ብቕልጡፍ ዝውስኽ ዘሎ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ዝሰግአ ሃገራት ኣውሮጳ እገዳታት የጥብቓ ኣለዋ

ተምሃሮ ኣብ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቸክ ሪፐብሊክ ተምሃሮ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ትምህርቶም ክከታተሉ ወሲና'ላ

ኣብ ኣውሮፓ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ ይውስኽ ብምህላዉ ቼክ ሪፐብሊክ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ብኸፊል ኣዋጅ ዕጽዋ ደንጊጋ።

ኣብታ ሃገር፡ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ባራትን ምሸታዊ መዘናግዒ ቦታታትን ብኽፋል ክዕጸዉ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብያተ መግቢ ምሉእ ብምሉእ ክዕጸዉ ከለዉ ኣልኮላዊ መስተ'ውን ተኣጊዱ።

ኣብ ኔዘርላንድ ድማ ብኸፊል ዝፍጸም ኣዋጅ ዕጽዋ ዝተነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ግድን ተግባራዊ ክኸውን'ዩ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ናብ ሆስፒታላት ዝኣትዉ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ሆስፒታላት ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ክትትል ንዝግበረሎም ሰባት ዝተዳለው ዓራውቲ ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን 90 ሚኢታዊት ብተሓከምቲ ከም ዝመልኡ ይግመት።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ሎሚ ረቡዕ ብቴሌቪዥን ቀሪቡ ተወሰኽቲ ገደባት ከፍልጥ ትጽቢት ይግበር።

ፓሪስ ኣብ እትርከበን ነቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾና ከተማታት ሰዓታት እቶ እቶ ክእወጅ ከምዝክእል ጸብጻባት የመልክቱ።

መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርክል እውን እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ኩነታት ስክፍታ ከም ዘሕደረላ ገሊጻ እያ።

"እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ክቕጽል'ዩ" ኢላ።

ሰብመዚ ጥዕና ጀርመን ሎሚ ሮቡዕ ጥራይ ልዕሊ 5 ሽሕ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እዚ ድማ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር ንፈላማ እዋን ዝተመዝገበ ዝለዓለ መልከፍቲ ኮይኑ'ሎ።