ርዋንዳ፡ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ገረብ ኣሲሩ ዝገረፈ ቻይናዊ ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

ብተግባራቱ ዝተቖጥዑ ሰራሕተኛታቱ እቲ መግረፍቲ ብቪድዮ ብምቕዳሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኣት ዘርጊሖሞ

ምንጪ ስእሊ, Social Media

መግለጺ ስእሊ, ብተግባራቱ ዝተቖጥዑ ሰራሕተኛታቱ እቲ መግረፍቲ ብቪድዮ ብምቕዳሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኣት ዘርጊሖሞ

ቤት ፍርዲ ርዋንዳ፡ ንሓደ ሰባት ምስ ዝተተኽለ ዕንጨይቲ ብምእሳር ገሪፉ ኣሳቕዩ ዝተባህለ ቻይናዊ ማእሰርቲ በዪንሉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ሳን ሹጁን ን20 ዓመት ክእሰር ከምዝተበየነሉ ኣብቲ መጋባእያ ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ቻይናዊ ምዃኑ ዝተገለጸ ተመሳሳሊ ክስታት ዝቐረበሉ ርዋንዳዊ'ውን ን12 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈረደ ተፈሊጡ።

እቶም መግረፍቲ ዝወረዶም ግዳያት፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ በቲ ቻይናዊ ዝውነን ኣብ ሩትሲሮ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ትካል ዕደና ኮይኖም፡ ስርቂ ፈጺሞም ብዝብል ከምዝገረፎም ጸብጻባት ገሊጾም።

ኣብ ነሓሰ 2021፡ ሹጁን ነቶም ኣብ ገረብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ግዳያት ክገርፎም ዘርኢ ሓደ ናይ ሰለስተ-ደቒቕ ቪድዮ ምስ ወፀ ኣብ መላእ ርዋንዳ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።

ብሰንኩ ድማ፡ እቲ ቻይናዊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡ ናይ ዋሕስ ገንዘብ ብምኽፋል ድማ ካብ ቀይዲ ወጺኡ ነይሩ።

ብተግባራቱ ዝተቖጥዑ ሰራሕተኛታቱ እቲ መግረፍቲ ብቪድዮ ብምቕዳሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሖሞ።

ኤምባሲ ቻይና ኣብ ርእሰከተማ ኪጋሊ፡ ነቲ ኣብቲ ቪድዮ ዝተዓዘቦ "ዘይሕጋዊ ተግባራት" ከምዝኾነነ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ርዋንዳ የመልክት።

መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ መጋባእያ ናይቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ሹጁን መስቀል ብምስራሕ፡ ነቶም ብስርቂ ዝጠርጠሮም ሰራሕተኛታት ኣብኡ ኣሲሩ ከምዝገረፎም ምስክርነቶም ሂቦም።