ዶ/ር እሌኒ ገብረመድህን ካብ ቤት ምኽሪ ኣማኸርቲ ቁጠባ ኢትዮጵያ ተኣልያ

ዶ/ር እሌኒ

ምንጪ ስእሊ, AIDA MULUNEH

ዶክተር እሌኒ ገብረመድህን፡ ካብቲ ቀደማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘጣየሾ ዘይሻራዊ ቤት ምኽሪ ኣማኻርቲ ቁጠባ ካብ 19 ሕዳር 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ካብ ኣባልነታ ከምዝተኣለየት ሚኒስተር ትልምን ልምዓትን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ዶክተር እሌኒ ካብ'ቲ 'ዘይሻራዊ' ኣማኻርነታ ዝተኣለየት፡ ኣብዚ ቅነ ብዓለምለኸ ሰላምን ልምዓትን (ፒዲሲኣይ) ብመገዲ ዙም ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ፡ "ብሕጋዊ መገዲ ንዝተመረፀ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምልዋጥን ናይ ስግግር መንግስቲ ኣብ ምጥያሽን ኣጀንዳ ብምስታፍ" ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ መግለፂ፡ ዶክተር እሌኒ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዘልዓለቶም ሓሳባት፡ "ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብግብረ ራዕዲ ንዝተሰመየ ጉጅለ ዝድግፍ እዩ" ኢሉ።

በዓል ስልጣን ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐስ ትካል ዓለምለኸ ሰላምን ልምዓትን (ፒዲሲኣይ)፡ "ህላወን ሉኣላውነትን ሃገር ኣብ ሓደጋ ንምእታው ይድግፍ'ዩ" ብዝብል ኣብታ ሃገር ንክንቀሳቐስ ዝተውሃቦ ፍቓድ ሰሪዙ'ዩ።

ኣብቲ ኣብዚ ቅነ ብመገዲ ዙም ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ዶክተር እሌኒ ገብረመድህን፣ ፕሮፌሰር ኤፍሬም ይስሃቅ፣ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስን ሓዊሱ፡ ቅድሚ ኣምባሳደራት ነበር ኣሜሪካን ካልኦት ስሙያት ኢትዮጵያውያንን ዝተሳተፉሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክትዕ ፈጢሩ ቀንዩ።

ነዚ ስዒቡ ዶክተር እሌኒ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበራ ተሳትፎ ኮነ ተባሂሉ ብግጉይ ርድኢት ከምዝተወሰደን ዕላማ እቲ ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምፃእ ከምዝኾነን ብመገዲ ትዊተር ገሊፃ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስግግር መንግስቲ ምጥያሽ ሓዊሱ፡ ካብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ወፃኢ ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ናይ መንግስቲ ለውጢ ከምዘይትድግፍን፡ ናታ ተሳትፎ ከም ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ዝደልይ ዜጋ፡ በቲ ኵናት ንዝተሃሰየ ቁጠባ እታ ሃገር መሊስካ ንምህናፅ መፍትሒ ንምንዳይ ብውልቃ ዝተሳተፈትሉ'ምበር፡ ምስ ቤት ፅሕፈታ ርክብ ከምዘይብሉ ተዛሪባ።

ምስዚ ብዝዛመድ፡ ንኢትዮጵያውያን ስራሕ ፈጠርቲ ዝድግፍ 'ብሉ ሙን' ዝበሃል ናይ ዶክተር ኢሌኒ ገብረመድህን ትካል ተዓፅዩ መርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ፡ ስራሕ ኣካያዲ ብሉ ሙን ሳሙኤል በቀለ ብመገዲ ትዊተር ኣፍሊጡ።

ዶክተር እሌኒ ትካል ዓለምለኻዊ ሰላምን ልምዓትን (ፒዲሲኣይ) ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ንዝገበረቶ ተሳትፎ ብምቅዋም ድማ፡ ካብ መዝነቱ ከምዝለቐቐ ኣይተ ሳሙኤል ሓቢሩ።

ፕሮፌሰር ኤፍሬም ይስሃቅ'ውን ብኣዋሃድነት ትካሎም ዝተዳለወ ዘተ፡ ግጉይ ግንዛበ ብምፍጣሩ ይቕረታ ብምሕታት መግለፂ ኣውፂኦም።

እቲ ዘተ ከምቲ ዝተብሃለ ሚስጥራዊ ከምዘይኮነን፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ተዓዲሙ ከምዝነበረን ስለዘይተመቻቸወሉ ከምዘይተሳተፈን ኣረዲኦም።

ሚኒስተር ትልምን ልምዓትን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ዘይሻራውያን ኣማኸርቲ ቁጠባ ዘጣየሽዎ መምርሒ ቤት ምኽሪ፡ ኣባላት ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ፖለቲካዊ ትካል ናፃ ክኾኑ ከምዘለዎም እዩ ዝድንግግ፤ ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ 18 ሕዳር 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፡ "ብተግባር ዶክተር እሌኒ ከምዝሓዘነ ብምግላፅ፡ ኣብ ዘይሻራዊ ኣማኻርነት ቁጣባ ቤት ምኽሪ ኣባል ኮይና ከይትቕፅል ምውሳኑ" ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ዶ/ር እሌኒ ገብረመድህን፡ ኣብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ዝተጣየሸን 'ቲምቡክቶ' ተባሂሉ ዝፅዋዕን ናይ ውልቀን መንግስትን ሴክተር ኣጣሚሩ መናእሰያት ንምድጋፍ ዝተጣየሸ ሓድሽ ክፍሊ ንክትመርሕ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ከምዝተመረፀት ይፍለጥ።

'ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ' ብምጥያሽ ትፍለጥ ዶ/ር እሌኒ፡ ኣብቲ ሓድሽ መዝነታ "ዲጂታላዊ ለውጢ ብምስላጥ ተስፋ ልምዓት ኣፍሪቃ መናእሰይ ምምራሕ" ቀዳማይ ዕላምኣ ከም ዝኾነ እቲ ትካል ገሊፁ'ዩ።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዝተመረቐት ዶክተር እሌኒ ኣብ ባንኪ ዓለም ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ብሓላፍነት ሰሪሓ እያ።

ብተወሳኺ መስራቲትን ፈጻሚት ስራሕን ነቲ ብቢልየን ዶላራት ዝቑፀር ዋጋ ዘለዎም ፍርያታት ሕርሻ ዘተዓዳድግ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ኮይና ንዓመታት ኣግልጊላ እያ።

ድሕሪ እዚ ብሽማ ዝፅዋዕ ትካል ብምጥያሽ ኣብ ዙርያ ፍርያት ዕዳጋ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ኣማኻሪት ኮይና ሰሪሓ።