ደግሲ ኮሮናቫይረስ ዘሻቐላ ፈረንሳይ፡ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጃ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ፓሪስን ካልኦት ትሸዓተ ከተማታትን፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፡ ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝተኣወጀ ኣፍሊጡ።
እዚ ኸኣ፡ ነቲ ብቑልጡፍ ዝዝርጋሕ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ዝዓለመ እዩ።
እቲ ስጉምቲ ካብ ቀዳም ጀሚሩ፡ እንተወሓደ ንሓደ ወርሒ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ካብ ሰዓት 9፡00 (3፡00 ኣ.ኢ) ናይ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት ሽድሽተ (12፡00 ኣ.ኢ) ኣብ ዘሎ እዋን ምንቅስቓስ ክኽልከል ምዃኑ እዩ እቲ ፕረዚደንት ብቴሌቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ።
ኣብ’ታ ሃገር፡ ህጹጽ ኣዋጅ ጥዕና’ውን ተኣዊጁ’ሎ።
ኣብ ኣውሮጳ፡ ደግሲ ኮሮናቫይረስ ኣጋጢሙ ብምህላዉ፡ ሃገራት ነዚ ንምቁጽጻር ነናተን ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ።
ጀርመን፡ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ መስተን ምግብን፡ ብኣጋ ክዕጸዉ ከምዘለዎም ኣፍሊጣ’ላ።
እዚ ጥቡቕ ስጉምትታት ብረቡዕ ክእወጅ ዝኸኣለ፡ ኣብ’ቲ ዕለት 5000 ሓድሽ መልከፍትታት ስለዘጋጠመ ክኸውን ከሎ፤ ሎሚ ሓሙስ ድማ፡ ብዝሒ ሓድሽ መልከፍትታት 6,638 ኮይኑ’ሎ።
እዚ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ጀርመን ዝተመዝገበ ልዑል መዓልታዊ መልከፍቲ እዩ።
ኣብ'ታ ሃገር፡ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ጥቡቕ መምርሒ፡ ካብ 100,000 ነበርቲ እቶም 50 ብኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተለኸፉሎም ከባብታት ዝርከቡ ኣብያተ መስተን ምግብን፡ ቅድሚ ምሸት ሰዓት 11 ክዕጸዉ ይግደዱ።
ልዕሊ 10 ሰባት ምትእኽኻብ’ውን ተኸልኪሉ ኣሎ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ድማ፡ ብኽፋል ዕጽዋ ዝተኣወጀ ኾይኑ፡ እንዳ ሻህን ኣብያተ መግብን ተዓጽዮም።
ቼክ ሪፓብሊክ ድማ፡ ኣብያተ ትምህርትን እንዳ መስተን ዓጽያ’ላ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ኣውሮጳ ልዑል መልከፍቲ ዝተመዝገበላ ሃገር እያ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







