መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሓይልታቱ 'መጥቃዕቲ ህወሓት' ንምምካት ድልዋት ክኾኑ ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, Bahirdar City Communications
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታቱ ብህወሓት ክፍኖ ይኽእል እዩ ንዝበሎ መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ዓርቢ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ሰላምን ጸጥታን ብምግምጋም፡ ህወሓት "ዕለታዊ ናይ ኵናት ነጋሪት እናቃለሐ ንህዝቢ ንውግእ ብምልዕዓል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዳግማይ ኵናት ኣዊጁ ኣሎ" ኢሉ።
ብተወሳኺ ህዝቢ እቲ ክልል፡ ዳግማይ ግዳይ ወራርን መጥቃዕትን ህወሓት ንኸይከውን ሓይልታት ጸጥታኡ ብዝለዓለ ክዳሎን "እቲ ደጀኑ ዝኾነ ህዝቢ ኣምሓራ ከኣ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ድሉው ክኸውንን" ከምዘለዎ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ስለዝኾነ ምስ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፈደራል ብምውህሃድ፡ ንዝፍነወሉ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ክቐውምን "ንስርዓተ ኣልቦኛታት ብምቁጽጻር" ናይቲ ክልል ሰላምን ድሕነትን ንምሕላው ኩለንትናዊ ኣድህቦ ከምዘድሊ ሓቢሩ።
ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ እቲ ንኲናት ይዳሎ ኣሎ ዝብል ክስታት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።
ብኻልእ ወገን ምዕራብ ትግራይ ናይ ክልል ኣምሓራ እዩ ብምባል፡ ንርእሱ "ናይ ወልቃይት ጸገዴ ናይ ኣምሓራ መንነት ኣምላሲ" ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለ እውን፡ "ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ኵናት ኣዊጃ ኣላ" ብምባል ነቲ ስግኣት ንምምካት ንዝግበር ፃዕሪ ደገፉ ገሊጹ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣመነስቲ ኢንተርናሽልን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕቲ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ከምዝፈፀሙ ብምኽሳስ ከም ፋኖ ዝበሉ ጉጅለታት ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወፅኡን ንድሕነት ሰላማውያን ሰባት ዝከላኸል ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክዋፈርን ሓቲቶም እዮም።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ከቑጽር እንከሎ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሓት ጥቅምትን ሕዳርን ዝተኻየደ ተኸታታሊ ከቢድን ኲናት እቲ ውግእ ሃዲኡ ጸኒሑ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዘይካ እቲ ክልቲኦም ወገናት ሓሓሊፎም ዝገብሩዎ ናእሽቱ ውግኣት ንሓድሕዶም እናተኻሰሱ ሰራዊት ከሰልጥኑን ከዳልውን ከምዝጸንሑ እዩ ዝንገር። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ሰሙን እዚ ዳግማይ ኵናት ክኽሰት ከምዝኽእል ዝእምት ሓበሬታ ክስማዕ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ምስ ነበርቲ ናይቲ ክልል ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክዘራረቡ ከምዝጸንሑ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓሊሐን።
ኣብቲ ዝርርብ፡ እቲ ናይ ተዅሲ ምቁራጽ ስምምዕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ተባሂሉ እኳ እንተተገበረ፡ እኹል ረድኤት ይኣቱ ዘይምህላውን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ገና ተቛሪጾም ምህላዎምን ዝዝቲ ዛዕባታት ተላዒሉ።
መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝተረኽበሉ ኣኼባ እውን " ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና ። . . . ቅድሚ ውግእን ድሕሪ ውግእን ዕድል ሂብና ኢና። ኩሉ ፖለቲካዊ ሽግር ብሰላምን ዲፕሎማስን ጥራሕ ኣይውዳእን እዩ" ኢሉ።
"ህዝብና ይጠምን ይመውትን እዩ ዘሎ። ግዜ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ንኹሉ ነገር ተጸሚምና ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መልእኽቲ ልኢኽና ኣሎና። ስለዚ ንሕና ወዲእና ኢና" ኢሉ።
ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብኸቢድ ብረት ዝተደገፈ ውግእ ከምዘካየዱ ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ሓደ ሓደ ምንጭታት ዳግማይ ኵናት ንኸይውላዕ ስክፍተኦም ይገልጹ ኣለው።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ግጭት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕሪ እኳ እንተካየደ ክሳብ ሕጂ ግን ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







