ጋዜጠኛ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ ጉዮ ዋሪዮ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ጋዜጠኛ ኦኤምኤን ጉዮ ዋሪዮ

ምንጪ ስእሊ, Guyyo Wario

ጋዜጠኛ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ (ኦኤምኤን) ጉዮ ዋሪዮ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ምእታዊ ኣባላት ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ንሱ፡ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኦኤምኤን ኣብ ዝፈነዎ ቃለመሕትት፡ ነቲ ስነጥበባዊ ቃለመሕትት ከምዝገበረሉ ዝዝከር እዩ።

ኣባላት ስድራቤቱ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ኦሮምያ ፍሉይ ሓይሊ ክዳውንቲ ዝተኸድኑ ሰባት ንጉዮ ካብ መንበሪ ገዝኡ ወሲደምዎ ኣለው።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ኦኤምኤን፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ብዝሰዓበ እግርግር ካብ 24 ሰነ ኣ.ኢ ጀሚሩ ተዓጽዩ ኣሎ።

ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ እንተኾይኑ፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ ንጉዮ ናበይ ይወስድዎ ከም ዘለው ክዛረቡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

"እቶም ኣባላት ጸጥታ ስለዘፈራርሑና ክንስዕቦም ኣይከኣልናን" ኢሉ እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣባል ስድራቤት ጉዮ።

ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓቦ መግለጺ፡ እቲ ስነጥበባዊ ምስ ኦኤምኤን ዝገበሮ ቃለመሕትት ናይ 1 ሰዓትን 11 ደቓይቕን እዃ እንተነበረ፡ "ኮነ ኢሎም ገለ ክፋላት ቆሪጾም ኣልየሞ ኣለው" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኦኤምኤን ዝተመሓላለፈ ናይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቃለ መሕትት ናይ 47 ደቓይቕ ጥራይ እዩ ነይሩ።

ካብቲ ቃለ መሕትት እቲ ተቖሪጹ ዝወጸ እቲ ስነጥበባዊ ካብ ኦነግ ሸኔ ብዛዕባ ዝበጽሖ ዝነበረ መፈራርሒ ዝዛረበሉ ክፋል ከም ዝኾነ እቲ ኣኽባር ሕጊ ይገልጽ።

ኣብ ኣኽባር ሕጊ ናይ ዝተወደቡን ዶብ ሰገር ዝኾኑ ገበናት ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ኣቶ ፍቃዱ ጸጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጋዜጠኛ "ኮነ ኢሉ ነቲ ስነጥበበኛ ምስ ካልኦት ማሕበረሰባት ዘጋጭዎ ዘረባ ክዛረብ ይደፋፍኦ ነይሩ" ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኣቐዲሙ'ውን ካልእ ናይ ኦኤምኤን ጋዜጠኛ፡ መለሰ ዲሪብሳ ኣብ ቀይዲ ምእታው ቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ።

ዳይሬክተር ኦኤምኤን ኣቶ ግርማ ጉቱማ፡ እቲ ሚድያ ድሕሪ ምዕጻው፡ "ጋዜጠኛታት ብዝሓደሮም ስግኣት፡ ቴለፎናቶም ኣጥፊኦም ተሓቢኦም ከም ዘለው" ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣቶ ግርማ ወሲኹ፡ ኦኤምኤን ምዕጻው "ኣቐዲሙ ዝጸንሐን ናይ ፖለቲካ ተልእኾ ዘለዎን እዩ" ኢሉ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ቅድሚ ሕጂ ኦኤምኤን ንሃጫሉ ሁንዴሳ "ኣሕሊፉ ሂብዎ" ክብል ተሪር ዘረባ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።

ጉዮ ዋርዮ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ኣነ ናቱ ሓቅነት እየ ከርእይ ፈቲነ እምበር ኣሕሊፈ ኣይሃብክዎን" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።