'መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ከይመስረተ ንተቓወምትን ጋዜጠኛታትን ንነዊሕ እዋን ኣሲሩ' ኣምነስቲ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ዘይተመስረቶም ኣባላት ተቓወምቲ ኣሲሩ ክብል ሂዩማን ራይትስዎች ከሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2020 ጀሚሮም ክሲ ዘይተመስረቶም ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፊታትን ጋዜጠኛታትን ኣሲሮም ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ቀጻሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሉ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ድሕሪ እቲ ኣብታ ሃገር ተላዒሉ ዝነበረ ናዕቢ፡ ፖሊስን ዓቀብቲ ሕግን ዝኣሰሩዎም ውልቀ ሰባት፡ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቡን፡ ኣበይ ተኣሰሮም ከምዝርከቡ ክገልጽን ምስ ጠበቓታቶምን ቤተሰቦምን ክራኸቡ ከፍቅዱሎምን ሓቲቱ።

"ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣሲርካ ምምርማር ዝብል ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ኣይተናገፉን ዘለው። ሓቅን ርጡብ መረዳእታን ሒዞም ክሲ ክምስርቱ ይግባእ" ትብል ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪካ ሂዩማን ራይትስ ዎች ላቲሺያ ባደር።

ድሕሪ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ብዝተላዕለ ናዕቢ ኣስታት 178 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝጠቅስ ጸብጻብ ተሓላቒ መሰላት፡ ካብቶም ተሳተፍትን ሓዘንተኛታትን ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

ኣብቲ ክልል ብዝተፈጸመ ሃይማኖትን ዓሌትን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ'ውን ሰባት ከም ዝሞቱ፣ ብርክት ዝበለ ንብረት ከም ዝዓነወን በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ከም ዝተዘናበሉን ጠቒሱ።

ብ30 ሰነ 2020፡ ፖሊስ ፌደራል ኣዲስ ኣበባ፡ ኣባል ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ጃዋር መሓመድ፡ ኣመራርሓ እቲ ሰልፊ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ እስክንድር ነጋን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ዘለው ኣመራርሓ ዝርከቡዎም ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባትን ተኣሲሮም ይብል።

ብተወሳኺ፡ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዝርከብ ዘይፍለጥ ኣባል ግንባር ናጽነት ኦሮሞ [ኦነግ] ለሚ በግና፣ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፣ ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት ተወልደ ገብረጻድቃንን ብርሃኑ ጽጌን'ውን ተኣሲሮም ኣለው ኢሉ።ብተወሳኺ ፖሊስ ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ፣ ጋዜጠኛታት ኦኤምኤን ዝነበሩ ጉዮ ዋሪዮን መለሰ ድሪባን ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ከም ዝኣሰሩ ሂዩማን ራይትስዎች ገሊጹ።

ፖሊስ ኦሮሚያ፡ ድሃይ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኦነግ ብምሕባእ ምስ ጠበቓታቶምን ስድርኦምን ንከይራኸቡ ከም ዝኸልከለ ዝጠቅስ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ንከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ ክብል ይኹንኖ።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል እቲ ገበን መዓስን ኣበይን ከምዝተፈጸመ ብዝግባእ ንምጽራይ ስርሑ የሰላስል ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ብዘይ ዝኾነ ክሲ ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝጸንሑ ምግባር ግን ንሓደ ጥርጡር ክሳብ ክንደይ ጸቕጢ ከምዝፈጥረሉ ግን ምላሽ ከም ዘይተዋህቦ ይሕብር።

ይኹን'ምበር እቶም ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ፖሊስ ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ንኮሮናቫይረስ ኣብ ዘቃልዑዎም ዝተፈላለዩ ቦታታት ከም ዝርከቡ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከጋጥም ንዝኽእል መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ንምንካይ፡ ሰባት ብዘይ ፍርዲ ንዝተናውሐ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ የብሎምን ዝብል ምኽሪ ዓለምለኻዊ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣቓልቦ ክግበሮ ኣተሓሳሲቡ።