ጃዋር መሐመድ፡ ኣብ ኦሮሚያን ድሬዳዋን ብዝነበረ ጎንጺ ብውሑድ 4 ሰባት ሞይቶም

ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ሃረርጌ፣ ምዕራብ ኣርሲን ከተማ ድሬዳዋን ብዘጋጠመ ጎንጺ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝቆሰሉን ካብ ፖሊስ፣ ሆስፒታልን ነበርትን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ጭሮ

ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር መንግስቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ሓሚሙ ዝብል ዜና ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ ጭሮ ብዙሓት ሰባት ተቓውሞ ኣካይዶም።

በዚ ምኽንያት ብውሑዱ ክልተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምንጪታት ሆስፒታል ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ምክትል ዳይሬክተር ሆስፒታል ጭሮ ዶክተር ሳዳም ኣሉዋን፡ ብጥይት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ካብ ዝመጽኡ 24 ሰባት እቶም ክልተ ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ።

ዶክተር ሳዳም፡ "ካብቶም ዝሞቱ እታ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ'ያ። ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ትርከብ። ኣብ ሑቕኣ ተሃሪማ እያ ተቐቲላ። እቲ ሓደ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ ኮይኑ ንሱ'ውን ብድሕሪት'ዩ ተወቒዑ" ኢሉ።

ንሱ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ሓደ ብጽኑዕ ዝሓመመ ካልእ መንእሰይ ሕክምናዊ ክትትል ንክግበረሉ ናብ ኣዳማ ተላኢኹ ኣሎ።

እቶም ዝተረፉ መብዛሕትኦም ኢዶምን እግሮምን ዝተሃረሙን መስበርቲ ዓጽሚ ዘጋጠሞምን ከም ዝኾኑ ገሊጹ።

ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ ከተማ ጭሮ ብሰኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 11፡00 [ብኣቆጻጽኣረ ኢትዮጵያ] ቀበሌ 03 ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ጎንጺ ነይሩ ኢሉ።

ትማሊ'ውን ኣብ ከባቢ ጭሮ ብርክት ዝበሉ ተቓውሞ ንምክያድ ዝመጽኡ ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ዝቓወሙ ዝነበሩ ንምብታን ተኹሲ ከም ዝኸፈቱን ተዛሪቡ።

ድሬዳዋ

ፖሊስ ምምሕዳር ድሬዳዋ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ከተማ ብዝተላዕለ ናዕብን ዕግርግርን ህይወት ክልተ ሰባት ከም ዝጠፍአን ካልኦት ኣርባዕተ ከም ዝቖሰሉን ኣፍሊጡ።

"ናይ ጥፍኣት ዕላማ ዝሓዙ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ እቲ ሰላማዊ ሕብረሰተብ ተሓቢኦም "12.12.12" ብዝብል ካብ ደገ ዝተዋህቦም ልኡኽ ጥፍኣት ንከፈጽሙ ላዕልን ታሕትን ክብሉ'ኳ እንተውዓሉ፡ ብሓይልታት ጸጥታን ብድጋፍ ነባሪ ከተማናን ፈሺሉዎም እዩ" ኢሉ።

ፖሊስ እታ ከተማ ወሲኹ፡ ድሕነት እታ ከተማ ንምሕላውን ሕጊ ንምኽባርን 'ንሴኮንድ'ውን ዕጽፍ ከም ዘይንብል ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ" ኢሉ።

አወዳይ

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣወዳይ ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰባት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ተጋጭዮም ተባሂሉ።

ሓደ ነባሪ ኣወዳይ፡ ብሰኑይ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ሓሚሙ ዝብል ዜና ምስተሰምዐ 'ጃዋር ክሕከም ኣለዎ'፣ 'ካብ ቤት ማእሰርቲ ይፈታሕ' ዝብሉ ጭርሖታት ዘስምዑ መናእሰይ ክእከቡ ከም ዝጀመሩን ሓይልታት ጸጥታ ሰባት ንምብታን ተኹሲ ከም ዝኸፈቱን ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እቶም መናእሰይ እናጨርሑ ምስተለፉ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ጠጠው ከብሉዎም ጀሚሮም። ድሕሪኡ ተኹሲ ተኸፊቱ 10 ዝኾኑ ሰባት ከኣ ብጥይት ተሃሪሞም" ክብል፡ ክልተ ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

ብሰሉስ'ውን ኣብታ ከተማ ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ ተፈቲኑ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

"ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ሰልፊ ይካየድ ነይሩ፤ በሽር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተኹሲ ተኸፊቱ ሓደ ሰብ ሞይቱ። ኣብዚ ሰዓት እታ ከተማ ጭር እትብል ምንቅስቓስ የለን፤ ድኳናት ተዓጽዮም'ዮም" ኢሉ።

ሐረር

ኣብ ሃረር'ውን፡ ሰልፊ ተቓውሞን ኣድማ ዕዳጋን ክግበር ኣለዎ ዝብሉ ሰባት ምስ ተኣኻኸቡ፡ ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝበተኖም ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

መጉዳእቲ ዝበጽሖም ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም።

ሻሸመኔ

ብተመሳሳሊ ኣብ ሻሸመኔ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ሓሚሙ ዝብል ዜና ምስ ተሰምዐ፡ "ሰባት ናብ ጽርጊያ ክወጽኡ" ከም ዝጀመኑ ተገሊጹ።

ሓንቲ ነባሪት እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ሃንደበት ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተሃሪሙ ክወድቕ ከም ዝርኣየት ተዛሪባ።

መልሲ መንግስቲ

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ፡ ኣብ ዞባታት ኣርሲን ሃረርጌን ግጭት ከም ዝተልዓለ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

"ኣብ ሻሸመኔ ነይሩ ብዛዕባ ዝተባህለ ግን ሓበሬታ የብለይን። ኣብ ከተማታት ዶዶላን ኣሳሳን ግን ምልክታት ተራእዮም'ዮም። ኣብ ኣወዳይ'ውን መንገዲ ንምዕጻው ጻዕሪ ተገይሩ ነይሩ። እዚ ግን ካብ ፈተነ ዝሓለፈ ኣይነበረን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ወሃቢ ቃል ዋላ'ኳ ዝተፈላለዩ ኣካላት ጻውዒት ኣብ መላእ ኦሮሚያ ዝካየድ ተቓውሞን ኣድማ ዕዳጋን እንተገበሩ ኣይሰለጦምን ኢሉ።

"ናብ ዝኾነ ክፋል ኦሮሚያ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ሰብ ክኸይድ ይኽእል'ዩ። ብዛዕባ ዝተዓጸወ መንገዲ ዝኾነ ሓበሬታ የብለይን" ኢሉ ኣቶ ጌታቸው።

"ኣብዛ ሃገር ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ'ዩ፤ ብሕጊ ክሕተት ዘለዎ ብሕጊ ክሕተት'ዩ" ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ሰባት ድምጾም ብሰላማዊ ሰልፊ ከስምዑ እንተደልዮም ብሕጋዊ መገዲ ንዝምልከቶ ኣካል ኣፍሊጦም ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ወጻእ ብሃበ ተረኽበ እትነብረሉ ሃገር ኣይኮነን" ኢሉ።

ድሕሪ ሕጂ'ውን እንተኾነ፡ "ኣብ ድላይካ እናነበርኻ ጻውዒት ዓመጽን ምዕጻው መገድን ክግበር ጻዕሪ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን" ኢሉ ኣቶ ጌታቸው።