ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ፡ ብዝተልዓለ ጎንጺ ብውሕዱ 10 ሰባት ሞይቶም ተባሂሉ

ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝካሰስሉ ዘለዉ ሓድሽ ጎንጺ

ምንጪ ስእሊ, MIIDIYAA HAWAASAA/FACEBOOK

ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ፡ ወረዳ ጄሌ ድሙጋን ካልኦት መዋስንቲ ከባብታትን ኣብ ዝሓለፉ 3 መዓልታት ብዝተኸሰተ ጎንፂ፡ ኣብ ወረዳ ጅሌ ጥራሕ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ወረዳ ኣይተ ዑመር ኣሊዮ፡ መንቀሊ ናይቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝተኸሰተ ጎንፂ ድማ ፋኖ ዝበሃሉ ዕጡቓት ከም ዝፈጸምዎ ከሲሱ።

"ፋኖ ዝበሃሉ ዕጡቓት ንኣካላት ፀጥታ እቲ ክልል ተገዛእቲ ኣይኮኑን። በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም'ዮም። እቲ ጎንጺ ምስተኸሰተ ሙጤ ፈጫላ ካብ ዝበሃል ቁሸት ሓዊሱ ካብ ሰለስተ ቑሸታት ሰባት ተፈናቒሎም። እቶም ዝተፈናቐሉ ሓረስቶት ስድራ ልዕሊ 3 ሽሕ ዝኾኑ'ዮም" ይብል።

ኣካላት ፀጥታ ነቲ ጎንፂ ንምርግጋእ ናብቲ ከባቢ ኣትዮም ከምዝነበሩ ዝገልፅ ኣይተ ዑመር ኣሊዮ፡ እንተኾነ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ከምዝተኸፈተ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ፌደራል ፖሊስን ናብቲ ጎንፂ ዝተኸሰተሉ ቦታታት ክኣትዉ ተገይሩ ነይሩ። ግን ድማ ኣብ ልዕሊኦም ተኹሲ ከፊቶም። ካብ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ሰለስተ ኣባላት ይኾኑ ተቐቲሎም። ንመሓውር ፀጥታን ንኣካላት ምምሕዳር እቲ ከባቢን ተኣዘዝቲ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት እዩ እቲ ዘይምርግጋእ ተፈጢሩ ዘሎ" ይብል።

ናብቲ ጎንፂ ዝተኸሰተሉን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉን ከባቢ ኣካላት ፀጥታ ክዋፈሩ ከምዝተገበረን ከምዝተረጋገዐን ዝገለፀ እቲ ሓላፊ፡ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

"ትማሊ ልዕሊ 300 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክኣትዉ ገይርና'ለና። ሕዚ እቲ ኩነታት ፀጥታ ተረጋጊኡ፤ መኻይን ክንቀሳቐሳን ሰባት ነናብ ገዝኦም ክምለሱን ጀሚሮም ኣለዉ። ንኽልተ መዓልታት ዝኸውን ናብ ደሴ ዝወስድ መገዲ ተዓፅዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ዝሞቱ ሰባት ካባና ወገን 10 ይኾኑ እዮም። ልዕሊ 40 ድማ ቆሲሎም። ብኣኣቶም ወገን ንዝበፅሕ ብዝምልክት ግን ክዛረብ ኣይክእልን" ይብል።

ብምስዓብ "ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሱ እዮም መጥቃዕቲ ዝኸፍቱ። ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ 'ኦነግ ሸኔ ኢኻ" እናተብሃለ ንነብሱ ከይከላኸል ዝግበር ፈተነታት ኣሎ። በዚ መንገዲ ንሰባት ናይ ምፍርራሕ ተግባር ይረኣይ እዩ" ብምባል እቲ ኩነታት ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ንዝለዓል ክሲ ብዝምልከት ንኣመሓዳሪ ወረዳ ኤፍራታና ግድም ኣይተ ችሮታው ባሰብኝ ረኺብናዮ ነይርና። ነቲ መጥቃዕቲ ፋኖ ፈፂሞምዎ ዝበሃል ክሲ ጠቐነ እዩ ክብል ነፂግዎ።

"ክሳብ ሕዚ ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም፤ ሸሞንተ ድማ ቖሲሎም። 125 ኣባይቲ ክኣ ተቓፂሎም። ብናትና ወገን ዘለው ሚሊሻታት ኣብቲ ከባቢ ኣለው'፤ እቶም ሚሊሻታት ኣብ ማሕረስ እንከለው'ዩ ሃንደበት ኣብ ልዕሊኦም ተኹሲ ተኸፊቱ። እዞም ሰባት ክውረሩ እንከለው ነብሶም ንምክልኻል ስጉምቲ ወሲዶም እምበር ዝተዓጠቐ ናይ ፋኖ ሓይሊ ዝብል ክሲ ጠቀነ'ዩ።

"ፋኖ ናብ እብሪት (ቦታ) ከይዱ ዝፈፀሞ ስሕተት የለን፤ ሕዚ እቲ ጎንፂ ህድእ ኢሉ ኣሎ እምበር ነባሪ እቲ ከባቢ ኣባይቱ ተቓፂሎም፥ ንብረቱ ተዘሚቱን ሰለማውያን ሰባት ሞይቶምን'ዮም። ሓረስቶትና እዮም ወራር ተፈፂሙዎም" ኢሉ።

ቢቢሲ ነዚ ዘጋጠመ ጎንፂ ብሳልሳይ ኣካል ኣየረጋገፆን።