ቅልስ ንምንባር ኣብታ ብሕጽረት ሰልዲ ትሳቐ ዘላ ኣፍጋኒስታን

ኣብ ኣፍደገ ሕክምን ዝተኣከቡ ሰባት

ወዲ 5 ዓመት ፋዝሉር ራሕማን ኣብ ክሳዱ ደረጃ ኣርባዕተ ዝስራዕ ሕበጥ ኣለዎ፤ ኣፍጋናውያን ዶኳትር ኸኣ በታ ዘላቶም ህይወት እዚ ህጻን ንምድሓን ‘ብኬሞቴራፒ’ ይቃለሱ ኣለዉ።

ፋዝሉር ራሕማን ኣብታ ብሕሙማት ጭቕጭቕ ዝበለት ኣብ ካቡል ትርከብ መሐከሚ ሕሙማት መንሽሮ እዩ ዘሎ።

እዛ ሕክምና፡ ኣብ ምሉእ ኣፍጋኒስታን ካብ ዘለዋ ሕሙማት መንሽሮ ዝናበዩለን ሰለስተ ሆስፒታላት ሓንቲ እያ።

ኣብዛ ሕክምና፡ እቲ ዝውሃብ ዓለምለኻዊ ረድኤት ዘምጽኦ ዘሎ ውጽኢት ብርኡይ’ዩ ዝርአ፡ ጎኒ- ገኑ ኸኣ ብዙሕ ከምዝተርፍ ንኸተስተብህል ይሕግዘካ።

እቲ ንሕሙማት መንሽሮ ዝውሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቀረባት ስለዘዳለወ ብናጻ’ዩ ዝውሃብ፡ እንተኾነ ተሓከምቲ ንገለ ኣብቲ ሕክምና ዘየለ መድሃኒት ብሰልዶም ካብ ደገ ክገዝእዎ ይግደዱ እዮም።

ዋጋ መድሃኒት መንሽሮ ኸኣ ኣይኮነንዶ ነቶም ብሕጽረት ሰልዲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣፍጋናውያን ኣብ ካልእ ሃገራት’ውን ዝልከፍ ኣይኮነን።

ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ምስ ተቆጻጸራ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ባይታ እዩ ዘቢጡ።

ኣቡኡ ንፋዝሉር ራሕማን ኣቶ ዓብዱ ባሪ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኣፍጋኒስታን ብሕርሻ ዝናበር ኮይኑ ንወዱ መድሃኒት ንኽገዝኣሉ ዘድልየኡ 100 ዶላር ንምርካብ ኣዝዩ እዩ ተሸጊሩ።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ካብ ዝኾነ ዝፈልጦ ሰብ እየ ሰልዲ ክልቃሕ ጸኒሐ፡ ካብ ዝነብረሉ ቦታ ናብ ካቡል ንምምጻእ መኽፈሊ መጓዓዝያን ንምድሃኒትን ዘጥፍኦ ሰልዲ ኣዝዩ ልዕሊ ዓቕመይ’ዩ” ይብል።

ቅድሚ ሕጂ 75 ሚኢታዊት ካብቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዝባኽን ሰልዲ ካብ ወጻኢ ብዝውሃብ ሓገዛት’ዩ ዝሽፈን ነይሩ።

ጣሊባን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ግን እቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ምዕራባውያን ሃገራትን ንኣፍጋኒስታን ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዛት ደው ኢሉ።

ኣስታት 9 ቢልዮን ዶላር ኣብ ደገ ተኸዚነ ዝነበረ ሰልዲ ኣፍጋኒስታን’ውን ከምዝድስክል ስለዝተገበረ እታ ሃገር ብሕጽረት ሓገዝን ሰልድን ኣብ ከቢድ ስቃይ’ያ ተሸሚማ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ ጸብጻብ ባንኪ ዓለም ከምዘነጽሮ፡ ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ካብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ንሕጽረት መሰረታዊ ቀረባትን መግብን ተቃሊዑ ከምዘሎ የነጽር።

ጓል 50 ዓመት ካብ ሰሙናዊ ዞባ ታክሃር ዝመጽእት ማዛርያ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ካቡል ሕክምና መንሽሮ ዝግበረሎም ዘለዉ ሕሙማት’ያ።

ጓል 12 ዓመት ፓርዋና ምስ መሓዛኣ

ንሳ’ውን ዛንታኣ ልክዕ ከም ናይ ህጻን ፋዝሉር ራሕማን’ዩ።

ንሳን ስድርኣን ንመግዝኢ መድሃኒት ዝነበርዎም ጥሪት ከምዝሸጥዎም’ያ ትገልጽ።

“እንታይ ድኣ’ሞ ክንገብር?” ብምባል ዘረባኣ ብሕቶ ትጅምር ማዛርያ “ዝነበሩና ከብትን ኣድግን ሸይጥናዮም ኢና ሕጂ ኣብ ኢድና ዝተረፈና የብልናን” ትብል።

ብምስዓብ “ካብ ሓወይ፡ ካብ ኣዝማድ ብዓል ቤተይን ጎረባብትን ሰልዲ ተለቂሕና ንሱ’ውን ንመግዝኢ መድሃኒት ተጠቒምናሉ ሕጂ ጥራይ ጁባና ኣብ ልዕሊኡ ልቃሕ ተወሲኽዎ ኣብ ዓቢ ወጥሪ ኢና ዘለና” ትብል።

ዶክተር ማኑቸር ሓላፊ ሕክምና ዋርድ ተሓከምቲ መንሸሮ’ዩ።

ንሱ፡ ኣባላት እቲ ሕክምና ማሕበር መስሪቶም ነቶም ኣዝዮም ዝተሸገሩ ሕሙማት መድሃኒት ይገዝኡሎም ምንባሮም ይገልጽ።

“ሕጂ ግን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቶም ክሕገዙ ዘለዎምን ካባና ዝጽበዩን በዚሖም እቲ ዝነበረና ባጀት ኸኣ ተወዲኡ” ብምባል የዕሊልና።

እቲ ክፍሊ መሐከሚ ሕሙማት መንሽሮ፡ ቁሩብ ደሞዝ ንሰራሕተኛታትን ቁሩብ መድሃኒትን ብቀይሕ መስቀል ይውሃቦ ስለዘሎ ይቕጽል ምህላዉ ብምሕባር፡ ትሑዝ ባጀት ግን ከምዘይብሉ ዶክተር ማኑቸር ኣብሪሁ።

ብምንጽጻር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር 1 ሚልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዕሎም ምንባሩ እቲ ዶክተር ይሕብር።

ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍኳስ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ’ዩ እማመ ኣቕሪቡ ዘሎ።

ዶክተር ማኑቸር ምስ ተሓከምቲ
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ማኑቸር ምስ ተሓከምቲ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሰብኣዊ ቅልውላው እታ ሃገር ኣመልኪተን ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ዝተጋበኣኣሉ ብጠቅላላ 2.4 ቢልዮን ዶላር ክልግሳ ምዃነን ቃል ኣትየን ኣለዋ።

ህጻናት ኣፍጋኒስታን ብጉድለት መኣዛዊ መግብታት ይሳቐዩ ምህላዎምን፡ ስድራቤታት ንዘለዎም ሕጽረት ገንዘብ ንምፍዋስ፡ በተን ብገዝሚ ዝረኽብወን ገንዘብ ዝተረፉ ደቆም ንምዕንጋል ንመርዓ ዘይኣኸላ ደቆም የመርዕውወን ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት ትካላት ውሃብቲ ረድኤትን ገለ ዲፕሎማሰኛታት ግን ጸገም ኣፍጋኒስታን ቀጻልነት ፍታሕ ክናደየሉ ከምዘለዎ’ዮም ዝማጎቱ።

እቲ ደስኪሉ ዘሎ ኣስታት 9 ቢልዮን ዶላር ሰልዲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ኢድ ጣሊባን ምእታው ኸኣ ንዓለም ካልእ ስግኣት ምዃኑ ዝገልጹ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸራ ኮተቴታት ደቂ ኣንስትዩ ናብ ትምህርቲ ከይከዳ ዝለዝኸልከለ፡ እቶም ረድኤት ክልግሳ ዝሓስባ ትካላት ሓሳብን ዳግመ ግምት ክገብራሉ ተቐሲበን’የን።

ናብቲ ምብራቓዊ ጫፍ ካቡል ዝርከብ ግዝያዊ መጽለሊ ተመዛበልቲ ምብጻሕ ኣካይድና ነይርና፡ ኣብኡ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘይትኽእል ኣዝዩ ክፉእ’ዩ ዘሎ።

እቶም ኣብኡ ዝረኸብናዮም ተፈናቐልቲ፡ ኵናት’ኳ እንተተወደ፡ ናብ መበቖል ዓዶም ንኽኸዱን ዳግማይ ‘ሀ’ ኢሎም ናብራ ንኽጅምሩ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሎም’ዮም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ተማሃሮ መግዝኢ ድቪዛ ስኢኖም ካብ ትምህርቲ ክቦኽሩ ምርኣይ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንቡር’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡

ወዲ 12 ዓመት ፓርዋን ሓደ ካብኦም ኮይኑ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ስድርኡ ናውቲ ትምህርትን ዲቪዛን ዘግዝእ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ከምህርዎ ኣይክኣሉን፡፡ ካብ ትምህርቲ ቦኺሩ ኣብ ገዛ’ዩ ዝውዕል ዘሎ።

ኣብ ውሽጢ ከተማ ካቡል፡ ኣብ ከባቢ እተን ሕብስቲ ዝሽየጠለን ዱኳናት ኣብ ማርቻበዲ ኮፍ ዝበሉ ቆልዓ ሰበይቲ ምርኣይ ንቡር እዩ ኮይኑ ዘሎ።

እቶም ኣብ ማርቻበዲ ኮፍ ዝብሉ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ገለ ካብቶም ናብቲ ዱኳን ዝመጽኡ ዓማዊል ገለ ሕብስቲ እንተገዝኡሎም ዝልምኑ’ዮም። እዚ ኣብ ካቡል ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ንቡር ዘይነበረ ተርእዮ እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ቤቶም ከማምቑ ፕላስቲክ ከቃጽሉ ዝግደዱ ዘለው ኣፍጋናውያን