እዋናዊ ግድላት ቁጠባ ኢትዮጵያ

ባንኪ ዓለም ዕብየት ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ አትዮጵያ (ጂዲፒ) ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት፡ ብገምጋም ብ9.4 ሚኢታዊት እናዓበየ ከም ዝመጽአ ይገልጽ።
እንተኾነ፡ እቲ ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ከቢድ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ከምኡ እውን ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ብምስዓብ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ይፈታተኖ እዩ ዘሎ።
ካብ ቀረባ ሰሙናት ናብዚ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ካብ 64 ከሳብ 68 እናተሸረፈ ከም ዝርከብን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ድማ እቲ ዋጋ ክሳብ 72 ብር ከም ዝበጽሕን ምንጪታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ባንኪ ሸርፊ ሓደ ዶላር 45 ብር ይሽረፍ ኣሎ፡፡
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ዝቅባበ ዋጋ እታ ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ዓለምለኻዊ ትካላት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ጸቕጢ ከም ዝበጽሖን ኣስታት ክልተ ሚኢታዊት ዕብየት ከም ዝምዝገብን ገሊጾም ነይሮም፡፡
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እትነብር ወርቅነሽ ሲማ ነባሪት ወጻኢታታ ካብ ኣታዊኣ ከም ዝዛየደ ብምግላጽ ብዝቕባበ ዋጋ ከም ዝተማረረት ትዛረብ፡፡
‘‘ክራይ ገዛ፣ በርበረ፣ ዘይትን ጣፍን ዋገኦም ሰማይ ዓሪጉ" እትብል ወርቅነሽ ኣብዚ እዋን ኣታዊና ምስ ወጻኢና ዝመጣጠን ኣይኮነን ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዝነጥፍ ለማ ኣበበ ድማ ኣብዚ እዋን ቁጠባ እታ ሃገር "ይዓቢ እዩ ዘሎ" ይብል፡፡
"ወሰኽ ዋጋን ዝቕባበን እውን ብልክዕ ይዓቢ ኣሎ፤ እዚ ድማ ነቲ ሓረስታይ ዘይኮነስ ነቲ ናብርኡ ኣብቲ ወርሓዊ ዝረኽቦ ኣታዊ ዝተመርኮሰ ማእከላይ ኣታዊ ዘለዎ ሰብ እዩ ዝጎድእ" ኢሉ።
ኣቶ ለማ ነቲ ዘሎ ናይ ምኽባር ዋጋ ንምቁጽጻር ሕብረተሰብ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ምጥቃም ክተባባዕን ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ምህርቲ ምንካይን መፍትሒ ይኸውን እዩ ኢሉ ይኣምን፡፡
ቁጠባዊ ምምሕያሻት
ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት መንግስቲ ኣዝዩ ካብ ዝተፈተነሎም ጸገማት እቲ ሓደ ዝቕባበ ዋጋ እዩ። ነዚ ክቆጻጸሮ ኣይክኣለን ኢሎም ድማ ብዙሓት ወገናት ይነቕፉዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝቕባበ ዋጋ ንምንካይ መንግስቲ ከም ሸገር ፋብሪካ ባኒ ዝበሉ ትካት ከም ዘጣየሸ ተዛሪቡ እዩ፡፡
ንሱ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ቁጠባ እታ ሃገር ክፉት ንምግባር ብዝብል ኣብ ትሕቲ ዋንነት መንግስቲ ዝኾኑ ከም ቴሌኮሙዩነኬሽን፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝበሉ ትካላት ብኽፋል ናብ ውልቂ ንምዝውዋር ተወሲኑ ነይሩ፡፡
ካብዚኦም ብተወሳኺ ናይ ኢንዱስትሪ መንደራት፣ ናይ ሽኮር ፋብሪካታት፣ ሆቴላትን ካልኦት ኣፍረይቲ ትካላትን ናብ ውልቀ ንምዝውዋር ተወሲኑ እዩ፡፡
እዚ ቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ንምቕጻል፣ ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ዝቕባበን ንምክልኻል፣ ኣታዊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ንምድልዳልን ንግዲ ወጻኢ ንምቅልጣፍን ዝብል ዕላማ ከም ዝነበሮ ይንገር።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክብ ምባሉ እውን ከም ሓደ ምኽንያት ከም ዝውሰድ ይዝረብ፡፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝተለቀሐቶ ገንዘብ 42.8 ቢልዮን ዶላር ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡
እታ ሃገር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግሎባል ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ ንዝተባህለ ጥምረት ዓለም ለኻዊ ኩባንያታት ቴሌኮም ፍቓድ ከም ዝሃበት ዝዝከር እዩ፡፡
በዚ ምኽንያት ልዑል መጠን ዘለዎ ሸርፊ ወጻኢ ናብታ ሃገር ከም ዝኣቱን ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝፍጠርን ሰብ መዚ ይዛረቡ።
ካብ በዓል መዚ ማእከላይ ስታቲስቲክስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራሕ ዝነበረ መጠን ዝቕባበ 24.5 ሚኢታዊት እዩ፡፡
እታ ሃገር ቁጠባኣ ንምዕባይ ካብ ዝወሰደቶም ስጉምቲታት እቲ ሓደ ዝተፈላለዩ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ንናይ ወጻኢ ዕዳጋ ዝኾኑ ምህርቲታት ከፍርዩን ሰደድ ክገብሩን ምትብባዕ እዩ፡፡
ማርታ ገላነው ካብቶም ኣብ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሓንቲ እያ፡፡
በዓልቲ ሞያ ኣውቶሜሽን ኢንጂነሪንግ ዝኾነት ማርታ፡ እቶም ኣብታ ሃገር እናተስፋሕፍሑ ዝመጽኡ ዘለዉ መንደራት ኢንዳስትሪ፡ ናይ መጻኢ ተስፋኣ ብሩህ ከም ዝገበሩ ትዛረብ፡፡
ዋላ'ኳ ኣብዚ እዋን ኣብ ምጥያሽ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ትሰርሕ እንተሃለወት ንመጻኢ ግን "ኣውቶሜሽን ኢንጂነር ከም ምዃነይ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ፋብሪካ ዘለዉ መሽናት ከንቀሳቕስ ይኽእል እየ’’ ክትብል ተረድእ፡፡

ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ደብረ ብርሃን ናይ እንስሳት ምግቢ ንምፍራይ ህንጸት የካይድ ከም ዘሎ ዝገልጽ ድማ ወናኒ ባጃኢ ኢትዮ-ኢንዳስትርያል ሶሉሽንስ ሚስተር ባጃኢ ናይከር እዩ፡፡
ኣብቲ ዝሃንጾ ዘሎ ናይ እንስሳት ቀለብ መወሃሃዲ ትካል፡ ንኢትዮጵያውያን ኣርባሕቲ እንስሳ ንምቕራብ ይሰርሕ ኣሎ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ቫይታሚናትን ማእድናትን እንስሳት እውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምፍራይ ትልሚ ኣለዎ፡፡
ሚስተር በጃኢ ከም ዝብሎ፡ ኣብዚ እንዳስትሪ መንደር ፋብሪካ ንክሃንጽ መንግስቲ ብዙሕ መተባብዒ ገይሩሉ እዩ፡፡
ኣብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ እንትሰርሕ ንዝተወሰነ ዓመታት ካብ ግብሪ ነጻ ከም ዝኸውን፣ ካብ ወጻኢ ዝተወሰኑ ኣቑሐት ካብ ቀረጽ ናጻ ናይ ምእታው ዕድል ከም ዝተመቻቸወሉ፣ መሬት ብሕሳር ከም ዝረኸበን ኣብቲ መንደር ንኣርባሕቲ እንስሳት ፍሉይ ጠመተ ከም ዝተዋህበን ተዛሪቡ፡፡
ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር 15 ኢንዳሰትሪያል ፓርክታት ከምዘለዉዎን ተወሰኽቲ 20 ናይ ምህናጽ ትልሚ ከምዘለዎን እዩ ዝገልጽ፡፡
ኲናት ትግራይን ቁጠባ እታ ሃገርን
ቁጠባ ኢትዮጵያ ዕብየት የመዝግብ እኳ እንተሃለወ እቲ ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ግን ኣብ ፈተና ኣውዲቕዎ እዩ፡፡
በዓል ሞያ ስነ ቁጠባን ላዕለዋይ ሓላፊ ፌርፋክስ ኣፍሪቃ ፈንድን ዝኾነ ዘመዴነህ ንጋቱ ናብ ኢትዮዮያ ዝመጽኡ ሰብ ሃብቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ትልሚ ሒዞም ከም ዝኣትዉ ይገልጽ፡፡
እቲ ሕዚ ዘሎ ጎንጺ ጊዝያዊ ከም ዝኾነን እታ ሃገር ከም እትሓልፎን ዘለዎ ተስፋ ይዛረብ፡፡
ንቁጠባ ኢትዮጵያ ቀንዲ ስግኣት ዝቕባበ ዋጋ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኣቶ ዘመዴነህ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ናህሪ ዋጋ ብዕጽፊ ምውሳኹን እዚ ድማ ማእከላይን ትሑትን ኣታዊ ንዘለዎም ኢትዮጵያውያን ማሕለኻ ኮይኑ ከም ዝቕጽልን ተዛሪቡ፡፡
ዓብዪ ዝኾነ ምውሳኽ ጠለብ ብማዕረ ክዓቢ ዘይከኣለ መጠን ቀረብን እቲ ሓደ ምኽንያት ተገይሩ ከም ዝውሰድ እዩ እቲ በዓል ሞያ ዝገልጽ፡፡ ብፍላይ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ጠለብ ኣይመጣጠንን ይብል፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ጃምላ፣ ሽርሻሮን ምክፍፋልን ዘሎ ስርዓት ድሑር ምዃኑን ለውጢ ከም ዘድልዮን ብምሕባር እታ ሃገር ድሕሪ 126 ዓመታት ዓውዲ ቴሌኮምዩኒክሽን ንሰብ ሃብቲ ምሃባ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እታ ሃገር በራ ንንግዲ ክፉት ምግባራ ክርእይ ከም ዝገብር ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







