“እዚ ልክዕ ከም ግሃነም’ዩ” ህጻናት ኣፍጋኒስታን ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሓካይም

ኣብ ካንዳራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ዝግበረሉ ህጻን [14 ጥቅምቲ 2021 ]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካንዳራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ዝግበረሉ ህጻን [14 ጥቅምቲ 2021 ]

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ኩሎም ሆስፒታላት ብሕሙማት ኣዕለቅሊቖም'ዮም፡ ዶኳትር ልዕሊ ዓቕሞም'ዮም ዝሰርሑ ዘለዎ፤ ገለ'ውን ብዘይ ደመወዝ ክሰርሑ ዝተገደድሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸሚዶም ዝርከቡ ሓካይም ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣመልኪቶም ንቢቢሲ ሓሳቦምን ውዕለኦምን ኣካፊሎም ኣለዉ።

ኣብዚ ዛንታ ኣስማት ናይቶም ውሃብቲ ሓበሬታ ንድሕነቶም ክንብል ቀይርናዮ ኣለና።

ሓንቲ ኣደ ቆልዓ መንእሰይ፡ ንዶክተር ኑሪ ንዓኣን ንውላዳን ክትቐትሎም እናተነኽነኸት ኣምሪራ ትልምና ኣላ።

ዶክተር ኑሪ ኣብ ዞባ ማእከላይ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክኢላ ስነ መውክዳን እያ፡ እታ ኣቐድም ኣቢላ ዘሕረሰታ ድማ'ያ ንዓኣን ንዕሸላን ክትቐትሎም ትልምና ዘላ።

ዶክተር ኑሪ፡ እታ ሓራስ ኣብ ከባቢኣ ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ቆርበት ጥራይ ዝተረፉ ህጻናት እናርኣየት፡ ከመይ ገይረ'የ ነዚ ውላደይ ከዕብዮ ብምባል ካብ ተሳቕዩ ዝመውት ሕጂ ቅተልለይ ኢላ ከምዝለመነታ'ያ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ዶክተር ኑሪ፡ እቲ ሕክምና፡ ኣንሰልኡ ካብ ዘይቅየር ኣዋርሕ ከምዝገበረን፡ እኹል ናይ ጽሬት መሳርሕታት ስለዘየለ፡ ሕሙማት ብደም ኣብ ዝጨቀወ ኣንሶላ ከደቅስዎም ከምዝግደዱ'ያ ትገልጽ።

እቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ደመወዝ ደው ምስ በለ፡ ድራር እለቶም ንምምእራር ናብ ካልእ ዓይነት ስራሕ ከምዝተዋፈሩ ዶክተር ኑሪ ትሕብር።

ካብዚ ዝተለዓለ ኣብ ክፍሊ መወልዳን ኣብ ዝርከብ ዓራውቲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ዓራት ልዕሊ ሰለስተ ነብሰ ጾራት በብተራ ከምዝድቅሳ ይግበር ምህላዉ ብምግላጽ "እንታይ ኣማራጺኸ ኣለና?" ብምባል ትሓትት።

እቲ ቀረባት ናይ ሕክምና ደው ምስ በለ፡ እተን ብውልቀሰባት ዝውነና ዝነበራ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ስለስተዓጸዋ፡ እተን ውሑዳት ብመንግስቲ ዝውነና ሆስፒታል ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ክሕዝኦ ዝግበአን ብዝሒ ሕሙማት የአንግዳ ምህላውን ዶክተር ኑሪ ጠቂሳ።

ዶክተር ኑሪ "ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ከይድካ ክፍሊ መዋልዳን እቲ ኣዝዩ ፍሽኽታ ዝርኣዩ ክፍሊ ሕክምና እዩ፡ ምኽንያቱ ውጽኢት ጻዕርኻ ሓዲሽ ዕሸል ስለትርእየሉን ፍሽኽታ ሓራስ ፍሽኽ ስለዘብለካን፡ ሕጂ ግን ኣብ ኣፍጋኒስታን እዚ የለን" ትብል።

ኣብ ክልተ ሳምንታት ናይ ወርሒ መስከረም፡ ኣብቲ ንሳ ትሰርሖ ሆስፒታል ጥራይ ሓሙሽተ ዕሸላት ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ከምዝሞትዎም ሓቢራ።

ንምረት እቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ንምግለጽ ድማ "ኣብዚ ልክዕ ከም ገሃነም እዩ" ትብል።

እታ ብደርቅን ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ግጭትን እፎይታ ዝተሓረማ ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ምስ ተቆጻጸርዋ ኸኣ ናብ ቁጠባዊ ውድቀት እዩ ኣምሪሕዋ።

እተን ኣቐዲመን ቅሩብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘወፍያ ዝነበራ ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጣሊባን ንመላእ እታ ሃገር ምስ ተቆጻጸራ፡ ነቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣየኽብርን'ዩ ዝብልኦ መንግስቲ ጣሊባን ንዘይምሕጋዝ የእዳወት ኣንሳሒበን ይርከባ።

እቲ ስክፍታ ኸኣ 'ጣሊባን ነቲ ሓገዝ ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕሎ ይኽእል'ዩ' ዝብል እዩ።

ብሰንኪ እዚ ኣፍጋኒሰታን ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ጥምየት እያ ተሕልፍ ዘላ፡ ኣስታት 14 ሚልዮን ህጻናት ኣፍጋኒስታን ንብርቱዕ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ሕክምናዊ ሓገዛት ዝግበረሎም ህጻናት 28 ጥቅምቲ 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሕክምናዊ ሓገዛት ዝግበረሎም ህጻናት 28 ጥቅምቲ 2021

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ሕክምና ኣስታት 2300 ማእከላት ጥዕና ተዓጽየን ኣለዋ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሕሙማት ምጡን ሕክምናዊ ሓገዛት ንምርካብ 12 ሰዓታት ብእግሮም ዝጉዓዝሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ'ውን ይጥቀስ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ትርከብ ህጻናት ዝሕከሙላ ሆስፒታል እቶም ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓጸቦ ዝርከቡ ህጻናት ናብዮት ዝረኽቡላ ዘለዉ ሆስፒታል እያ። ናብቲ ሕክምና ዝመጽኡ ህጻናት ብምብዝሖም ኸኣ እታ ሆስፒታል ካብቲ ክትሕዞ ዝግብኣ ዓቕን ንላዕሊ ሕሙማት ብምሓዝ 150 ሚኢታዊት መሊኣ ኣላ።

ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሲዲቂ፡ ነቲ ሆስፒታል ዝግበር ዝነበረ ምወላ ኣብ ወርሒ መስከረም ስለዝተቋረጸ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝናበዩ ሕጻናት ሰሙናዊ ኣርባዕተ ትሕቲ 10 ዕድሚኦም ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ከምዝሞቱ ገሊጹ።

ዶክተር ሲዲቂ፡ እቶም ህጻናት ኣዝዮም ተዳኺሞም ክሓውይሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ደራጃ ምስ ብጽሑ ናብኦም ከምዝምጽኡ ይገልጽ።

"እቶም ህጻናት ናባና ክመጽኡ እንከለዉ ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኖም እዮም ዝመጽኡ፡ ብዙሓት ብኸምዚ ሞይቶሙና እዮም"።

ብምሰዓብ እቲ ሆስፒታል ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን ይሳቐ ምህላዉ ዶክቴር ሲዲቂ ገሊጹ።

"ነቶም ሙቐት ዘድልዮም ህዳናት ሙቐት ከይንህቦም ኤሌክትሪክ ብተደጋጋሚ'ዩ ዝጠፍእ ነዳዲ'ውን የብልናን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንሰራሕተኛታት እዚ ሕክምና ዕንጨቲ ከምዝኣርዩ ብምግባር ሓዊ ኣጒድና ነቲ ክፍሊ ነማሙቐሉ እዋን ኣሎ፡ ከምዚ ኢልካ ግን ክሳብ ምዓስ እዩ ክኸውን?" ይብል።

ኣብ ካንዳራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ዝግበረሉ ህጻን [28 ጥቅምቲ 2021]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካንዳራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ዝግበረሉ ህጻን [ወርሒ ጥቅምቲ]

ዶክተር ኑሪ ብወገና፡ ኣብቲ ንሳ ትሰርሓሉ ሆስፒታል ኢለክትሪክ ብተደጋጋሚ ስለትጠፍእ ኣብ ኢንኩቤተር ዝኣተዉ ህጻናት ኢለትሪክ ምስ ጠፈአት ብዙሓት ከምዝሞትዎም ትገልጽ።

"ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ክሞቱ ክትርእዮም እንከለኻ ካብዚ ዝኸፍእ ስቃይ የለን" ድማ ትብል።

ብምስዓብ "ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ መጥባሕቲ እናኣካየድኩ እንከለኹ ኣብ ሞንጎ ኤለክትሪክ ጠፊኣ፡ ንደገ ወጺአ ብዓውታ ሓገዝ ኣብ ዝሓተትክሉ ሓደ ሰብ ካብ መኪንኡ ነዳዲ ሂብና ጀነረተር ኣተሲእና ነቲ መጥባሕቲ ክንውድኦ ክኢልና" ትብል።

እዚ ኹሉ እናኾነ፡ ዝብዘሑ ካብቶም ኣብ ማእከላት ጥዕና ዝሰርሑ ዘለዉ ሞያውያን ዶሞዞም ብስሩዕ ከምዘይክፈሉ'ዮም እቶም ምስክርነቶም ዝሃቡና ዶኳትር ሓቢሮሙና።

ዶክተር ራሕማኒ ዳይረከተር ሆስፒታላት ዞባ ሀራት ኮይኑ እቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ንሕሙማት ኮቪድ-19 እዩ ዝሕክም።

ዶክተር ራሕማኒ 30 ጥቅምቲ ካብቲ ብጣሊባን ዝምራሕ ሚኒሰትሪ ጥዕና ዝመጽኦ ደብዳበ ንቢቢሲ ቅዳሕ ኣካፊሉና፡ ኣብቲ ደብዳበ፡ ክሳብ ምወላ ዝርከብ ሰራሕተኛታት እቲ ሆሰፒታል ብዘይ ደሞዝ ክሰርሑ ዘገድድ ትእዛዝ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።

ትማሊ ሰሉስ ግን እቲ ዝነበሮም ኩሉ ጥረ ነገራት ናይ ሆስፒታል ስለዝነገፉ፡ ሕሙማት ተደፊኦም ካብቲ ሆስፒታል ከምዝወጽኡን እቲ ሆስፒታል ከምዝተዓጸወን ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሰዲድልና።

ዶክተር ቃላንዳር ኢላድ ሚኒስተር ጥዕና ጣሊባን እዩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ምስ ቢቢሲ ፐሪሽያን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ መንግስቲ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምርድዳእ ጠለባት ሕክምና ንምምላእ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ብዙሓት ሃገራት ሓገዝ እንተገይረን ጣሊባን ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕሎ እዩ ብምባል ኢደን ስሒበን እየን።

10 ሕዳር ፡ ሕቡራት ሃገራት ንመጀመርታ ግዜ ብቀጥታ ኣብ ቀረባት ናውቲ ሕክምናን መድሃኒትን ከምኡ'ውን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ሕክምና እታ ሃገር ዝውዕል 15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሒቡ።

እቲ 8 ሚልዮን ዶላር ነቶም 23500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ጥዕና እታ ሃገር ደሞዝ ክኾኖም ተባሂሉ እዩ ተወፊዩ።

ዶክተር ኑሪ "እተን ብሰላም ተገላሊለን ውላደን ሒዘን ካብዚ ሆስፒታል ዝፋነዋ ኣዴታት ብጣዕሚ እየን ዘሕስባኒ፡ ሰልዲ የብለንን፡ ንባዕለን ጸማልያ መሲለን ከመይ ኣቢለን'የን ንዕሸለን ክምግባ?" ድሕሪ ምባል ንሳ'ውን ንባዕላ ንስደራኣ ንድራር ዕለቶም ንምቅራብ ኢዳ ይሓጸራ ምህላዉ ብኣስተንትኖ ትዛረብ።

"ኣነ'ውን ዶክተር ተባሂለ እኹል መግቢ የብለይን፡ እቲ ቅሩብ ኣዋህሊለዮ ዝነበርኩ ሰልዲ ሕጂ ደሞዝ ደው ምስ በልና ወዲአዩ'የ፡ መዓልታዊ ንምንታይ'የ ናብዚ ስራሕ ዝመላለስ ዘለኹ እናበልኩ ንነብሰይ ይሓታ'የ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ መጻእየይ ዝኾነ ጽቡቕ ራኢ የብለይን" ትብል ዶክተር ኑሪ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ኣፍጋኒስታን ቅልውላው ሰብኣዊ ረድኤት ይጋደድ’ሎ