ብቕትለት ሃጫሉ ኣብ ፍርዲ ዝቐረበ ክሱስ ‘ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ’ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Dagi pictures
ብቕትለት ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ዝተኸሰ ጥላሁን ዋሚ፡ ሎሚ ኣብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ነቲ ገበን ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ ክብል መንግስታዊ ተለቪዥን ገሊጹ።
እቲ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ክሱስ፡ እቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ክቀላጠፈሉን፡ ቤተሰቡ ውሕስነት ክወሃቦምን ከም ዝሓተተ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ጥላሁን ዋሚ፡ እቲ ኣብ ማእሰርቲ ዘለዎ ኩነታት ኣተሓሕዛ ሕማቕ ምዃኑ ብምምራር፡ ናይ ጸሓይ ብርሃን ክረክብ ከምዘይካኣለ ተዛሪቡ።
ፖሊስ፡ ነቶም ቀንዲ ሃንደስቲ ናይቲ ቅትለት ዝበሎም ኣብ ቀይዲ ንምእታዉ ግዜ ክወሃቦ ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝተረፎም መርመራ ከጻፍፉ 11 መዓልታት ሂብዎም ኣሎ።
እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተፈጸመ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ ምስዓቡ ይዝከር።
ኣብቲ ናዕቢ ልዕሊ 160 ሰባት ምቕታሎም ይግለጽ።
ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ልዕሊ 5000 ውልቀሰባት’ውን ምስቲ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ጃዋር መሓመድ፡ በቀለ ገርባ፡ እስክንድር ነጋን፡ ገለ ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ካብ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት’ዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







