ክልተ ሰባት ማይቶም

ካርታ ክልል ኣምሓራ

በቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ብዘጋጠመ ምፍንጃር ቦምባ ክልተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ሸሞንተ ቂሲሎም።

ኣርባዕተ ከቢድ ካልኦት ኣርባዕተ እውን ቀሊል መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞም ኣብ ወረዳ እናርጅ ኣናውጋ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ርክባት ወይዘሮ ጥሩሴት መንግስቱ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ነቲ ቡንባ ሒዙ ዝነበረን ቤተሰብ እቶም ዝምርዓዉን እዩ።

ወይዘሮ ጥሩሴት እዚ ሓደጋ ናይ ኣጋጣሚ'ምበር ብዕላማ ዝተገበረ ከምዘይኮነ ተዛሪባ።

እቶም በቲ ሓደጋ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ሸሞት ሰባት ኣብ ሕክምና ይእለዩ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ ኣርባዕተ ንላዕሊ ሰባት ከይእከቡ ኣብ ዝኣወጀሉ'ዩ እዚ ሓደጋ ዘጋጠመ።

ወይዘሮ ጥሩሴት ወረደኦም ምትእኽካብ ሰብ ደው ክብልን ሰብ መርዓ ከይገብርን ንምግዳድ ይረባረቡ ከምዘለዉ'ያ ትጠቅስ።

"ንሕና መርዓ ከይካየድ ሓቢርና ኢና፡ ተሓቢኦም መርዓ ኣናካየዱ ኣንከለዉ'ዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ" ኢላ።

ብምስዓብ " ሰብ ኣብዚ ሕማም ዘለዎ ግንዛበ ከበርኽ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና፡ ነቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ድማ ናብ ሕጊ ነቕርቦም ኣለና። በዚ ምኽንያት መርዓን ተስካርን ከካይዱ ዝረኸብናዮም 41 ሰባት ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ" ትብል።

ወይዘሮ ጥሩሴት "እቲ ነቲ ቦንባ ሒዙ ዝነበረ ሰብ ሞይቱ'ዩ፡ ነዚ መርዓ ዘካየዱ ስድራ ግን ሕጊ ስለዝጠሓሱ ተሓተትቲ ዘይኮንሉ ምኽንያት የለን" ክትብል ገሊጻ።

ፖሊስ ወረዳ እናርጅ እናውጋ ብወገኑ፡ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብምውፋር ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።