ኣፍጋኒስታን፡ ለገስቲ ትካላት ደስኪሉ ዝነበረ ገንዘብ ንረድኤት ኣፍጋኒስታን ከውዕልዎ’ዮም

ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሊኡ ኣፍጋናውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓለምለኻውያን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ደስኪሉ ዝነበረ 280 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኣፍጋኒስታን ንመግብን ጥዕናውን ሓገዛት ክውዕል ከምዝተሰማምዑ ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን ምስኣተወት ክወሃባ ዝጸንሐ ገንዘባዊ ሓገዛት ስለዝተቛረጸ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ተሸሚማ ትርከብ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ርኡይ ጥምየት ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ሓቢሩ። 3 ሚልዮን ህጻናት ድማ ብዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እቲ ኩነታት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ድርቅን ምዕራባውያን ንኣፍጋኒስታን ዝህብዎ ዝነበሩ ገንዘባዊ ሓገዝ ስለቋረጽዎ ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ቅልውላው ሰማይ ስለዝዓረገን’ዩ።

ምዕራባውያን ሃገራት ንጣሊባን ከም መንግስቲ ከምዘይተቐበልዎ ብዕሊ ኣፍሊጦም’ዮም።

ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ድማ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር መሐለውታ ገንዘብ ኣፍጋኒስታን ዘደስከልዎ ኮይኖም ባንኪ ዓለምን ‘ኣይኤምኤፍን’ ኣፍጋኒስታን ምወላ እትረኽበሎም ዕድላት ገቲኦሞ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም 23 ሚልዮን ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ብምግላጽ “ኣብ ምድሪ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው” ኢሉ ገሊጽዎ።

እቲ ካብ ባንኪ ዓለም ክልቀቕ ከምዝኾነ ዝተነገረሉ መጠን ገንዘብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ናብ ዝኾኑ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን ክዛወር ምዃኑ ተሓቢሩ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ሎጂስቲክስ ኮነ ሰራሕተኛታት ዓቕሚ ስለዘለዎም እቲ ገንዘብ ብናይ ባዕሎም መስርሕን ኣካይዳን ብቐጥታ ናብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ከብጽሕዎ ከምዝኽእሉ ባንኪ ዓለም ገሊጹ።

ዩኒሴፍ 100 ሚልዮን ዶላር ተቐቢሉ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ክነጥፍ’ዩ፤ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከኣ 180 ሚልዮን ዶላር ክርከብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ኣፍጋኒስታን ቅልውላው ሰብኣዊ ረድኤት ይጋደድ’ሎ