ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ፡ ፋኖ መን እዩ? ብመንከ እዩ ዝምወል?

ሰራዊት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ሽም ፋኖ ብሕቡእ እዩ ዝለዓል ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ከም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝረአ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ "ፋኖ" ከኣ ኣብ ኣምሓራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ጎንደር ናይ መንእሰያት ሕቡእ ውዳበ ከምዝነበረ እዩ ዝንገር።

ካብኡ ንደሓር ግን ኣብታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ብተደጋጋሚ ሽሙ ዝለዓል ናይ ዕጡቓት ጉጅለ ኮይኑ።

ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ዝገበርዎ ውግእ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ምስ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝተሰለፉ ቢቢሲ ዘዛረቦም ሓለፍቱ ይዛረቡ።

ብዛዕባ ፋኖ ዝዛረቡ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ዝኾነ ሰብ ተበዲሉ ንበረኻ ዝወጽአ ጭቆና ጸሊኡ ወይ መሪሩዎ ጠበንጃ ዘልዓለ " ፋኖ" ከምዝበሃል ይገልጹ። ብኣገላልጻ እዞም ሰባት "ፋኖ" ግፍዒ ዝፈጠሮ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ህዝቢ ኣምሓራ ከም ናይ ህዝቢ ደጀን ክቑጸር እንከሎ፡ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ገን፡ ጥሩፍ [ኣኽራሪ] ዕጡቕ ጉጅለ ኣምሓራ ክብል የውግዞ።

ዓለም ለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ፡ እቲ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዙሕ ሰብኣዊ ግህሰት ፈጺሙ'ዩ ክብሉ ይውንጅልዎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ፋኖ እንታይ ይመስል?

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ፋኖ ውዳበ ይርከብ። ኣብ ሸዋን ወሎን ኣብ ጎንደርን ጎጃምን ንገዛእ ርእሱ ዝወደበሉ ግዜን ባህርያትን ኣሎ።

አቶ ዘመነ ካሴ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ ነቲ ኣብ ጎጃም ዝተወደበ ጉጅለ "ፋኖ" ይመርሖ ኣሎ። ንሱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ ቀስታ ኣብ እትበሃል ቦታ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተዋግአ'ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ስለምንታይ ፋኖ ክውድብ ከምዝደለዩ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ "ህዝባዊ ኵናት ስለዝተኣወጀና፡ ህዝባዊ ምላሽ ክንህብ ግዴታ ኣሎና" ይብል። አቶ ዘመነ እቲ ህዝባዊ ውዳበ ኣብ ኩሉ ክፋል ክልል ኣምሓራ ከምዘሎ ይኹን እምበር እቲ ኣብ ጎጃም ዘሎ ኣወዳድባ ቁሩብ ሕይል ከምዝብል ንቢቢሲ ይዛረብ።

መንእሰያት ወሎን ሸዋን 'ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራ' ዝብል ህዝባዊ ውዳበ ከምዝፈጠሩ ናይቲ ጉጅለ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ህዝባዊ ርክባት ሓላፊ ኣቶ አበበ ፈንታው ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ 2008 ብሃገር ደረጃ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ መንእሰያት ራያ ብሕቡእ ከምዝተወደቡ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓይልታት ትግራይ ደሴ ምስ በጽሑ ከኣ ናይ ፋኖ ሓይሊ ከምዝወደቡ፡ ክሳብ 2011 ግን ዕጥቂ ከምዘይነበሮም አቶ አበበ የረድእ።

ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ታዕሊም እውን እንተኾነ ኣብ 2014 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ናይ መንግስቲ ጻውዒት ተቐቢሉ ዝተጀመረ እምበር ቀደም ከምዘይነበረ ሓቢሩ።

ሓይልታት ትግራይ ንደቡብን ሰሜንን ወሎ ምስ ኣተው፡ ፋኖ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ምስ ሰራዊት መንግስቲ ተሰሊፉ ከምዝተዋግአ ኣረዲኡ።

ኣቶ ዘመነ፡ ካልኦት ሓይልታት ንህዝቢ ኣምሓራ ከም ጸላኢ ክርእዩዎን ኣንጻሩ ክዕጠቑን ክወዳደቡን ምስ ጀመሩን፡ ከምኡ እውን ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ክግስግሱ ምስ ጀመሩ ኣብ ነሓሰ 2013 "ፋኖ" ከዕጥቑን ክውድቡን ከምዝጀመሩ ይዛረብ።

እዚ እቲ ሓጺር ዕላማ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝእለም ፖለቲካ ኣብ ጽልኢ ዝተመስረተ ብምዃኑ፡ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶ ነዚ ጽልኢ'ዚ ንምምካት ከምዝኾነ ይኣምን።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛቡሉ፣ ከምዝሞቱን ከምዝተሰዱን ብምሕባር፡ ህዝቢ ኣምሓራ ርእሱ ኣቕኒዑ ክሳብ ዝኸይድ፡ ምንቃሕን ምዕጣቕን፡ ምትእኽኻብ 'ህዝባዊ ሓይሊ ኣምሓራን' ኣገዳሲ ምዃኑ የረድእ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ስሙ ዝለዓል 'ፋኖ'

ጉጅለ "ፋኖ" ኣብ ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋን ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል፣ ንብረትን ገዛውትን ብምቅጻልን ብምዕናውን ብተደጋጋሚ ይኽሰስ።

ኣብ ቀረባ ድማ፡ ኣብ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ አካባቢ ንዘጋጠመ ክስተት ብክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ነበርትን ክሲ ቀሪብሉ እዩ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከኣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ምዕራብን ምብራቕን ሸዋ ኣብ ዝነበረ ህዝቢ፡ ሓለፍትን ኣባላትን ፋኖ ብተመሳሳሊ ተግባር ይኽሰሱ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዞባ ሰሜን ሸዋ ክልል ኣምሓራን ምብራቕ ሸዋ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝዳወብሉ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣባለት ፌደራል ፖሊስን ናይቲ ኣካባቢ ሚሊሻን ነበርትን ሞትን ጉድኣትን ኣጋጢሙ።

እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈጸመ እኳ እንተዘይተፈልጠ ኣብ ክልቲኡ ከባቢ ዘለው ኣባላት ምምሕዳር ግን ካብ ጎዶቦ ዝመጽኡ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ እዮም ዝገልጹ።

ናይ ኦሮሚያን ኣምሓራን ክልላት ሓለፍቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቲ መጥቃዕቲ "ጥሩፋት ሓይልታት" ኣብቲ ሕብረተሰብ ዕግርግር ንምፍጣር ብመደብ ከምዝፈጸምዎ ገሊጾም።

ብምቕጻል ከኣ፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሱ ሕሉፋት ጥሩፋት ዕጡቓት ፋኖ ኮኒኑ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ ብዛዕባ ዝበሃል ዘሎ "ፋኖ" ዝበሃል ጉጅለ፡ ንቢቢሲ ምላሽ ዝህብ ኣካል ኣይተረኽበን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኤፍራታና ግድም ወረዳታት ኣብ ዝርከብ ኣከባቢ ዝተቐትሉ 20 ዝኾኑ ውልቀሰባት ተሓተትቲ ምዃኖም፡ ኣብቲ ኣከባቢ ዝርከቡ ሰበስልጣን ንቢቢሲ ገሊጾም።

ናይ ኤፍራታን ግድምን ወረዳ ሓለፊ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ቅትለትን ዕንወትን ዕጡቓት ሸኔ እዮም ዝሕተቱ ክብሉ እንከለው፡ እቶም ናይ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋ ሓለፍቲ ግን እቶም ተሓተትቲ ሓይልታት "ፋኖ" እዩ ይብል።

እቲ ኣብ ልዕሊ ፋኖ ዝቐርብ ክሲ ካብ ኦሮምያ ሓሊፉ ኣብ ቤንሻንጉልን ዞባ መተከልን እውን ይስማዕ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነባሪ ድባጤ እተባህለት ዓዲ ኣብቲ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ዝፈልጡዎም ዕጡቓት ፋኖ 15 ሰባት ከምዝጨወዩን ሓደ ካብኦም ኣውቲስታ ምንባሩን ክልተ ሰባት ድማ ከምዝተቐትሉን ተዛሪቡ።

ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ብዛዕባ እቲ ጭውያ ክውን ከምዝነበረ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም እዮም፤ እቶም ዝጨወዩ ግን ኣባላት ፋኖ ምንባሮም ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም ኣለው።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዓለምለኻዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ አምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወላድቲ ትግራይ ንዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዕጡቓት ፋኖ ከምዝፈጸምዎ፡ ኣብ ጸብጻቦም ኣስፊሮም።

ነቲ ጉጅለን ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራን ብገበን ክሐተት ዝጠልቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዘይሕጋዊ ኣወዳድባ ንከፍርሶን ካብቲ ከባቢ ከውጸኦን ሓቲቱ ኣሎ።

ነቲ ኲናት ስዒቡ፡ ንምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራን እዞም ዘይስሩዓት ጉጅለታት ፋኖን፡ ብዝፈጸምዎ ግፍዒ፡ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ህዝቢ ክመዛበልን ኣሸሓት ህይወቶም ክስእኑን ምኽንያት ከምዝኾኑ ይኽሰሱ።

ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

እቲ ሪፖርት ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ኣምኒስት ኢንተርናሺናል ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ኣቶ ፍስሃ ተኽለ፡

"ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ምሊሻ ብዝፈጸሙዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለው ተወላዶ ትግራይ ሓደገኛ እዩ። ስለዚ እቶም ሓይልታት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ኣለዎም። ኣብ ካልእ ኣከባቢ ዝፈጸምዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለእንፈልጥ ዕጥቆም ፈቲሖም ይበተኑ ዝበልና ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን" ክብል ንቢቢሲ ቃል ሂቡ።

ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ካልእ ክልላት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ስሞም ከምዝርቋሕ ዝተሓተቱ ሓላፊ ውዳበታት እቲ ጉጅለ ኣቶ ዘመነ፡ " ንሕና ንፈልጦ ነገር የብልናን፡ ከምኡ ይግበር እዩ ኢልና ከኣ ኣይንኣምንን" ክብሉ ምላሽ ሂቦም።

ህዝቢ ኣምሓራ ንነብሱ ብፋኖነት ወዲቡን ኣዕጢቑን ኣብ ኩሉ ዝነብረሉ ኣከባቢ ምስቲ ህዝቢ ተኸኣኢሉ ብስኒት ዝነብር እምበር ኣንጻር ታሪኻዊ ክብርታቱ ዝናቖርን ዝርብሽን ኣይኮነን ክብል ይምጕት።

'ሕ እውን ስልጠና ፋኖ ይቕጽል ኣሎ'

ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራ ምስ ወጽኡ እውን እንተኾነ ሕዚ እውን ፋኖ ይዕለሙን ይስልጥኑን ኣለው። ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን ዘሎ ተባሂሎም ዝተሓተቱ መራሕቲ ፋኖ፡ ሕጂ እውን ሓይልታት ትግራይ ካብ ገለ ክፋል ራያን ዋግን ግዝኣት ክልል ኣምሓራ ምሉእ ብምሉእ ኣይወጹን ክብሉ እዮም ዝምልሱ።

ኣቶ ዘመነ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወልቃይትን ሑመራን ድፍዓት ይኹዕቱን ይዳለውን ስለዘለው ናይ ወራር ስግኣት ምህላው ይጠቅስ።

ኣቐዲምካ ምድላው ንስግኣት የወግድ እዩ ዝብል ኣቶ ዘመነ 'ንፋኖ ምምልማልን ምዕጣቕን ሕዚ እውን ክቕጽል እዩ" ክብል የረድእ።

ኣብ ርእሲኡ ከም ህዝበ ኣምሓራ ንነብስና ተኸቢርና ምስ ካልኦት ሕብረተሰብ ተኸባቢርና እንኸደሉ ግዜ ክሳብ ዝመጽእ ንገዛእ ነብሳኻ ምቕራብን ምዕጣቕን ኣገዳሲ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን" ይብል።

እቶም መራሕቲ ፋኖ ዝሓስቡዎ ሰላም ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ምስ ተረጋገጸ፡ 'እንታይ ኢኹም ክትኮኑ?' ዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ ክልቲኦም፡ " ነናብ ሞያና ንምለስ" ክብሉ መሊሶም።

አቶ አበበ ከኣ ፍሉይ ሓይሊ ይኹን ሓይልታት ምክልኻል፡ ፋኖ ንኸየሰልጡኑ ከምዘይከልከሉዎም እቲ ስልጠና ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ።

አቶ አበበ፡ ካብ ወለጋን መተከልን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለየ ናይ ደቡብ ክልል ኣከባቢ ናብኦም ብምምጻእ ስልጠና ዝወሰዱ ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዘለዉ ይዛረብ። አቶ ዘመነ ግን ካብ ክልል ኣምሓራ ወጻኢ መጺኦም ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ከምዘየለው ይገልጽ።

ክልቲኦም እቶም ሓለፍቲ ፋኖ ኣብ ቀረባ እዋን ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላልን ምምሕዳርን ክጥርነፉ "ብሓደ እዚ" ክመሓደሩን ይሰርሑ ከምዘለው ሓቢሮም።

ጉጅለ ፋኖ ብመን እዩ ዝሕገዝ?

ሓለፍቲ ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራ፡ ምክልኻል ፈደራል ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ኣጽዋር ደገፍ ከምዝገበረሎም ይዛረብ።

ኣቶ ኣበበ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣተው ምክልኻል ፈደራል 30 ከላሺን፡ ኣርባዕተ ላውንቸር፣ ብሬንን ስናይፐር ከምዝሃቡዎ ይዛረብ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከኣ ሓደ ዶሽካ ከምዝሸለሞምን ናይ ስንቂ ደገፍ ከምዝገብረሎምን የረድእ።

አቶ አበበ ሳሕቲ ካብ ፍሉይ ሓይሊ ትእዛዝ ዝቕበሉ እኳ እንተኾኑ ነቲ ግንባር ዝመርሕ ሰራዊት ምክልኻል ብምዃኑ ኩሉ ትእዛዝ ካብ ምክልኻል ፈደራል ከምዝቕበሉ ይዛረብ።

ኣቶ ዘመነ ብወገኑ ካብ ህዝብና ኢና ንድገፍ ብማለት ካብ ክልል ኣምሓራ ይኹን ምክልኻል ናይ ዕጥቂ ኮነ ስንቂ ደገፍ ረኺቦም ከምዘይፈልጡ የብርህ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ፋኖ ዕጥቁ ኣይፈትሕን እዩ ንዝበሎ፡ "እቲ ዘረባ ንፋኖ ከነዕጥቖ ኢና" ማለት ከምዘይኮነ ብምሕባር ካብቲ ክልል ኮነ ካብ ምክልኻል ዝግበረሎም ምንም ዓይነት ደገፍ ከምዘየሎ ይዛረብ።

አቶ ዘመነ እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ከምዝተዓጠቑ ምስተሓተቱ " እኹል ምስትውዓል ስለዘና 'ኣብ ገዛና ደው ኢልካ ሓልወና' ዝዓይነቱ ምሓዝ ንባዕሉ ቁም ነገር'ዩ" ብምባል ዝርዝር መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

ናይ ምብራቕ ኣምሓራ ፋኖ ኣወዳድባ ብዝምልከት ኣቶ ኣበበ ሓይልታቶም ብስም ጄነራል አሳምነው ጽጌ ኣብ ዝተሰየመ ሓደ ብርጌድ ከምዝወደቡዎ ይገልጹ። እዚ ዝተጠቕሰ ብርጌድ ኣብ ድፋዕ ዘሎ ምዃኑ ኣብ ድሕሪት ዝተወደበ ሓይሊ ፋኖ ግን ብኣሽሓት ዝቑጸርን ሓያሎ ብርጌዳት ከምዝኾኑን የረድእ።

አቶ ዘመነ ክንደይ ዝኾኑ ፋኖ ከምዝሰልጠኑ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ "ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጽባሕ ከኣ ሚልዮናት ክንከውን ኢና" ብምባል መሊሱ። ንኣወዳድበኦም ብዝምልከት ከኣ ፍልይ ዝበለ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣወዳድባ ኣለዎም ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይደለየን።

ኣቶ ኣበበ እውን "መላእ ወሎን ሸዋን ሰልጢኑ ኣሎ ክብል እኽእል" ብምባል ኣብ ወሎ ጥራሕ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከምዝሰልጠኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መንግስቲ'ኸ ብዛዕባ ፋኖ እንታይ ይብል?

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ንላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት መግለጽን ናይ ስራሕ መምርሕን ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዘይስሩዕ ዕጡቓት ሓይልታት ዕጥቆም ከውርዱ ከምዝግባእ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፊት ንፊት ዝቖሙ ሓይልታት (Parallel Forces) ኣብ ዝብል፡ ን"ሸኔ" ጥራይ ሽሙ ክረቑሖ እንከሎ፡ እዞም ዕጡቓት ሓይልታት ነቲ ትካል ብዝጻረር መገዲ ክቖሙ ከምዘይበሎም ኣብሪሁ።

ኣብ ዝቐረባ ግዜ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ፖለቲካ ምስ ርእይቶ ቀዳማይ ምኒስተር ዝሰማማዕ ሓሳብ ኣልዒሎም።

እቶም ምሁራት፡ እዚ ሕጂ ኣብ ፈቐድኡ ዝረአ ዘሎ ብዝሒ ናይ ዕጡቓት ሓይልታት ብምንቃፍ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ናይ ኣጽዋር ልዕልና ክህልዎ [monopoly of legitimate violence] ዝግበኦ መንግስቲ ጥራሕ'ዩ ይብሉ።

ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፡ ምስ ህዝቢ ባህርዳር ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ በቲ ክልል ብዛዕባ ዝንቀሳቐስ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ሂቡ ነይሩ።

ኣብቲ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ደሴ ምስቀረቡ መንእሰያት ክልል ኣምሓራ ክዓጥቁን ክኸቱን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ብምዝካር ሽዑ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ጻውዒት ተቐቢሎም ኣብቲ ውግን ከምዝሞቱን ከምዝቐሰሉን ተዛሪቡ።

ብምቕጻል "ንኣበርክተኦምን ተወፋይነቶምን ዓቢ ክብሪ ኣሎና። ኣፍልጦን ሽልማትን እውን ነዳሉ ኣለና" ኢሉ።

"በዚ መሰረት ከኣ እቶም ንሃገሮም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ፋኖ ብርቅን ድንቅን እዮም " ብማለት ዕጥቆም ክፈትሑ ኮነ ክከላበቱ ከምዘይግባእ ብወግዒ ተዛሪቡ።

ዶ/ር ይልቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ'ቲ ክልል ድሕሪ ምውጽኦም ብዙሓት መንእሰያት ካብ ከተማታት ጎንደር፣ ባህርዳር፣ ደሴን ፋኖ ኢና ኢሎም ከምዝተላዕሉ ጠቒሱ።

ብምቕጻል "ፋኖ ኢና ኢልካ ምቛም ጽቡቕ እዩ፤ ይቑሙ። ጽባሕ ሽግር እንተጋጢሙና ክዋጋእን ክምክትን ይኽእሉ እዮም" ድሕሪ ምባሉ፡ "ግን ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣከባቢ ብስም ፋኖ በደል ዘብጽሑ ዘለው ኣካላት ክኹነኑ ይግባእ" ብምባል ኮኒንዎም።

እቲ ርእሰ ምምሕዳር ኣስዒቡ፡ "ልዕልና ሕጊ፣ ናይቲ ክልል ህዝቢ ሰላምን ድሕነትን ከረጋግጽ" ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ " ኣብ ዝኾነ መንግስቲ ዘለዎ ሃገር ካብ መንግስቲ ወጻኢ ወተሃደራዊ ሞያ የለን፡ ክነብር ከኣ ኣይክእልን" ኢሉ።

ከምኡ እንተቐጺሉ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ከአንፍት እንከሎ፡ ንሶማልያ፡ የመንና ሊብያን ብምጥቃስ፡ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ 'ዕጡቓት' ክትወድቕ ትኽእል እያ ክብል ኣጠንቂቑ።