ቁጠባ፡ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣንቢርዎ ዝነበረ ናይ ልቓሕ እገዳ ምልጋሱ እንታይ ረብሓ ይህልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ ልቓሕ እገዳ ምሉእ ንምሉእ ከምዘልዓሎ ገሊጹ።
ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ካብ 20 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ እቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ልቃሕ፡ ንኹሎም ዓማዊሉ ክውሃብ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንዓማዊል ልቃሕ ከይውሃብ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ኣብ መጠን ሸርፊ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ኣብ ባንክታትን ፍልልይ ስለዘርኣየ ንዕኡ ንምቁጽጻር ተባሂሉ ዝተገበረ ምዃኑ እዩ ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ ነይሩ።
ንምዃኑ ባንክታት ልቓሕ ምኽልካለን ንቁጠባ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ሃስይዎ ይኸውን?
ኣብ ኩዌት ክኢላ ስነ ቁጠባ ዝኾነ ዶክተር ኣየለ ገላ "ልቓሕ ሞተር ቁጠባ እዩ" ብምባል፡ እቲ እገዳ ናይ ልቃሕ ኣቐዲሙ'ውን ክንበር ከምዘይነበሮ እዩ ዝሕብር።
ዶክተር ኣየለ "ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ሃገራዊ ድሕነትን ልቓሕ ብምኽልካል ደው ከተብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል።
ካልኦት ክኢላታት እቲ ጽላት'ውን፡ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዘመሓለላፎ ወሳነ ኣብ ምንታይ መሰረት ዝገበረ'ዩ ብንጹር ስለዘይተገለጸ ውጽኢታዊ ነይሩ ወይ ኣይነበረን ንምባል ከምዝጽገሙ እዮም ዝገልጹ።
እንተኾነ ፡ ዘመናዊ ናይ ቁጠባ ስርዓት ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ሃገራውያን ባንክታት መሰራታዊ ስረሐን ከምዘይሰርሓ ምግባር ቁጠባ እታ ሃገር ደው ንኽብል ደራኺ ምኽንያት ከምዝኸውን ይምጉቱ።
እቶም ክኢላታት ስነ ቁጠባ፡ ኩሉ ካብን ናብን ዝዘዋወር ገንዘብ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ካብ ባንክ ብልቃሕ ዝወጽእ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ሃገራውያን ባንክታት ልቃሕ ደው ምባለን ንብዙሕ ነገር ዓንቃጺ ምንባሩ ይሕብሩ።
ምስዚ ሓሳብ እዚ ዝሰማማዕ ዶክተር ኣየለ'ውን ካብ ንመላእ ቁጣባ ሃገር ጽልዋ ዝፈጥር ውሳነ ምሕላፍ፡ ኣብ ኣሰራርሓ ትርር ዝበለ ምቁጽጻር ምግባር ዝሓሸ ኣማራጺ ምንባሩ ይገልጽ።
"ልቃሕ ደው ክብል የብሉን፡ ልቓሕ ደው ምባል ልክዕ ንሓደ ሰብ ንዑደት ደሙ ከም ምዕጋት እዩ ዝሕሰብ" ብምባል ብኣብነት የረድእ።
እቲ ልቃሕ ምኽልካል ኣብ ቁጠባ ዘብጽሖ ጉድኣት ብኸመይ ክግለጽ ይኽእል ንዝብል ሕቶ ዶክተር ኣየለ ክምልስ እንከሎ "ንቁጠባ ካብ ዝነበሮ ንድሕሪት ዝመለሰ፡ ከምዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘይትኽእል ሓፈሻዊ ውድቀት'ዩ" ኢሉ።
ሃገራዊ ባንክ ልቓሕ ቅድሚ ምኽልካሉ'ውን ሃገራዊ ቁጣባ ኢትዮጵያ ጸገማት ከምዝነበሮ ዝገልጽ ዶክተር ኣየለ፡ "እቲ ናይ ልቓሕ እገዳ ምትግባሩ ኣብ ሓዊ በንዚን ከም ምንስናስ እዩ ዝሕሰብ" ኢሉ።
እቲ ኣቐዲሙ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ እንታይ ዝብል'ዩ ነይሩ?
እቲ ኣቀዲሙ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተነበረ ልቓሕ ዘኸልክል ሕጊ፡ ባንክታት ገዛ፡ መሬትን ካልእ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ኣትሒዝካ ዝውሃብ ዝነበረ ልቃሕ ደው ከብልኦ ዝኽልክል እዩ ነይሩ።
ብዘይካ እዚ ካብ ወጻኢ ዝኾነ ዓይነት ንብረት ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ዝውሃብ ዝነበረ ናይ ባንክታት ልቓሕ'ውን ደው ኢሉ'ዩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ተንቀሳቓሲ ንብረት ኣትሒዝካ ዝውሃብ ልቓሕ ደው ኣይበለን ነይሩ።
ኣብ ወርሒ መስከረም'ውን ሃገራዊ ባንክ ነቲ ዝነበረ ናይ ልቓሕ እገዳ ብምፉኳስ ባንክታት ሓሙሽተ ዓይነታት ልቓሕ ክህባ ከምዝኽእላ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ገለ ካብቶም ልቃሕ ክርከበሎም ዝኽእሉ፡ ባንክታት ዝሃበኦ ልቃሕ ንምምላስ ንብረት ተለቃሒ ብሓራጅ ኣብ ዝሸጠሉ እቲ ነቲ ሓራጅ ተጫሪቱ ዝገዝእ ውልቀ ሰብ ካብ ባንኪ ልቃሕ ክውሃቦ ይክእል'ዩ ዝብል ይርከቦ።
ብዘይካ እዚ ኣብ ከባቢ ጎንደር ዝርከቡ ሓረስቶት ናይ ስምስም ኣቐዲሙ ጸዲቕሎም ዝነበረ ልቃሕ ክውሃቦም ዘፍቅድ እዩ።
እዚ እገዳ ናይ ልቃሕ ምልጋሱ እንታይ ረብሓታት ይህልዎ?
ሃገራዊ ባንክ ከምዚ ዓይነትን ካልእ ተመሳሰልቲ ውሳነታት ከሕልፍ እንከሎ መበገሲኡ ከምዘይፍለጥን ንዘተ ኩፉት ከምዘይከውንን ዝገልጽ እዚ ብዓል ሞያ ስነ ቁጠባ፡ እዚ እገዳ ናይ ልቃሕ ምልጋሱ እንታይ ረብሓታት ይህልዎ ዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ መጀመርታ እቲ ዝድለ ዘሎ ነገር እንታይ እዩ ምፍላጥ ከምዝግባእ እዩ ዝገልጽ።
"ስለዚ በቲ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ እንታይ ረብሓ ተረኺቡን ሕጂኸ ንምንታይ እዩ ተላዒሉ ዝብል ነጥቢ ሃገራዊ ባንክ ጥራይ'ዩ ክምልሶ ዝኽእል" ይብል።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ኣብ ኢትዮጵያ ስራሓት ህንጻ ብዙሓት ድራር እለቶም ዝረኽቡሉ ዓይነት ስራሕ'ዩ።
ባንክታት'ውን ኣብ ህንጻታት ወፍሪ ንዝገብሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ልቃሕ ብምሃብ ብዙሕ ኣታዊታት'የን ዝረኽባ።
ብዘይካ ስራሓት ህንጻ ካልኦት ኣብ ልቃሕ ዝምርኮሱ ወፍርታት'ውን ብዙሓት እዮም።
እዚ ተነቢሩ ዝነበረ ናይ ልቃሕ እገዳ ምልጋሱ ኣብ ኢትዮጵያ ህንጻዊ ስራሓት ንኽብርክት ይሕግዝዶ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ዶክተር ኣየለ ክምልስ እንከሎ፡ ጽላት ህንጻ ይኹን ካብ ባንክታት ዝርከብ ልቃሕ ከይተነጻጸለ ተዋሃሂዱ ዝንቀሳቐስ ምዃኑ እዩ ዘረድእ።
"እንተኾነ ጽላት ህንጻ ብዙሕ ሰብ ዝሓቁፍ ስራሕ ስለዝኾነ በይኑ ናይ ቁጠባ ሞተረ ጌርካ ምሕሳብ ጉጉይ ቅማረ'ዩ" ይብል።
ብምስዓብ "እቲ ቀንዲ ናይ ቁጠባ ሕማም: ጽላት ህንጻ ሞተረ ናይ ቁጠባ ጌርካ ምሕሳብ እዩ" ይብል ዶክተር ኣየለ።
ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብዙሕ ህንጻታት ከምዝተሰረሐ ዝገልጽ ዶክተር ኣየለ፡ እዚ ግን ቁጠባዊ ምርግጋዝ ከምዘየውሓሰን ናህሪ ዋጋታት ከምዘየነከየን የረድእ።
ዶክተር ኣየለ፡ ሃገራዊ ባንክ እቲ ንጽላት ህንጻ ዝውሃብ ልቃሕ ኣጉዲሉ ናብ ናይ ሕርሻዊ ወፍርን ንኡሳት ወፍርታትን እንተዝህቦ ምሓሸ ብምባል ሞያዊ ምኽሩ ለጊሱ።
"ልቃሕ፡ ንምርባሕ እንስሳ፡ ንኣፍረይቲ ፍረታተት፡ ንኣፍረይቲ ጸባን ንኣፍረይቲ ክዳውንትን እንተዝውሃብ እቲ ካብ ባንክ ዝውሃብ ልቃሕ ክንዲ ዝቕባበ ምርግጋእ ናይ ዋጋታት መምጸአ" ይብል ዶክተር ኣየለ።
ጠቅላላ ጃምላዊ እቶት ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ካብ ዘርኣዮ 6 ሚኢታዊት ዕብየት ኣብ 2021፡ 2 ሚኢታዊት ጥራይ ዕብየት ከምዘርኢ እዩ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ።
እዚ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ዘተረኣየ እቲ ዝወሓደ ከምዝኾነ ኣይኤምኤፍ ዘውጽኦ ጸብጻብ የርኢ።
ኢትዮጵያ ዓመታዊ 14 ቢልዮን ዶላር ዋግኡ ንብረት ካብ ደገ ከተእቱ እንከላ፡ 3.4 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ንብረት እያ ናብ ወጻኢ ትሰድድ።
ብዘይካ እዚ: ዕዳ እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት 60 ቢልዮን ዶላር ወይ ካብ ጠቅላል ጃምላዊ እቶት እታ ሃገር 70 ሚኢታዊት ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።
ብዙሓት ክኢላታት ስነ ቁጠባ ኸኣ እዚ መጠን ዕዳ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ከምዝኾነ ይገልጹ።
ኣመሪካ፡ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋር ትግራይን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ብምዝማድ ንኢትዮጵያ ካብቲ ኣጎዋ ዝተብሃለ ኢትዮጵያ ብዘይቀረጽ ንብረት ካብን ናብን ኣመሪካ ከተእቱን ክትሰድድን ዘፍቅድ ሓለፋ ስለዝኣለየታን፡ ብሰንኪ እቲ ኵናት ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ብምዝሕታሉን ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ኣዝዩ ገዚፍ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጠረ ይጥቀስ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







