ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ምግባር ንኢትዮጵያ ከዋጸኣ ድዩ?

ዶላር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት፡ ሸርፊ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ብዘለዎ ዋጋ ክውሰን ወይ ድማ ፍሎቲንግ ናብ ዝበሃል ስርዓት ገንዘብ ከም ዝሸጋገር ኣፍሊጡ’ሎ።

ንምዃኑ እዚ ስርዓት እንታይ እዩ? ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ስርዓት ምእታዋ እንታይ ውጽኢት ክህልዎ’ዩ? ንነጋዶ ዝህልዎ ጽልዋኸ እንታይ እዩ? ኣብ ህይወት ዜጋታት ከ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ነዞም ሕቶታት ክምልሱልና፡ ንሰብሞያ ቁጠባ እዮብ ተስፋዬ (ዶ/ር)፣ ኣለማየሁ ገዳ (ዶ/ር) ከምኡ ድማ ኣይተ ዋሲሁን በላይ ሓቲትናዮም ኣለና።

ስርዓታት ሸርፊ ወጻኢ

ሰብሞያ ቁጠባ፡ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ሸርፊ ከምዘለዉ ይጠቕሱ።

ዋጋ ገንዘብ ብዕዳጋ ምውሳን (Floating Exchange Rate)፡ ዋጋ ገንዘን ብሃገራዊ ባንክ ምውሳን (Fixed Exchange Rate)፡ ከምኡ ድማ ሃገራዊ ባንኪ ከም ኣድላይነቱ ጣልቃ ዝኣትወሉ (Managed Floating Exchange Rate) ዝበሃሉ ኣሰራርሓታት ከም ዘለዉ ይጠቕሱ።

እቶም ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ እዞም ስርዓታት ነናቶም ኣወንታውን ኣሉታውን ውጽኢታት ኣለዎም።

በዓል ሞያ ቁጠባ ዋሲሁን በላይ፡ ሃገራት ሓደ ዓይነት ስርዓት ሸርፊ ስለ ዝሰዓባ ጥራይ ውጽኢት የምጽኣ ማለት ከም ዘይኮነ ይገልጽ።

ከም ኣብነት ድማ፡ ስዑዲ ዓረብ ሸርፊ ብሃገራዊ ባንክ እናወሰነት ከላ ውጽኢት ከም ዘምጸአት ይጠቅስ።

“እቲ ቀንዲ ቁውም ነገር፡ ስርዓት ሸርፊ ብናጻ ዕዳጋ ወይ’ውን ብመንግስቲ ክውሰን ምግባር ኣይኮነን። ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ብምዕባይ፡ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርቡ ምህርትታት ምዕባይ እዩ” ይብል።

ብዕዳጋ ካብ ዝውሰን ሸርፊ፡ ኢትዮጵያ እንታይ ትኸስብ?

መተዓዳደጊ ገንዘብ ኢትዮጵያ ‘ብር’ ኣብ’ዚ እዋን ካብ’ቲ ዝግበኦ ንላዕሊ ዋጋ ከም ዘለዎ ሰብሞያ ቁጠባ ዝሰማምዕሉ ጉዳይ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ዋጋ ብር ብዕዳጋ ናብ ዝውሰነሉ ስርዓት ክሰግር እንተሎ፡ ዋግኡ ከም ዝንኪ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ብርን ዶላርን ዘሎ ኣፈላላይ ከም ዝሰፍሕ ይእመን።

ኣይተ ዋሲሁን ከም ዝብሎ፡ ዋጋ ብር እንትንኪ ዋጋ ኢትዮጵያ እተፍርዮም ምህርትታት ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ይሓስር።

እዚ ድማ፡ ንኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ተወዳደርቲ ዝገብር ምዃኑ የብርህ።

“ንኣብነት፡ ዋጋ 1 ዶላር፡ 25 ብር እዩ ኢልና ንውሰድ። ሓደ ኣመሪካዊ 1 ዶላት ሒዙ እንተመጺኡ፡ 25 ብር ዘውጽእ ንብረት ብ 1 ዶላር ይዕድገና። ዋጋ ብር ክንንኪ እንተለና፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ሰብ ብሕሳር ክገዝአና ንገብር ኣለና ማለት እዩ። ብዙሕ ፍርያት ንዕዳጋ ክነቕርብ እንተለና ድማ ብዙሕ ዶላር ንረክብ ኣለና ማለት እዩ” ይብል።

ብኻልእ ወገን ድማ ንርኣዮ ይብል ኣይተ ዋሲሁን።

“ሓደ ዶላር ናብ 33 ሓፍ ኢሉ ንበል። ናይ 1 ዶላር ንብረት ንምዕዳግ 33 ብር ክትሕዝ ኣለካ ማለት እዩ። ቅድሚኡ ግን 25 ብር እዩ ዘድልየካ ነይሩ” ይብል።

እዚ ዘርእየና ድማ፡ ብር ምስ ዶላር ዘለዎ ፍልልይ ብዝሰፍሐ መጠን፡ ኢትዮጵያዊ ካብ ደገ አቑሑ ንምግዛእ ይኸብራ።

ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ደገ ንምሻጥ ግን ተወዳዳሪ ይኸውን። እዚ ማለት፡ ሃገርና ብዙሕ ሸርፊ ወጻኢ ተዋህልል፡ ፍርያትን ኣፍራይነትን ይውስኽ ድማ ይብል።

ልዑል ናህሪ ዋጋ ከስዕብ ይኽእል

ኣብ’ዚ እዋን ብር ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ዋጋ ከም ዘለዎ ዝዛረብ እዮብ (ዶ/ር)፡ ዋጋ ብር ብዕዳጋ ክውሰን ከሎ ምስ ገንዘብ ካልኦት ሃገራት ዝህልዎ ፍልልይ ከምዝሰፍሕ ይገልጽ።

ንኣብነት፡ ሕዚ ኣብ ባንክታት ሓደ ዶላር ኣመሪካ 35 ብር ይሽረፍ እንተልዩ፡ ብሓቀኛ ናይ ዕዳጋ ዋግኡ እንተተወሲኑ ክሳብ 45 ብር ክሽረፍ ይኽእል።

“ዋጋ ብር ኣዐርዩ ከንቆልቁል ይኽእል፤ እዚ ድማ ናህሪ ዋጋ የስዕብ። ካልኦት ጸገማት’ውን ክስዕቡ ይኽእሉ” ይብል እቲ በዓል ሞያ።

በዓል ሞያ ቁጠባ ኣይተ ኣለማየሁ ገዳ (ዶ/ር)፡ ኢትዮጵያ ናብ’ዚ ስርዓት ክትሰግር ከላ ካብ ዘጋጥሙ ኣሉታዊ ጽልዋታት ሓደ ናህሪ ዋጋ ከምዝኾነ ይገልጽ።

"ንኣብነት ኣብ’ዚ ሰሙን መንግስቲ ዋጋ ሓደ ዶላር ካብ 32 ብር ናብ 35 ሓፍ ኣቢልዎ ኣሎ። እዚ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 5 ክሳብ 6 ኣዋርሕ፡ ክሳብ 24 ሚኢታዊት ወሰኽ ዋጋ ኣብ ኣቑሑታት ከምጽእ እዩ” ይብል።

ከም ኣብነት ድማ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ኩነታት የልዕል። 1 ዶላር ኣመሪካ፡ 29 ፓውንድ ሱዳን እናሃለወ፡ ሱዳን ነቲ ናይ ሸርፊ ስርዓት ብዕዳጋ ክውሰን ገይራ።

“በዚ ድማ፡ ኣብ ሱዳን ዋጋ ሓደ ዶላር 48 ፓውንድ ሱዳን ኮይኑ። ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ድማ፡ ዋጋ ሓደ ዶላር ክሳብ 58 ፓውንድ ሱዳን በጺሑ። ኣብ’ቲ እዋን፡ ሰባት ኣብ ፓውንድ ሱዳን እምነት ስኢኖም። በዚ ምኽንያት ኩሉ ሰብ ናብ ኤቲኤማት ከይዱ ገንዘቡ ከውጽእ ተረባሪቡ። ባንክታት ድማ ዝኸፍለኦ ስኢነን” ይብል ዶክተር ኣለማየሁ።

ብድሕሪኡ እቲ ኩነታት እናገደደ ከይዱ ከም ባኒ ኣብ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሃለኽቲ ወሰኽ ዋጋ ከምዝተርኣየን፤ በዚ ምኽንያት ተቓውሞታት ተላዒሉ ለውጢ መንግስቲ ክመጽእ ሓደ ምኽንያት ከም ዝኾነን ይገልጽ።

ኢትዮጵያ ንርዓት ሸርፊ ኣብ 3 ዓመት ክትቅይር ትኽእል'ዶ?

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ሸርፊ ብዕዳጋ ክውሰን ዝጅምር ኣብ 3 ዓመት ከም ዝኾነ ገሊጹ እዩ። ኢትዮጵያ ነዚ ክትገብር ትኽእል ዶ?

እዮብ (ዶ/ር) ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝከኣል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ቀዲሞም ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ነገራት ነይሮም ይብል።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ቁጠባ ኢትዮጵያ ከምዝተጎተተ ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ገለ ክፋል ቁጠባ ናይታ ሃገር ኣዝዩ ተሃስዩ ምህላዉ ይዛረብ።

“ካብ’ዚ ጸቕጢ ከይተናገፍናን ምሉእ ሸክሚ ናይ’ዚ ለበዳ ከይተረዳእናዮን፡ ካብ ብሕዚ ሰለስተ ዓመት ኢልካ ምውሳን ንዓይ ኣይተረደኣንን። ብወገነይ’ውን ዝቕበሎ ኣይኮነን” ይብል።

እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ ናብ ከም’ዚ ዓይነት ስርዓት ሸርፊ ንምስጋር ቅድመ ምድላዋት ከምዘድልዩን፤ ኢትዮጵያ ቅድሚ ናብ’ዚ ምስጋራ “እቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ክረግእ ምግባር፣ ዝቕባበ ዋጋ ምቁጽጻር የድሊ፡ እኹል ሸርፊ ወጻኢ ክውህለል ኣለዎ፡ ከምኡ ድማ ኣፈላላይ ሚዛን ንግዲ ክጸብብ ኣለዎ” ብምባል ይምዕድ።

እዮብ (ዶ/ር)፡ ቅድሚ ናብ’ዚ ሰርዓት ምስጋርና፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ናብ ሓደ ኣሃዝ ክንኪ “ኣገዳሲ እዩ” ይብል።

ድፍኢት ኣይኤምኤፍን ንኪ ዓለምን

ዓለማዊ ትካል ገንዘብ ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን፡ ኢትዮጵያ ዋጋ ገንዘባ ብዕዳጋ ክትውስን ድፍኢት ከምዝገብሩ ይግለጽ እዩ።

እዮብ (ዶ/ር) ናይ’ዚ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፤ ኣይኤምኤፍ ካብ ዝተመስረተሎም ምኽንያታት ሓደ፡ ዋጋ ባጤራ ሃገራት ዓለም ክረግእ ንምግባር እዩ።

“ብናቶም ፍልስፍና፡ ሸርፊ ዝረግእ ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ናጻ ክኸውን ከሎ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሸርፊ ከም ኩሉ ዓይነት ሸቐጥ ዋጋ ኣለዎ። ልክዕ ከም ዝኾነ ሸቐጥ፡ ዋግኡ ብዕዳጋ ክውሰን ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ” ይብል።

ኣለማየሁ ገዳ (ዶ/ር) ድማ፡ ኢትዮጵያ ዝያዳ ናብ ደገ ካብ እትልእኾ ፍርያታት እቲ ናብ ዓዲ እተእትዎ ብብዙሕ ዕጽፍታት ዝውስኽ ብምዃኑ፡ ነዚ ፍልልይ ንምጽባብ፡ ዋጋ ብር ብዕዳጋ እንተተወሲኑ፡ ሸርፊ ወጻኢ ብዝሓሸ ክርከብ ይኽእል እዩ ብዝብል ሓሳብ፡ ዓለማዊ ትካላት ኢትዮጵያ ናብ’ዙ ስርዓት ክትኣቱ ከም ዝደፍኡ ይገልጽ።

ይኹን’ምበር፡ ናብ ደገ ዝልእኹ ነጋዶ ኢትዮጵያ ቀንዲ ጸገሞም፡ ሸርፊ ወጻኢ ኣይኮነን ይብል።

“ኣነ ልዕሊ 100 ለኣኽቲ ነጋዶ ኣዛሪበ ዝበጻሕኩዎ፡ እቲ መሰረታዊ ጸገም፡ ሕጽረት ጥረ ኣቑሑ፣ ጸገም ቀረብ መሬትን ፋይናንስን፡ ብልሽውናን ኣብ ጉምሩክ ዘሎ ድኻምን እምበር እቲ ቀንዲ ጸገም ሕጽረት ዶላር ኣይኮነን” ይብል።

“ቀንዲ ውራይ ክኸውን ዘለዎ፡ ምስ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘለዎ ፍልልይ ምጽባብ፡ ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ናብ ዓዲ ዝኣቱን ናብ ደገ ዝለኣኽን ንግዲ ዘሎ ፍልልይ ምጽባብ እዩ” ይብል።

ኣብ መንጎ ኣታውን ወጻእን ንግዲ ዘሎ ኣፈላላይ ዝሰፍሓሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናብ ደገ ዝለኣኽ ምህርቲ ስለዘይዓበየ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ ይገልጽ።

“ናብ ዓዲ ዝኣቱን ናብ ደገ ዝለኣኽን ንግዲ ንምጽባብ፡ ንደገ እንልእኾ ንግዲ በብዓመቱ ብማእከላይ 20 ምኢታዊት ንሾሞንተ ተኸታተልቲ ዓመታት ክዓቢ ኣለዎ” ይብል።

ስለዝኾነ ድማ “ትኹረት መንግስቲ ክኸውን ዘለዎ ናብ ደገ ዝለኣኹ ምህርትታት ዝውስኽሉ መገዲን፡ ካብ ደገ ዝኣትዉ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምፍራይ ንኣፍረይቲ ምትብባዕን እዩ” ይብል።

ፈሻዊ ገምጋም እቶም ሰብ ሞያ

እዮብ (ዶ/ር) – ስርዓት ሸርፊ ወጻኢ ክቕየር ከምዘለዎን ብዕዳጋ ክውሰን ከምዘለዎን እኣምን እየ። እቲ ከይዲ ግን፡ ቀስ ብቀስ ክኸውን ኣለዎ።

ኣለማየሁ (ዶ/ር) - ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ እዩ ዝዛይድ። ቅድሚ ስርዓት ሸርፊ ምቕያርና ክንዓዮም ዘለዉና ውሽጣዊ ዕዮታት ኣለዉ።

ኣይተ ዋሲሁን - ብሓፈሽኡ የዋጽእ እዩ ኢለ ይኣምን። እቲ ሰርዓት ባዕሉ ናብኡ የእትወና ኣሎ እዩ። ኣብ’ቶም ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ዕዮ ገዛና እንተደኣ ክንፍጽም ክኢልና፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዋጋ ብር ብዕዳጋ ክውሰን ምግባር ቅኑዕ ኣካይዳ እዩ።