ኬንያዊ ጋዜጠኛን 5 ሓለውቲ ጃዋር መሓመድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ምንጪ ስእሊ, YASSIN JUMA FB
ኬንያዊ ጋዜጠኛ ሓዊሱ ኣብ ናይ ጀዋር መሓመድ ናይ ክሲ መዝገብ ተጠርጢሮም ዝተኸሰሱ ሓሙሽተ ሓለውቱ፡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዓቃቢ ሕጊ ምዝራቡ፡ ጠበቐኦም ዶ/ር ቶኩማ ዳባ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ፡ ንበይኑ ተወሺቡ ከምዘሎ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ጠበቓ እቶም እሱራት ኣይተ ከድር ንመጋባእያ ከምዘረደአ ተዛሪቡ።
ዶ/ር ቶኩማ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ በዓል ጃዋር ናይ ቤትፍርዲ ቆጸሮ ከምዘሎ ዝሰምዐ ሃንደበት ንጎሆ ኣስታት ሰዓት 5 ከምዝኾነ'ውን ሓቢሩ።
ዓቓቢ ሕጊ ምስክር ከስምዕ ቆጸሮ ሒዙ ከምዝነበረ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ናይ በዓል ጃዋር መዝገብ ካብ ዝተኸሰሱ 14 ሰባት፡ 9 ሰባት ጥራሕ ከምዝቐረቡን፡ ዝተረፉ ጌቱ ተረፈ፣ በሽር ሑሴን፣ ሶቦቃ ኦልቀባ፣ ኬኔን ዳዊት ሆርዶፋን ከምዘይቀረቡ ተዛሪቡ።
ንምንታይ ከምዘይቀረቡ ዝተሓተተ ፖሊስ፡ ብኮቪድ 19 ከምዝተትሓዙን ተፈልዮም ንበይኖም ከምዝተዐዓጸዉን ተዛሪቡ።
ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ሓሙሽተ ጥርጡራት ኣብዘይቀረብሉ፡ ምስክር ከስምዕ ከምዘይክእል ሓቢሩ ተወሳኺ ቆጸሮ ክፍቀደሉ ሓቲቱ።
ናይቶም ተኸሰስቲ ጠበቓታት፡ ብፍላይ ሓለውቲ ጃዋር ዝነበሩ፡ ምስ ኣባላት ስድረኦም ከይተራኸቡ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከምዝኾኖምን ክዳኖም ከምዘይቀየሩን፡ ብቲ ሕማም ዝተትሓዙ ድማ፡ ብኣተሓሕዛ ጉድለት ከምዝኾነ መርአያ እዩ ዝብል ንቤት ፍርዲ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ፡ እቶም ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ካብ ዓቃቢ ሕጊ ወጻኢ ካልእ ዝኾነ መረዳእታ ከምዘይቀረበ ሓቢሮም ምምጓቶም ዶ/ር ቶኩማ ገሊጹ።
ካልኦት ድማ፡ ተመርሚሮም ውጽኢቶም ክፍለጥን መስቀላዊ ሕቶ ክሓቱ ክፍቀደሎምን ከምዝሓተቱ'ውን ተዛሪቡ።
ቤት ፍርዲ፡ ብኮቪድ 19 ተታሒዞም ብዛዕባ ዝተብሃሉ መረዳእታ ክቐርብ፡ ከመይ ከምዝተትሓዙ'ውን ቀሪቡ ከረድእን ካልኦት ድማ ተመርሚሮም ውጸኢቶም ክቐርብ ብዝብል፡ ቤት ፍርዲ ንሰኑይ 11/12/2012 [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ተለዋጢ ቆጸሮ ሂቡ።
ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ፡ ነሓሰ 12/12/2020 ቆጸራ ከምዝተውሃቦ ካብ ጠበቕኡ ምፍላጥ ተኻኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







