ኣብ ኢትዮጵያ ምውሳኽ ሸርፊ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ቁጠባ እንታይ ከስዕብ ይኽእል?

ሓበራዊ ምስሊ ብርን ዶላርን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/ BBC

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይስሩዕ መገዲ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ዝሽረፈሉን ሕጋዊ ብዘይኮኑ ሰባት ዝምራሕን ጸሊም ዕዳጋ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ናብዚ ዓብዪ ወሰኽ ኣርእዩ እዩ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ካብ ብር 64 ክሳብ ብር 68 ይሽረፍ ከም ዘሎን ኣብ ዝተፈለየ ኩነታት ድማ እዚ ዋጋ ክሳብ ብር 72 ከም ዝበጽሕን ኣብዚ ዓውዲ ዝተዋፈረ ውልቀ ሰብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ኣብ ስሩዕ ዕዳጋ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ብብር 45 እዩ ዝሽረፍ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ እቲ ስሩዕ ዕዳጋን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ኣፈላላይ ልዕሊ 20 ብር እዩ።

እዚ ድማ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስ ዝነበሮ እንትነጻጸር ልዕሊ ዕጽፊ ፍልልይ ኣለዎ፤ ኣብቲ እዋን ሓደ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብብር 31 ይሽረፍ ነይሩ፡፡

ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ ልዕሊ 40 ብር ዝነበረ ሸርፊ ኣብዚ እዋን ናይ 5 ቅርሺ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ 13 ዓመታት ናይ ሓሙሽተ ዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ እዩ፡፡

ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ‘‘ ወሰኽ ሸርፊ ጸሊም ዕዳጋ እናተጋደደ እምበር እናቐነሰ ክኸይድ እዩ ዝብል እምነት የብለይን’’ ብምባል መንግስቲ ዋጋ ብር ንምድኻም ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ከም መረዳእታ የልዕል፡፡

‘‘ሰባት ዝቑጥብዎ ብዶላር ክኸውን ስለ ዘተባብዕ ዋጋ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ክውስኽ ይገብር፡፡ ከምቲ ልሙድ ናብ ወጻኢ ሰደድ እንገብሮ ካብቲ እነእትዎ ኣዝዩ ዝነኣሰ ስለ ዝኾነ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ድልየት ዝተጋነነ ኮይኑ ክቕጽል እዩ’’ ይብል።

ወሲኹ፡ "ጎንጺታትን ካልኦት ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ድልየታትን፡ ናይ መንግስቲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ድልየት ክውስኽ ይገብሩ እዮም። እዚ ማለት መንግስቲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ ምስ ናይ ውልቀ ዓውዲ ክወዳደር እዩ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ውልቀ ዓውዲ ናብቲ እንኮ ኣማራጺኡ ዝኾነ ተመዓዳዳዊ ዕዳጋ (ጸሊም ዕዳጋ) ይኣቱ ማለት እዩ’’ ክብል እቲ በዓል ሞያ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ቁጠባ ዝድንገጉ ዘለዉ ማዕቀባት መንግስቲ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝረኽቦም ናይ ሸርፊ ድጎማታት ጸቕጢ ክህልዎም እዩ ዝብል እዚ በዓል ሞያ፡ ጎንጺታት እንትህሉ ድማ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝመጽእ ናይ ወጻኢ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንትን ሒዝዎ ዝመጽእ ጥረ ሸርፊ ወጻእን ሓቢሮም እዮም ዝተርፉ ይብል፡፡

ኣብ ኢንዳስትሪ ባንኪ ብዝህቦም ትንታነታት ዝፍለጥ ተቐማጢ ዓብዱልመናን መሓመድ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንጎ መደበኛን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ መንጎ 20 ን 30 ን ምኢታዊት ከም ዝነበረ ይገልጽ።

እዚ ኣፈላላይ ኣብዚ እዋን ናብ 50 ሚኢታዊት ዓብዩ እዩ ይብል፡፡

ናይዚ ቀጥታዊ ሳዕቤን ድማ ኣብቲ ሐዚ እውን እናዓበየ ዝመጸ ወሰኽ ዋጋ ዕዳጋ፡ ዝብኣሰ ጸቕጢ ከምዘለዎ ይዛረብ።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምህርታት ኣታዊ ዝገብሩ ሰብሃፍቲ ሸርፊ ወጻኢ ካብ ባንኪ ስለ ዘይረኽቡ፡ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ብዝረኽብዎ ሸርፊ ኣቑሑት ስ ለዘምጽኡ እዩ ኢሉ።

መንግስቲ ነቲ ኣብ መንጎ ስሩዕ ዕዳጋን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ኣፈላላይ ንምምላእ ዋጋ ብር ክዳኸም ምግባሩ ኣይተርፍን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ቁጠባ ዘይግመት ምዃኑ ሰብ ሃብቲ ሃብቶም ከየውፍሩ ይዓግቶም እዩ ይብል፡፡

"ብር ቀልጢፉ ዋግኡ ምሕሳሩ ልቓሕ ወጻእ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ የዳኽም እዩ፡፡ እዚ ንመንግስቲ ኾነ ናይ ውልቀ ተለቃሕቲ ናብ ክሳራ ከእቱ ይኽእል እዩ። እቲ ልቓሕ ኮነ ወለድ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ናይ ምቕያር ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ ኣብ ከቢድ መዋጥር እዩ ዝኣቱ" ክብል እውን ይውስኽ፡፡

ትሬዲንግ ኢኮኖሚክስ ዝተባህለ ድህረ ገጽ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ባንኪታት ናይ ዶላር ዋጋ ብከባቢ 28 ቅርሺ ወሲኹ እዩ።

ብኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ 2003 ዓ.ም ሓደ ናይ ኣመሪካ ዶላር ብ 16 ብር ይሸረፍ ነይሩ፡፡

እዚ ዘተሓሳስብ ወሰኽ ናበይ እዩ ከምርሕ ንዝብል፡ እቲ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ተንታኒ ስነ ቑጠባ እንትገልጽ ‘‘ግምታት ከም ዘመላኽትዎ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 2022 ስሩዕ ሸርፊ ናብ ብር 47.7፡ ከምኡ ድማ ኣብ 2023 ናብ 54.1 ክዓቢ እዩ። እቲ ቑጽሪ ገዲፍና፡ እቲ ሐዚ ዘሎ ኣካይዳ ሸርፊ ብር እናተዳኸመ ከም ዝኸይድ እዩ ዘርእየና’’ ይብል፡፡

ዝቕባበ ዋጋ ዕዳጋ፣ ቁጠባ ውሽጢ ዓዲ ብዶላር ክንቀሳቐስ ምግባር (dollarization of domestic economy)፣ ከምኡ እውን ናይ ድኽነት ምግዳድ፡ ምድኻም ዋግ ብር ኣብ ሓጺር እዋን ዝፈጥሮም ጸቕጢታት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እውን እቲ ተንተኒ ይሕብር፡፡

እዚ ኩነታት ብኣጋ እንድሕር ዘይተዓጊቱ ድማ ናብ ህዝባዊ ዓመጽ ዘምረሐሉ ዕድል ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ፡፡

ኣብ ነዊሕ እዋን እቲ ቁጠባ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምውዳቕ ቅልውላው (full blown economic crisis) ሓደጋ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ካብ ዝፈላለዩ ኣንፈታት ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣረዲኡ።

"ንግዲ ወጻኢ፣ ምህርቲ፣ ምምሕዳር ልቓሕ ከምኡ እውን ኣብ ኢንቨስትመንት ዘሕድሮ ጸቕጢ፡ ናይ ቁጠባ ውድቀት ከጋጥመሉ ዝኽእል ዕድል ኣሎ" ይብል፡፡

ኣቶ ዓብዱልመናን ብወገኑ፡ መንግስቲ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ወይ ንምቅላል ቀልጢፉ ዋጋ ብር ምድኻም ሓዊሱ ብዙሓት ምምሕዳራዊ ስጉምቲታት ክወስድ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን፡፡

ብተወሳኺ ጥቡቕ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ፖሊሲ ምትግባር ካብቶም መፍትሒታት ከም ዝኾነ ገሊጹ፡፡