ኢማኑኤል ማክሮን ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኮይኑ ተመሪጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢማኡኔል ማክሮን ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፈረንሳ መነሓንሕቱ ንዝነበረት ማሪን ሊ ፔን ብዓብላሊ ድምጺ ብምስዓር ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ፕሬዝደንት ኮይኑ ተመሪጹ።
ማክሮን፡ 58.55 ሚኢታዊት ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ሊ ፔን 41.45 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺባ።
እዚ፡ ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ክኸውን እንከሎ፡ ስደተኛታት ትጸልእ እያ ትብሃል ሕልፍቲ የማናዊት ሊ ፔን ዝረኸበቶ ድምጺ ግን ክሳብ ሕጂ ሕሉፍ የማናውያን ሰልፊታት ዝረኸቡዎ እቲ ዝለዓለ ውጽኢት መረጻ እዩ።
ኣብ ኢፍል ታወር ንደገፍቱ ዘረባ ዘስምዐ ማክሮን፡ "እቲ መረጻ ካብ ተወድአ ሕዚ ናይ ኹሉ ፕሬዝደንት" ክኸውን እየ ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ስልጣን እንከሎ ዳግም ዝተመረጽ ፕሬዝደንት እዩ።
ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተስዓረት ሊ ፔን እቲ ዝረኸበቶ ድምጺ ሕዚ'ውን መርኣያ ዓወት ምዃኑ ተዛሪባ።
ካብ ሕሉፍ የመናዊ መነሓንሕታ ዝነበረ ኤሪክ ዜሙር ግን፡ ልክዕ ከም ኣቡኣ ንሳ'ውን ወዲቓ'ያ ክብል እንከሎ፡ "ንሻምናይ ግዜ ኢና ሊ ፔን ዝብል ሽም ብስዕረት ንሰምዖ ዘለና" ኢሉ።
ማሪን ሊ ፔን፡ እቲ ኣቡኣ ዝመስረቶ ሰልፊ ፖለቲካ ንክስዕር ብዝብል እያ ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] መራሒት እቲ ሰልፊ ኮይና።
ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ድምጺ እያ ረኺባ።
ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ምኽባር ዋጋ ንምፍታሕ ምንካይ ግብሪ ክትገብር፣ እስላም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣደባባይ ሒጃብ ከይኽደና ሕጊ ከተውጽእን ምቁጽጻር ስደት ዝምልከት ድምጺ ህዝበ ውሳነ ክካየድ ክትገብርን ቀንዲ ጎስጓስ ትገብረሎም ዝነበረት ዛዕባታት እዮም።
ፕረዚደንት ማክሮን ድሕሪ ዓወት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ነቲ ብዙሓት ዜጋታትና ንሕሉፍ የማን ክመርጹ ዝገበሮም ቁጥዐን ዘይምስምማዕን መልሲ ክርከቦ ይግባእ። እዚ ክኣ ናተይን ናይቶም ኣብ ጎነይ ዘለውን ሓላፍነት እዩ" ኢሉ።
ካብ ሰለስተ መረጽቲ ልዕሊ ሓደ ዝኾኑ መረጽቲ ድምጾም ንኽልቲኦም ሕጹያት ኣይሃቡን፤ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ድምጾም ዝህብሉ ካርዲ ናጻ እዩ ነይሩ።
ኣብ ፓሪስ፣ ሬነስ፣ ናንተስ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት እቲ ውጽኢት መረጻ ኣይንቕበሎን ብማለት ኣንጻር ማክሮን ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም።
ሕጽይቲ ሕሉፍ የማናዊ ኮይና ዝቐረበት ተነሓናሒት፡ ኣንጻር ፖሊሲታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾኑ ሓሳባት ብምሃባ ተሻቒሎም ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ውጽኢት መረጻ ተቐቢሎምዎ።
ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ ፕሬዝደንት ማክሮን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝተኣወጀ ኲናት ሩስያ ዝሃቦ ምላሽ ብምልዓል እንኳዕ ደስ በለካ ክብሎ እንከሎ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ብወገኑ ንዩክሬን ምድጋፍ ሓዊሱ "ጥቡቕ ምትሕብባር" ክህልዎም ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜሌንስኪ "ሓቀኛ መሓዛ" ብምባል ናይ እንኳዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ክሰድድ እንከሎ ጠንካራን ዝሓበረን ኤውሮጳ ክርኢ ተስፍኡ ልዑል ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ቦሪስ ጆንሰን'ውን ብተመሳሳሊ ውጽኢት መረጻ ፈረንሳ ተቐቢሉዎ።
እቲ ሕጂ ሚሊዮናት ፈረንሳውያን ዝጽገምሉ ዘለው ምኽባር ዋጋታት ቁጽሪ ሓደ ጎስጓስ እቲ መረጻ እዩ ነይሩ። ተቓወምቲ እቲ ፕሬዝደንት ድማ ንትሑትን ማእከላይ እቶትን ዘለዎም ሰባት ግዲ ዘይብሉ ናይ ሃፋትም ፕሬዝደንት እዩ እናበሉ ይነቕፉዎ ነይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጄን ካስተስ ግን ንሬድዮ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው "ብዙሓት ምክፍፋላትን ናይ ርድኢት ዋሕድን" ኣብ ዘለወሉ ግዜ እቲ ፕረዚደንት ዳግም ምምራጹ ዓብዪ መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







