ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ "ብስም ፋኖ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት" ዝተወስደ ስጉምትን ዝፈጠሮ ወጥርን

ምንጪ ስእሊ, BAHIRDAR CITY COMMUNICATIONS
ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ሕጊ ምኽባር ዝበልዎ ስጉምቲ ምውሳድ ድሕሪ ምጅማሮም ብዝተፈጠረ ጎንፂ፡ ኣብ ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።
ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ጎጃምን ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ሰሜን ወሎን ብዘጋጠመ ጎንፂ፡ ቁፅሮም ብንፁር ዘይፍለጥ ሰባት ከምዝሞቱን ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘጋጠመን፡ ነበርትን ምንጭታት ሆስፒታልን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ እቲ ክልል ዝተረጋግአን ብዘላቕነት ልምዓት ዝካየደሉን፡ ከምኡ’ውን ዜጋታት ብዘይገለ ፀጥታዊ ስግኣት ወፅዮም ዝምለስሉ ንክኸውን፡ ተሪር ስርሒት ምኽባር ሕጊ ይካየድ ከምዘሎ ገሊፁ ነይሩ።
ነዚ ድማ መንግስቲ እቲ ክልል ንህዝቢ ካብ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ናይ ምሕላው ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምግላፅ፡ ኣብቲ ክልል መሳርሒ ኵናት ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ።
ጉድኣት ዘስዓበ ጎንፂ
ነዚ ስዒቡ፡ ኣካላት ፀጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዕጡቓት ጉጅለ፣ ኣባላት እቶም ጉጅለታትን ዝርከቡሉ ስፍራታትን ምስ ዝወሰድዎ ስጉምቲ “ምኽባር ሕጊ” ብዝዛመድ ጎንፅን ወጥርን ከምዝዓሰለ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ትርከብ ከተማ ሞጣ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ወጥሪ ከምዝነበረን ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ድማ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአን ተዛሪቦም።
ሓደ ስሙ ክፅራሕ ዘይደለየ ነባሪ፡ “ንፋኖ ዕጥቂ ክነፍትሕ ኢና ብዝብሉ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ እዩ ተጀሚሩ። ፋኖ ድማ ዕጥቂ ኣይንፈትሕን ብዝብል ቦታ ሒዞም ነይሮም። ነበርቲ ከኣ ፋኖ ዕጥቂ ክፈትሕ የብሉን ዝብል ተቓውሞ ኣስሚዖም” ኢሉ።
ማዕኸን ዜና ሮይተርስ፡ ተፈሪ ዳምጤ ንዝተብሃለ ኣባል ፋኖ እቲ ከባቢ ብምዝርራብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣካላት ፀጥታ ፌደራልን ክልልን፡ ምስ ዕጡቓት ፋኖ ከምዝተጋጨዉ ፀብፂቡ።
ድሕሪ እዚ፡ እቲ ዝዓሰለ ወጥሪ በርቲዑ፡ ነበርቲ ቀይሕ መፍለይ ምስ ዝገበሩ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ (ኮማንዶ) ብዝፈጠርዎ ጎንፂ፡ ብውሑዱ ሽድሽተ ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እንተኾነ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታት ትካል ጥዕና፡ ክልተ ብጥይት ተወቒዖም ዝሞቱን ኣስታት 15 ዝኾኑ ዝተፈላለየ መጠን ጉድኣት ዘጋጠሞምን ሰባት ናብቲ ማእኸል ጥዕና ከምዝመፅኡ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ዘጋጠመ ህውከት፡ በታ ከተማ ዝሓልፍ ዋና መገዲ ከምዝተዓፀወ፡ ኣብዚ እዋን መጓዓዝያ ከምዝተዓናቐፈ፡ ኢንተርነት ከምዝተቛረፀን፣ ባንክታት፡ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ከምዝተዓፀዉን እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ምዕራብ ጎጃም ከተማ መርዓዊ፡ ውጥረት ከምዝነበረ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ምንጪ ስእሊ, MOTTA CITY COMMUNICATION OFFICE
'ዘይሕጋውነት ንምቁፅፃር'
ፋኖ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምእታው መጥቃዕትታት ይፍጽሙ ኣለው ብዝብል ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እቲ ክልል ብሰፊሕ ዝተወደበ ዕጡቕ ጉጅለ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ወጥሪ ዝሰፈነ ኣብ ልዕሊ እቶም፡ ብስም እቲ ዕጡቕ ጉጅለ “ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን” ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ድሕሪ ዝተወሃበ መግለጺ እዩ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ ሓይሊ ፀጥታ ክልሉ ብስም እቲ ጉጅለ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙን ሰላም እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዝዘርጉን ስጉምቲ ከምዝወስድ ምግላፁ ይዝከር።
ካብዚ ብተወሳኺ ቢሮ ፀጥታ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልትታት ከመዝግቡ ዝፀውዐ እንትኾን፡ ምምሕዳር እቲ ክልል ስልጠና ከምዝህብ እውን ሓቢሩ እዩ።
እዚ ኣብቲ ክልል ተጀሚሩ ዘሎ ስጉምቲ “ምኽባር ሕጊ” ኣብ ሞንጎ ኣባላት ፋኖ ቅረታ ፈጢሩ ኣሎ።
ተፈራ፡ እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝተገለለ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፉ ከምዝተዋግአ ይፍለጥ።
ኣካላት ፀጥታ ፌደራልን ክልል ይወስድዎ ብዘለዉ ስጉምቲ፡ ሓደ ሓደ መራሕቲ ጉጅለን ኣባላትን ፋኖን ኣብ ቀይዲ ኣካላት ፀጥታ ከምዝወዓሉ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊፆም።
ቢቢሲ፡ ካብ ኣማሓደርቲ እተን ውጥረት ዝዓሰለለን ከባብታትን እቲ ክልልን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
መንግስቲ ፌደራል እንታይ ኢሉ?
ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ፌደራል ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ምኽባር ልዕልና ሕጊ፡ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ከምኡ’ውን ምቕፃል ሃገር ንምርግጋፅ ብሕታዊ ፍታሕ እዩ ኢሉ።
መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝረአ ፋሉልነትን ስእነት ሰላምን ንክቆፃፀር ህዝቢ ክሓትት ፀኒሑ’ዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፡ ሃገራዊ ባይቶ ፀጥታ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ንክውሰድ ከምዝወሰነ ሓቢሩ።
እዚ ስጉምቲ ኣካል እቲ ሓይሊ ፀጥታ ፌደራልን ክልልን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኦሮምያ፣ ሶማሌን ካልኦትን ይወስድዎ ዘለዉ “ሕጊ ምኽባር’ዩ” ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ዘይሕጋዊ ዝውውር መሳርሒ ኵናትን ገንዘብን ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ፣ ውልቀሰባት ዘፍረይዎ ሃፍቲ ኣብ ምዝማት ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ጉጅለታት፣ ብቕትለት ነፍሲ ኣብ ልዕሊ ዝጥርጠሩ፣ ጎንፂ ብምፍጣር እቲ ክልል ንከይረጋጋዕ ኣብ ዝገብሩ ጉጅለታት መጠነ ሰፊሕ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ” ኢሉ።
በዚ ድማ ብዙሓት ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ምስ ዝሓዝዎ መሳርሒ ኵናት፣ ዝዘመትዎ ንብረትን ሰነድን ኣብ ቀይዲ ይውዕሉ ከምዘለዉ ዝገለፀ መንግስቲ ፌደራል፡ ጉዳዮም እናተፃረየ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ድማ ኣፍሊጡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







