ፌስቡክ ናይ ሓሶት በዓልሞያ ብምጥቃስ ስኑዕ ሓበሬታታት ንዝዘርግሑ ገጻት ሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፌስቡክ ልዕሊ 500 ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሖም ዝበሎም ቻይና ንዝመበቆሎም ገጻት ኣልዩ።
እቶም ገጻት "ዊልሰን ኤድዋርድስ" ናይ ዝተባሃለ ስዊዘርላንዳዊ ተመራማሪ ምዃኑ ዝገለጽዎ ኣመሪካ ንመበቆል ኮቪድ-19 ንምፍላጥ ዝግበር መርመራታት ኢዳ ተእትወሉ ከም ዘላ ዝገልጽ ርእይቶታት ከቃልሑ ዝጸንሑ እዮም።
ርእይቶታት ኤድዋርድ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ቻይና'ውን ብሰፊሕ ተጋዊሑ እዩ።
ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ግና ከምኡ ዝበሃል ሰብ ከምዘየለ ገሊጹ።
ኣደ ኩባንያ ፌስቡክ ዝኾነ ሜታ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተኻየደ ጎስጓስ ኣብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ንዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝን ኣብ ታይዋን፡ ሆንግ ኮንግን ቲበትን ዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ቻይናን ዒላማ ዝገበረ ምንባሩን ብዓቢኡ ዕውት ከምዘይነበረን ገሊጹ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብሓደ ዊልሰን ኤድዋርድስ ዝተባሃለ ስዊዛዊ ተመራማሪ ከምዝውነን ዝገልጽ ገጽ፡ ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ንመበቆል ኮቪድ-19 ዘጽንዑ ተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ጸቕጢ ትገብር ከምዘላን ንቻይና ንምጥቃን ትፍትን ምህላዋን ገሊጹ ነይሩ።
ሲጂቲኤን ዝተባህለ መደበር ተለቪዢን፡ ሻንጋሃይ ደይሊን ግሎባል ታየምስን ዝርከብዎም መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ተመራማሪ ስነህይወት ብምጥቃስ ጸብጻባት ኣዳልዮም።
ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ግና: ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ ቅድሚ እቲ ናይ ፈለማ ልጥፎ ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ከምዝተኸፈተን ሰለስተ ኣዕሩኽ (ፍሬንድስ) ጥራይ ከም ዝነበሮን ብምጥቃስ እቲ ዝተጠቐሰ ሰብ ብህይወት ናይ ምህላው ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ወሲኹ'ውን ብዊልሰን ኤድዋርድስ ዝተመዝገበ ተወላዲ ስዊዝ ከምዘየሎን በቲ ስም ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከምዘይተረኽበን ብምግላጽ መራኸቢ ብዙሓን ቻይና ነቲ ስም ዝጠቅስ ትሕዝቶታት ክኣልዩ ሓቲቱ።
ኩባንያ ሜታ ኣብ ናይ ወርሒ ሕዳር ጸብጻቡ: ኣብቲ ጉዳይ ዝገበሮ ምጽራይ እቶም ገጻት ካብ ቻይና ዝነቐሉ ከም ዝኾኑን ምስ መንግስቲ ቻይና ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ብድሕሪት ምህላዎምን ከምዘነጸረ ገሊጹ።
ሲቹዋን ሳይለንስ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኣብ ዝተባሃለ ቻይናዊ ትካል ምስ ዝሰርሑ ሰባት ከም ዝተሓሓዝ'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ንኣሃዱ ስለያ ቻይና ቴክኒካዊ ድጋፍ ዝህብ መርበብ እዩ።
ፌስቡክ 524 ኣካውንትታት፣ ኣርባዕተ ጉጅለታት (ግሩፕስ) ከምኡ'ውን 20 ገጻትን 86 ናይ ኢንስታግራም ገጻትን ምእላዩ ገሊጹ።
እቲ ብስዊዘርላንዳዊ ተመራማሪ ስነህይወት ዝተነግረ ከም ዝኾነ ዝተገለጸ ሓበሬ:ታ ፈለማ ብናይ ሓሶት ገጻት ፌስቡክ እዩ ተቓሊሑ። ድሒሩ ድማ ናብ ሓቀኛ ገጻት ፌስቡክ በጺሑ።
ንመበቆል ኮቪድ-19 ብዝምልከት ዝካየድ መርመራ ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ጠንቂ ምስሓሓብ ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት'ውን ብዛዕባ መበገሲ እቲ ቫይረስ ዝፍለጥ ነገር ውሑድ እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







