ሕቡራት ሃገራት፡ ዶ/ር እሌኒ ገብረመድህን መናእሰይ ንምድጋፍ ዝቖመ ትካል ክትመርሕ ተመዚዛ

ምንጪ ስእሊ, AIDA MULUNEH
ኢትዮጵያዊት ዶክተር እሌኒ ገብረመድህን፡ ኣብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ዝተጣየሸን 'ቲምቡክቶ' ተባሂሉ ዝፅዋዕን ናይ ውልቀን መንግስትን ሴክተር ኣጣሚሩ መናእሰይ ንምድጋፍ ዝተጣየሸ ሓድሽ ክፍሊ ንክትመርሕ ተመሪፃ።
ቅድሚ ሕዚ ብፍላይ 'ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ' ብምጥያሽ ትፍለጥ ዶ/ር እሌኒ ኣብቲ ሓድሽ መዝነታ "ዲጂታላዊ ሰውራ ብምስላጥ ተስፋ ልምዓት ኣፍሪቃ መናእሰይ ምምራሕ" ቀዳማይ ዕላምኣ ከም ዝኾነ እቲ ትካል ገሊጹ።
ዶክተር እሌኒ ዝተሰምዓ ሓጎስ ብመገዲ ትዊተር ዝገለፀት ኮይና መፃኢ ፅቡቕ ዕድል ኣፍሪቃ ኣብ ኢድ መናእሰይ እዩ ኢላ።
ዩ-ኤን-ዲ-ፒ ብወገኑ፡ ዶክተር እሌኒ ናብ ሓላፍነት ምምፅኣ፡ ወነንቲ ብዙሕ ክእለት ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን መናእሰይ፡ ዓቕሚ ፈጠራ ስራሕ ንምምራሕ ዓብይ ግደ ክህልዎ'ዩ ክብል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ዳይሬክተር ጨንፈር ኣፍሪቃ እቲ ትካል ኣሁና ኢዚኣኮንዋ "ካብ ቅልውላው ኮቪድ-19 ንምሕዋይ ፃዕሪ ኣብ ዝግበረሉ ኣብዚ ወሳኒ ሰዓት፡ እቲ ናይ ብሕቲ ዓውዲ ኮነ ምህዞ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ሞኣዊ ልምዲ ዶክተር እሌኒ ድማ እዚ ንምምራሕ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ነዚ ዕድል ብምርካብና ዓብይ ሓጎስ ተሰሚዑኒ" ኢላ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዝተመረቐት ዶክተር እሌኒ ኣብ ባንኪ ዓለም ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ብሓላፍነት ሰሪሓ እያ።
ብተወሳኺ መስራቲትን ፈጻሚት ስራሕን ነቲ ብቢልየን ዶላራት ዝቑፀር ዋጋ ዘለዎም ፍርያታት ሕርሻ ዘተዓዳድግ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ኮይና ንዓመታት ኣግልጊላ እያ።
ድሕሪ እዚ ብሽማ ዝጽዋዕ ትካል ብምጥያሽ ኣብ ዙርያ ፍርያት ዕዳጋ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ኣማኻሪት ኮይና ሰሪሓ እያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'ብሉ ሙን' ዝተሰመየ ምህዞ ስራሕ መናእሰይ ዝድግፍ ትካል ብምጥያሽ ክትንቀሳቐስ ጸኒሓ'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







