ኢማኑኤል ማክሮን፡ ካብ መጻእተኛ ፖለቲከኛ ክሳብ መራሒ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢማኑኤል ማክሮን፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ፈረንሳ፡ ንቐንዲ መወዳድርቱ ማሪን ለፐን ስዒሩ ንኻልኣይ ግዜኡ ስዒሩ፤ ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ ነታ ሃገር ክመርሕ እዩ።
ማክሮን፡ ኣብቲ መረጻ እንተተዓወተ'ኳ፡ ሕጂ'ውን ነቶም ሕሉፋት የማናውያን ክምስጥ ከም ዘይከኣለን፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ድምጾም ከም ዘይረኸበን ይንገር።
እዚ ዓንቀጽ'ዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ'ዚ፡ ኣብ ፖለቲካ ዘይነበረ፡ ማእከላይ መርገጺ ከም ዘለዎ ግን ከኣ 'ብዙሕ ዘይሰምዕ' ዝበሃለሉ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ንፖለቲካዊ ጕዕዞ ሂወቱ ዝድስስ እዩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ ምስ ሓንቲ ሓኪም ስኒ ክቋዮቕ ተራእዩ።
ግደ ሓቂ፡ ንሳ እምበር ንሱ ህድእ ኢሉ እዩ ዘዛርባ ነይሩ።
እቲ ኣብታ ጥንታዊት ናይ ዕደና ከተማ ዝዀነት 'ደናይን' ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዝተፈጥረ ምልውዋጥ ዘረባ፡ እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ስልጣን ንኽመጽእ ካብ ዘኽኣሎ ፍሉይ ባህሪኡ እዩ ነይሩ።
እዚ ተመሳሳሊ ባህሪ'ዚ ግን፡ ሎሚ ንብዙሓት ኣድመጽቲ ኣንጻሩ ከድምጹ ገይርዎም ኣሎ።
ኢሎዲ፡ እታ ሓኪም ስኒ ሓሪቓ'ያ ነይራ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ክታበት ኮቪድ ንዘይወሰዱ ሰባት ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ቃላት'ዩ ኣሕሪቝዋ።
ንሱ ግን፡ ኣዘራርባኡ ብጌጋ ከም ዝተረድኣቶ እዩ ገሊጹላ፣ ኢሎዲ ብዛዕባ ግብሪን ናህሪ ዋጋታት'ውን ተንጸርጽር ነይራ።
ኣብዚ'ውን ንሱ፡ ግብሪ ክጐድል ከም ዝገበረ ክገልጸላ እንከሎ ኣይተቐበለቶን።
"ንስኻስ ግብሪ ኣጕዲልካ?" መለሰት ብጥርጣረ፡ "እምበር ዶ ብኣካል ናብ መዐደል ነዳዲ ኬድካ ትፈልጥ? ወርሓዊ ኣታዊኻ እስከ ክንደይ እዩ?" በለቶ።
"[ኣነ'ኮ] ንዓለማዊ ዕዳጋ ኣይቈጻጸሮን እየ፡" መለሰ ማክሮን።
"ብዝዀነ ክንረዳዳእ ኣይንኽእልን ኢና፡" ደምደመት።
"እዚ ግን ኣገዳሲ እዩ" ኸኣ በለ ማክሮን።
እቲ መራሒ ፈረንሳ፡ ኵሉ ግዜ ፈታሕ ኵሉ ሽግራት ፈረንሳ ምዃኑ እዩ ዝኣምን። ኣተሓሳስባኡን ኣጠማምታኡን ብኽፉት ንኻልኦት ክገልጾ እንተኽኢሉ ግን፡ ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ልዑል ርእሰ-እምነት፡ ነዋሕቲ መደረታት ከስምዕ፡ ተሪር ስጕምቲ ኣንጻር ተቓውሞ ክወስድ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፣ ብዙሓት ሰባት፡ "ማክሮን ዘረባ ካልኦት ክሰምዕ ዘይደሊ" መራሒ ገይሮም ንኽርእይዎ'ውን ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ማክሮን፡ ቅድሚ ምምራጹ'ውን እንተዀነ፡ ንፈረንሳ ዘለዎ ፕሮጀክትን ውፍይነትን ይገልጽ ነይሩ። ከመይ ኣቢሉ ኸ እቲ ሽዑ 39 ዓመቱ ዝነበረ ሕጹይ ተወዳዳሪ፡ ንጐስጓስ ፕረዚደንት ክዕወተሉ ክኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣለን ሚንክ፡ ጸላዊ ኣማኻሪ ፖለቲካን መምህሩን ዝነበረ፡ ካብ 2000 ኣቢሉ ብዛዕባ ዝነበረ ታሪኽ ማክሮን ይነግር።
"ፈለማ ምስኡ ሌላ ዝጀመርናሉ፡ ሓደ መንእሰይ ተቘጻጻሪ ሕሳብ ኰይኑ ንመጀመርታ ግዜ ክበጽሓኒ መጺኡ፡ ሽዑ 'ድሕሪ ዕስራ ዓመት እንታይ ክትከውን ትደሊ?' ኢለ ሓቲተዮ፣ ንሱ ድማ ከይተወላለ 'ፕረዚደንት እየ ክኸውን ዝደሊ' ምስ በለኒ ሰንቢደ" ይብል።
ድሕሪ 15 ዓመታት፡ ከም ሚኒስተር ቁጠባ ኰይኑ እናገልገለ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ [አን ማርቸ] ጀሚሩ።
እቲ ብዘይዝዀነ ጸግዒ ሓደ ምስሩትን ፍሉጥን ኣቃውማ ዘለዎ ሰልፊ ዝመስረቶ ምንቅስቓስ፡ ብብዙሓት ከም ሓደ ኣዝዩ ንእሽቶን ዘይምኵርን ክንቀፍ ጀመረ።
ኣብ ማሕበረነታዊ መንግስቲ ፈረንሳ፡ ሓደ መሳርሕቱ ዝነበረ ሚኒስተር፡ ነቲ ሓድሽን ንኣባላቱ ድማ 'ዘ ማርቸርስ' ዝብል ቅጽል ስም ዝሃበ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ 'ኣይ ዎክ ኣሎን' [በይነይ እኸይድ] ብዝብል ደርፊ ኣሰንዩ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሓጪጭሉ።
እቲ ዝዀነ ግን ብኣንጻሩ እዩ።
ማክሮን፡ ኣብ ፈላሚ ጐስጓሱ'ውን ደሓን ዝዀነ ዕድላት'ውን ኣጋጢምዎ እዩ።
እቶም ቀንዲ መቐናቕንቱ - ካብቲ ቀንዲ ሰልፊ ማሕበርነትን ሪፑብሊክን - ንሱ ክመልኦ ዝተተስፈወ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ባይታ ለቒቘምሉ እዮም።
ቀንዲ መራሒ ሰልፊ ሪፑብሊክ ዝነበረ ፍራንስዋ ፊሎን፡ ኣብ እዋን ምርጫ ኣብ ገንዘባዊ ምጥፍፋእ ተጸሚዱ ተኣልየ።
ራእይ ማክሮን ንጹር እዩ ነይሩ፣ ኣብ ርእሲኡ'ውን ሓድሽ፡ ሓይልን ስምዒትን ዝተሓወሶ ኸኣ።
ብምሉእ ዓቕሙን ኣድህቦኡን ኣብቲ ጐስጓስ እዩ ተጸሚዱ።
ሓዋርያ ክሳዕ ዝመስል፡ ጐረረኡ ብስምዒት [ብመደረ] ላሕቲቱ፣ ኣብ ኣዳራሻት፡ ብስምዒትን፡ ኣእዳው እናዘርግሐን፡ ንደገፍቱ ከም ዘፍቅሮምን ከም ዝደልዮምን ነጊርዎ፣ በቃ - ቀልጢፉ ሓደ ኮኾብ ፖለቲከኛ ኰነ።
እቲ ንብዙሓት ዝመሰጠ ድማ ኣብ ፖለቲካ ፈረንሳ ሓድሽ፡ ኣሳታፍን ዲሞክራስን ዝመባጻዕ ንፋስ ክነፍስ ምጅማሩ ነበረ።
ፖለቲካዊ ፕሮግራም ቅድሚ ምንዳፉ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ማክሮን፡ 'አን ማርቸ' ካብ መላእ 'ታ ሃገር ምስ 25 ሽሕ ኣድመጽቲ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ።
ኣባላቱ ገዛ ገዛ እናኸዱ፡ ንተሓተትቲ ክልተ ሕቶታት ጥራይ ኣቕረቡ፤ 'ኣብ ፈረንሳ እንታይ እዩ ዘድሊ/ወይ ዘገልግል? እንታይ ከ እዩ ዘየድሊ?'
ማርክ ኣንደዋልድ ከም ዝበሎ፡ ሓድሽ ገጽን፡ ንጋድም ዝዝርጋሕ ደሞክራስን እናፈጠረ፡ ማክሮን እቲ ሓይሊ ኣብ ኢዱ ጨቢጥዎ።
"ክትግንዘቦ ዘለካ፣ ፖለቲካዊ ምንቅቓስ አን ማርቸ' ትዅላዊ እዩ።" ኢሉኒ ነይሩ ኣብቲ እዋን። "ብርግጽ ኣካያዲ ጐስጓስ ኣይነበረን። ማክሮን፡ እቲ ስራሕ ከፋፊልዎ እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ ስልጣን ከኣ እኹል ዝዀነ ናይ ገዛእ ርእሱ ግንዛበ ኣለዎ"።
ንሱ ኣብቲ ንፈለማ ዝወዳደረሉ ዝነበረ እዋን [ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት]፡ እዚ ሎሚ ስኢንዎ ዘሎ ኣገዳሲ ክልተ ዕድላት ነይርዎ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብቲ ላሕ ዝበለ ኣረጊት ፖለቲካ ፈረንሳ፡ ብዙሕ ዘይፍለጥ ንእሽቶን ሓድሽ ገጽን እዩ ነይሩ። ራእይኡን መብጽዓታቱን ድማ፡ ኣብቲ ዓጺቕ ፖለቲካዊ ክውንነት ፈረንሳ ኣይተፈተንን።
ልክዕ ንምዃን፡ ንሱ፡ ኵሉ ነገር ንዅሉ ሰብ ንዝብል ዘይንጹር መብጽዓታት፡ ካብ ፈለማኡ ብዙሕ ወቐሳታት መጺእዎ ነይሩ።
ማክሮን ከም ተልእኾ ዝሓዞ፡ ነቲ ዝኣረገ ሰልፍታት መንግስቲ መቓቒልካ፡ ሓደ ንዅሉ ዝሓቝፍን ኣሳታፍን ማእከላይ ሰልፊ ካብቲ ጭርምራማት ምምስራት ዝብል እዩ ነይሩ፤ እዚ ማለት ነቲ ኣብ ፖለቲካ 'ታ ሃገር ዝጸንሐ 'ያታዊ' ፈላዪ መስመር ከም ዝላገብ ምግባር፣ ካብ ኵሉ ሸነኻትን ኣተሓሳስባታትን ኣድመጽቲ ምኽሳብ እዩ ነይሩ።
ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊበራላዊ ዝዀነ ኣጠማምታ እዩ ነይርዎ።
መሰል ሶዶማውያን፡ ጾታዊ ማዕርነት፡ ኣብ ዝኣመሰሉ ንኣብነት፡ [ደገፍ ጸጋማውያን ዝረኸበሉ]፣ ኣብ ቁጠባ'ውን ሊበራል እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቁጠባዊ ዕበየት ንምጕንጻፍ ቀይድታት ንግዲ ምዝላቕ፡ ዝብል ደገፍ የማናውያን ዝረኸበሉ ኣካይዳ ሒዙ እዩ ነቒሉ። 'ድርብ-ሊበራል' ዓይነት ኣብ ፖለቲካ ፈረንሳ ሓድሽ እዩ ነይሩ።
ከምቲ ዝወጠኖ ኸኣ፡ ኣብ ምርጫ 2017 ዝያዳ ብደገፍ'ቶ 'ማእከላውያን' ኣድመጽቲ ተዓዊቱ።
እንተዀነ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ስልጣን፡ ደገፍቲ ናብ የማን ገጾም ኣዝቢሎም ኣለው። ዓሚቝ ዘይዕጉብነት ከኣ ካብቶም ናይ ጸጋም ገጢምዎ'ሎ።
ንሱ፡ ስራሕ ፈጢሩ፣ ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮሮና'ውን ዋኒናትን ሰራሕተኛታትን ንምድጋፍ ቢልዮናት ወጻኢታት ገይሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ፡ ጋዝን ነዳድን ደጕሙ።
እንተዀነ ቀንዲ እምነቱ ቁጠባዊ ዳግመ ስርርዕ ምግባር እዩ።
ኣብ ክንዲ ነቲ ዝጸንሐ ኣርጊት ፖለቲካ ደርባዊ ምክፍፋል ምዕማቝ፡ ንግዲ ናጻ ምግባር፣ ዝያዳ ካብ ሰራሕተኛታት ዝሕተት ነገራት ምምላእ፣ ድኽነት ምጥፋእ፣ ብሓፈሻ ጸጋማውያን ኣድመጽቲ ዝደልይዎ ማሕበራዊ ፖሊሲታት ምድጋፍ እዩ።
ኰይኑ ግን 'ፕረዚደንት ሃብታማት' ዝብል ቅጽል ክወሃቦ ይስማዕ እዩ።
ብዙሕ ኣታዊ ካብ ዘለዎም ሃብታማት ዝቕረጽ ዝነበረ ቀረጽ ክቕንስ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ገና ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ኣድመጽቲ እዩ ዝመላለስ ዘሎ።
ክንዮ'ቲ ፊስካላዊ [ገንዘባዊ] ፖሊሲኡ፡ ቀዳምነታቱ ኣበይ ምዃኑ ዘርእን፡ ንድምጽታቶም ድማ ክብሪ ዘይህብን ገይሮም ከኣ ይርእይዎ።
ማክሮን እምበኣር ሕጂ፡ ነዞም ዘይሕጉሳት ኣድመጽቲ ዘናድዮም ዘሎ።
እቲ 'ፕረዚደንት ሃብታማት' ዝብል ቅጽል ግን ምስ ድሕረባይታኡን ኣመጻጽኣኡን ዝኸይድ ኣይመስልን።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ጐስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ግዜ፡ "ብዛዕባ ካብ ደርቢ ሸቃሎ ክረኽቦ ዝኽእል ድምጺ?" ዝምልከት ተሓቲቱ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ንሱ ንባዕሉ ከም ኣካል ናይቲ 'ረባሒ ልሂቅ' ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ብቝጥዐ እዩ መሊሱሉ።
"ኣነ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ሓደ ኣውራጃ እየ ተወሊደ። ስድራይ ከኣ ምስ ዓለም ናይ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ባንከኛታትን ካልኦትን ዝዀነ ምትእስሳር ኣይነበሮምን፡" ክብል ቍጥዐኡ ብግሁድ ኣንጸባሪቝ።
"ንሸቃሎን ማእከላይን ደርቢ ዝውክል ሕጹይ እየ ክብል እንከለኹ ብዓቢይ ሓበን እዩ።"
ድሕረ ዛንታኡ ብምዝርርዛ ድማ፡ ሓጐታቱ መማህራን፡ ሰራሕተኛ ምድሪ ባቡር፡ ማሕበራዊ ድሕነት፡ መሃንድሳት ጽርግያ ከም ዝነበሩ ይዝርዝር።
መምህር ዝነበረት ዓባዩ፡ ማነተ፡ ብፍሉይ ንእኡ ኣገዳሲት እያ ነይራ፣ ምስ ስነጽሑፍ፡ ባህልን ዘላለየቶ፡ ክእለት ኣተሓሳስባ'ውን ምሂራቶ።
ኣብቲ ስልጣን ንምሓዝ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ውድድር ክጥቀመሉ ዝኽእል ክእለት'ውን ኣስተምሂራቶ እያ።
ኣደኣ ንዓባዩ'ውን ዘይተማህረት እያ ነይራ።
ዛንታ ስድራቤት ማክሮን እምበኣር፡ ነቲ ማሕበራዊ ፍልልይ ዘራኽብ ዛንታ እዩ ነይሩ፣ እቲ ደሓር ንሱ ኣብ ፖለቲካ'ታ ሃገር ዝተጠቕመሉ - ዛንታ።
ኣብ ዕላማታቱን ሕልምታቱን ትንታነታቱን ዝነበሮ ዘይናወጽ እምነት፡ [ናብ ፕረዚደንትነት ዘምጽኦ] ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ'ውን ዝነበረ እዩ።
በዓልቲ ቤቱ ብሪጊተ፡ ብ24 ዓመታት ትዓብዮ፡ ቅድም ናይ ድራማ መምህሩ ዝነበረት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሒሩ ድማ፡ ካብ ቀዳማይ ሰብኣያ ምስ ዝወለደቶም ሰለስተ ደቃ ተመርዕይዋ።
ካብቲ ናታ ቤት ትምህርቲ ክወጽእ እንከሎ - ወዲ 16 ዓመት ኰይኑ፡ ክምርዓዋ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
"ብብዝሒ ንደዋወል ኔርና፣ ንነዊሕ ሰዓታት ድማ ብተሌፎን ነዕልል።" ክትብል ኣብ ሓደ ደኩመንታሪ ፊልም ገሊጻ ነይራ። "ቀስ ብቐስ ግን፡ ብዝገርም መገድን ትዕግስትን እናሰዓረንን እናማረኸንን መጺኡ፡" ከኣ ትብል።
ክልቲኦም ኣብ 2007 ተመርዕዮም።
ዛንታኦም ብዙሕ ዝውቱር ዘይኰነ ፍቕራዊ ዛንታ እዩ።
ሓንቲ ካብ ጸሓፍቲ ዛንታ ሂወቱ ዝዀነት ኣና ፉልዳ ከም ዝገለጸቶ፡ ርክብ እዞም መጻምዲ፡ ክሳብ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዕላዊ ክኸውን ዘይደለይዎ ፍቕራዊ ዛንታ እዩ ነይሩ።
ፍልዳ ወሲኻ ከም ዝበለቶ፡ ማክሮን፡ "ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ፣ ብዘይቅድመ-ፍርዲ፣ ሰባት ዝሓምይዎን ብኸመይ ይርእይዎን ብዘየገድስ፡ ብ 24 ዓመታት ንኣትዓብዮ ሰበይቲ ክምስጥ እንተኽኢሉ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ንፈረንሳ'ውን ክምስጣ ከም ዝኽእል" ከገለጽ እዩ ደልዩ ነይሩ።
እዚ ግን ሕጂ ደጊሙ ክገብሮ ዶ ይኽእል?
እቶም ክልተ ኣብ ግምት ኣእትይዎም ዝነበረ ሓቅታት ሕጂ የለውን።
ንሱ ኣብዚ እዋን ኣብ ፖለቲካ ፈረንሳ ሓድሽ ገጽ ኣይኰነን፤ እቲ ኣለኒ ዝብሎ ዝነበረ ራእን ፖለቲካዊ ፕሮግራማትን፡ ማይ ዘይጠዓመ ኣይኰነን ድሮ ተፈቲኑ እዩ።
እታ ቀንዲ መወዳድርቱ ዝዀነት መራሒት ጽንፈኛ የማናዊ ሰልፊ ፈረንሳ፡ ማሪን ለ ፐን ከኣ ሎምዘበን'ውን ኣትሪራ ትኸራኸሮ'ላ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ፖለቲካዊ ኣስተምሃሪኡ ዝነበረ፡ ኣለን ሚንክ ከም ዝበሎ፡ ዓወት ፕረዚደንትነት ማክሮን ኣብ ሰለስተ ነገራት ማለት፡ "ዝያዳ ኤውሮጳውነት፡ ውሑድ ሽቕለት ኣልቦነትን፡ ውሑድ የማናዊ ጽንፈኛነትን ዝተመርኰሰ እዩ ነይሩ።"
ከምቲ ኣብዚ ቅንያት ዝነገረኒ ተመሳሳሊ መለክዒታት ክወስድ እንተዀይነ ኸኣ፡ "ዝያዳ ኤውሮጳውነትን ውሑድ ሽቕለት ኣልቦነትን ሕጂ'ውን ዘዐውት መገዲ እዩ፤ እንተዀነ፡ ውሑድ የማናውነት ግን ፍሽለት እዩ፡" ይብል።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ንፈረንሳ መንኦም ከም ዝሓይሽ ንብዙሓት ኣድመጽቲ ደብዛዝ እዩ ዘሎ።
እታ ለውጢ ምምጻእ ትዛረብ ዘላ መራሒት ጽንፈኛ የማናዊ ሰልፊ ዶ? ወይስ እቲ 'ዘይሰምዕ' ዝበሃል ግን ማእከላይ ዝመርገጺኡ መራሒ? ንጹር ኣይመስልን።
ኣለን ሚንክ ቅድም ኢሉ'ውን ማክሮን፡ 'ኣመና ምልካዊ፡ ኣመና ፖለቲከኛን ኣመና ፕረዚደንታዊ' ክኸውን ከም ዝኽእል ተነብዩ ነይሩ።
"ኣመና ንእሽቶ ስለዝዀነ፡ ለምባእ ፕረዚደንት ክኸውን እዩ ይብሉ ነይሮም ብዙሓት፣ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ ግን ቅዲ ኣመራርሓኡ ዝገርም እዩ፣ ዝያዳ 'ናፖልዮናዊ' እዩ፡" ኢሉ ይገልጾ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ማክሮን፡ ንነቐፍቱ ብዛዕባ ምምሕያሽ ጥሮታን፡ ኣከባብያዊ ዕቃበን ዘለዎ መደባት ከረድእ እዩ ቐንዩ።
"ንሓሙሽተ ዓመት ነታ ሃገር ከመሓድር ድሕሪ ምጽንሑ፡ እንደገና ክምረጽ እንተኽኢሉ መቸም ዓቢይ ዓወት እዩ፡" ይብል ኣለን ሚንክ።
"እዚ ዓወት'ዚ ግን ነቲ ኣብ ገዛ ርእሱ ዘለዎ ክቱር ርእሰ-እምነት መሊሱ ኣይውስኸሉን ይኸውን፣ ክቕየር እዩ ኢለ ኸኣ ተስፋ እግበር፣ ግን ከኣ እጠራጠር።"







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







