ድሮግባ ንፕረዝደንትነት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሃገሩ ተወዳዲሩ ተሳዒሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ውሩይ ኣይቮርያዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ነበር ዲድየር ድሮግባ፡ ንፕረዚደንትነት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ሃገሩ’ኳ እንተተወዳደረ ክምረጽ ኣይክኣለን።
ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ምርጫ ያሲን እድሪስ ድያሎ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣይቮሪኮስት ኮይኑ ተመሪጹ።
እዚ ውሩይ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ዝነበረ ዲድየር ድሮግባ፡ ኣብ መጀመርታ ምጽራይ እዩ ተገሊፉ።
ድሮግባ፡ ካብቶም ዘድመጹ ሓደ ሕምሲት’ውን ድምጺ ክረክብ ኣይክኣለን።
ኣቐዲሙ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፈደረሽን ዝነበረ ያሲን እድሪስ ድያሎ፡ ንምክትል ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣይቮሪኮስት ዝነበረ ሶሪ ዲያያባቲ 63 ብ 61 ስዒሩ’ዩ ሓዲሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ።
እቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ 2020’ኳ ክካየድ እነተነበሮ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት’ዩ ብተደጋጋሚ ክናዋሕ ጸኒሑ።
ቀንዲ ምኽንያት፡ ገለ ንውድድር ንነብሶም ዝሓጸዩ ተወዳደርቲ ኣብ ኣገባብ እቲ ምርጫ ጥርዓናት ከቕርቡ ስለዝጸንሑ’ዩ፤ ሓደ ካብቶም ኣቤትተኦም ከስምዑ ዝጸንሑ ኸኣ ዲደር ድሮግባ’ዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ፊፋ ኢዱ ብምሕዋስ መልክዕ ምስ ኣትሓዞ’ዩ እቲ ምርጫ ትማሊ ተኻይዱ።
ድሮግባ ንሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስ ልዕሊ 100 ግዜ ዝተሰለፈ ተጻዋታይ ኮይኑ፡ ኣብ 2006 ከምኡ’ውን ኣብ 2010’ውን ንሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት መሪሑ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ ክኢሉ እዩ።
ወዲ 44 ዓመት ዲድየር ድሮግባ 4 ናይ ፕሪመርሊግ ዋናጩን 4 ናይ ኤኤፍ ዋናጩን ከምኡ ኸኣ ሓንሳብ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ክዓትር ክኢሉ’ዩ።
ምስ ሃጋራዊት ጋንትኡ ብምዃን ሓያለ ዓወታት ዝተጎናጸፈ ድሮግባ፡ ኣብ መጀመርታ ዙር ናይቲ ምርጫ ኣብ ናይ ብዙሓት ግምት ወጻኢ 21 ድምጺ ጥራይ ብምርካቡ’ዩ ካብቲ ውድድር ተገሊፉ።
በቲ ውጽኢት ዘይተሓጎሱ ደገፍቲ ናይቲ ንሃገሩ ብዙሕ ዘበርከተ ድሮግባ ድሮ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ነቐፌትኦም የስምዑ ኣለዉ።
“ፕረዚደንት ክለባት ኣይቮሪኮስት ንድሮግባ ከዲዖም ተስፋ ናይ ኣይቮሪኮስት ኣጸልሚተሞ” ኢሎም ዝጽሓፉ’ውን ነይሮም።
ትማሊ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣይቮሪኮስት ኮይኑ ዝተመረጸ ያሲን እድሪስ ድያሎ ንዝቅጽል ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት እቲ ፈደረሽን ኮይኑ ክመርሕ’ዩ።
ኣይቮሪኮስት ክልተ ግዜ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ክትዕወተሉ እንከላ፡ ነቲ ኣብ 2023 ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ’ውን ከተአንግዶ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







