ቻይናዊት ከተማ ቺንዳው 9 ሚልዮን ነበርታ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ኮቪድ-19 ክተመርምር'ያ

ምንጪ ስእሊ, BARCROFT MEDIA
ቻይናዊት ከተማ ቺንዳው ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ሓንቲ ከተማ ንትሸዓተ ሚልዮን ነበርታ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከምእተካይድ ተገሊጹ።
ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ሕሙማት እቲ ቫይረስ ኣብ ዝሕከሙሉ ሓደ ሆስፒታል ብርክት ዝበለ መልከፍቲ ስለዝተራእየ'ዩ ነዚ ክትገብር ወሲና።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ብምኽንያት እቲ ዓለማዊ ለብዒ 11 ሚሊየን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ውሃን ሙሉእ መርመራ ኮቪድ-19 ገይራ ነይራ።
ኮሚሽን ጥዕና ከተማ ቺንዳው ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሽዱሽተ ሓድሽ መልከፍትን፣ ሽዱሽተ ምልክታት ዘርኣዩን ተረኺቦም ኣለው።
ኩሎም ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝተረኸቡ ምዃኖም ግሎባል ታይምስ ጸብጺቡ።
ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሓደሽቲ ሕሙማትን ዝርከብዎም ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ መርመራ 114 ሽሕን 862 ሰባት ኩሎም ናጻ ከም ዝኾኑ ተረጋጊጹ።
እቲ ሓድሽ መልከፍቲ፡ ድሕሪ’ቲ ሚሊዮናት ዝሳተፍሉ በዓል ‘ወርቃዊ ሰሙን ቻይና’ ዘጋጠመ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ከም ሓበሬታ ቢሮ ቱሪዝምን ባህልን ከተማ ሺንዳወው ድማ፡ ኣብዚ ወቕቲ እታ ከተማ 4.47 ሚሊዮን ጉዕዞታት ተቐቢላ ኣተኣናጊዳ’ያ።
ሰብ መዚ ቻይና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋላ’ውን ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝልከፉ ሰባት ኣዝዩ ዝተሓተተ እንተኾነ፡ ምልክታት ዝተራእዮ ወይ’ውን ዝሓመመ ሰብ ክርከብ እንከሎ ንብሙሉኡ ህዝቢ ምምርማር ዝብል ስትራቴጂ ከም ዝሓዙ ይግለጽ።
ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ብዝሒ መልከፍቲ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን ቻይና፡ ብብዝሒ ነዚ ለበዳ ኣብ ቁጽጽር ኣእቲዋቶ’ያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ቻይና 85 ሽሕን 578 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣለውዋ፤ ብዝሒ ዝሞቱ ድማ 4634 ጥራሕ እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







