ዛምቢያ፡ ሓድሽ ፕሬዝደንት ዛምቢያ 'ጥርሑ' ዝተረፈ ሚኒስትሪ ገንዘብ ተረኪቡ

ሂቺለማ ብ24 ነሓሰ 2021 ኣብ ስታድየም ሉሳካ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሂቺለማ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ ግዜ ንፕሬዝደንትነት ተወዳዲሩ

ሓድሽ ፕሬዝደንት ዛምቢያ፡ ኣዝዩ ብዙሕ መጠን ገንዘብ ከም ዝተዘምተን "ጥርሑ" ሚኒስትሪ ገንዘብ [ቤት-ግምጃ] መንግስቲ ከም ዝተረከበን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሃኪንዴ ሂቺሊማ፡ "ሰባት ሕጂ'ውን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ዘይተፈቕደን ናቶም ዘይኮነን ገንዘብ ከንቀሳቕሱ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው" ኢሉ።

ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ንተነሓናሒኡ ዝነበረ ኤድጋር ሉንጉ ከም ዝስዓሮ ይዝከር።

ሂቺለማ ነዚ ምጥፍፋእ ተሓታቲ ዝገብሮ ሽም ዋላ ሓደ በዓል መዚ ኣይረቑሐን፤ ፕሬዝደንት ነበር ሉንጉ ግን ቅድም ኢሉ ኩሎም ሕመቓት ነጺጉዎም።

ቢቢሲ ግን፡ ሰልፊ ሉንጉ ርኢይቶ ክህብ ሓቲቱዎ እዩ።

ኤድጋር ሉንጉ ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ነታ ብነሓስ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ክመርሓ ጸኒሑ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ውድድራት መረጻ ክዕወት ንዘይክኣለ ሂቺለማ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ብምግባሩ ሰፊሕ ናእዳ ቐሪቡሉ'ዩ።

ሂቺለማ፡ ብልሽውና ክቃለስን ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ዕዳ ሸሚሙዋ ዝርከብ ፋይናንሳውን ቑጠባውን ቅልውላው ከብቅዕ ክገብርን ቃል ብምእታው'ዩ ኣብዚ ናይ ሕጂ መረጻ ክዕወት ክኢሉ።

ዛምቢያ፡ ካብ 1998 ዓ.ም [አቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጠባዊ ዝሕታለ ኣጋጢሙዋ።

እዚ ናይ ወጻኢ ልቓሕ ኣብ ምኽፋል'ውን ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩላ።

ፕሬዝደንት ሂቺለማ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓድሽ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ሂቺለማ [ኤችኤች] ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት "መኽዝን እታ ሃገር "ቃል ብቃል ጥርሑ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ወሲኹ "እቲ ነዃል ካብቲ ትጽቢት እንገብሮ ንላዕሊ'ዩ" ብምባል እቲ ሕሉፍ ስርዓት ኩነታት ልቓሕ እታ ሃገር "ሙሉእ ንሙሉእ ቅሉዕ" ኣይገበሮን ኢሉ።

"እቲ ዘሕዝን፡ ብዙሕ ጉድኣት ኣሎ" እውን ኢሉ።

ሕጂ'ውን መንግስቱ ብልሽውና "ከም ዘይጻወር" ብምግላጽ ኣብ ቀረባ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ገንዘብ ንምዕጋት ክሳብ ታሕቲ ወሪዱ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።

"እቲ ዝተረከብናዮ ኣዝዩ ዘፍርሕ'ዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ነገር ክገብር'ዩ ኢልካ ዘይክሕሰብ ይኽእል፤ ግን ድማ ኮይኑ። ሰባት'ዮም ሰሪሖምዎ። ሕጂ'ውን ንዕኡ ክደግሙ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው" ብምባል ኣብ ከቢድ ኩነታት ዘላ ሃገር ከም ዝተቐበለ የረድእ።

እቲ ፕሬዝደንት ወሲኹ "ብዙሓት ዘይሰርሑ ግን ድማ ኣብ ክፍሊት ደሞዝ መንግስቲ ዘለው ሰባት ኣለው" ኢሉ።

ደገፍቲ ፕሬዝደንት ሂቺለማ ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ጽገናታት ከምጽእ ትጽቢት ይገብሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ፕሬዝደንት ሂቺለማ ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ጽገናታት ከምጽእ ትጽቢት ይገብሩ

ፕሬዝደንት ሂቺለማ፡ ክኢላ ስነ ቑጠባን ኣማኻሪ ዓለምለኸ ፈንድ ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] ነበር ሲቱመቤኮ ሙሶኮተዋኔ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ገይሩ ሸይሙ።

እቲ ሚኒስትር "ኣብቲ ባጀት ሓደ ነገር እንተዘይገይርና፡ እቲ ዝህልወና በጀት ንዕዳን ደሞዝ ንምኽፋልን ጥራሕ ዝተርፍ'ዩ ክኸውን" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ ነይሩ።

ዛምቢያ ካብ ዓለምለኸ ኣለቃሕቲ ዝተለቅሓቶ ኣስታት 12 ቢሊየን ዶላር ዕዳ ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዛምቢያ ወለድ ኣይኸፈለትን፤ በዚ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ እታ ፈላመይቲ ኣብ ዕዳ ልቓሕ ዝኣተወት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ብተወሳኺ ካልኦት ልቓሓት ምኽፋል ትጽገም ኣላ።

እቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ኤድጋር ሉንጉ ንህንጸት ትሕተ ቕርጺ ካብ ቻይና ብዙሕ ልቓሕ ኣምጺኡ'ዩ።

እቲ ሓድሽ ፕሬዝደንት፡ መንግስቲ ኣለቃሕቲ ኣብታ ሃገር ዘለዎም እምነት ንምምላስ ከም ዝሰርሕ ብምግላጽ ምስ ቻይና ከም ዝዘራረብን "ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዝተረከበ ክትርድኣሉ" እምነት ከም ዘለዎን ሓቢሩ።

ዓለምለኻዊ ትካል ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሸቅሊ ኣልቦነት እታ ሃገር ልዕሊ 12 ሚኢታዊት ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ሂቺለማ፡ ንመናእሰይ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝኣተዎ መጽበዓ ድማ ካልእ ምሽጢር ዓወቱ ምዃኑ ይፍለጥ።