ቤቶም ከማምቑ ፕላስቲክ ከቃጽሉ ዝግደዱ ዘለው ኣፍጋናውያን
ብርቱዕ ቁሪ ሓጋይ ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍጋኒስታን የጋድዶ ኣሎ። ጣሊባን ስልጣን ድሕሪ ምሓዙን ዓለምለኻዊ እገዳታታት ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ድሕሪ ምንባሩን ቁጠባ እታ ሃገር የንቆልቁል ኣሎ። ውድቀት እቲ ዝጸንሐ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ምቁራጽ ምዕራባዊ ሓገዛትን ንሽቕለት ኣልቦነት ኣዕሪጉዎ ይርከብ። ንኣባላት ስድርኦም ቀለብ ኮነ ንቤቶም ጸዓት ክቕርቡ ዝኽእሉ ሒደት እዮም። ሓደ ሚልዮን ህጻናት ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ተቓሊዖም ኣለው። ሕቡራት ሃገራት እታ ሃገር ቅልጡፍ ረድኤት ክወሃባ ጸዊዑ ኣሎ።