ኣፍኮን 2021፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኬፕ ቬርደ ተሳዒራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መበል 33 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣአንጋዲት ሃገር ካሜሮንን ቡርኪናፋሶን ድሕሪ ዘካየደኦ መኽፈቲ ቀዳማይ ጸወታ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኢትዮጵያን ኬፕ ቬርደን ኣብ ዘካየደኦ ግጠም ኢትዮጵያ 1 ን 0 ተሳዒራ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቬርደን ትሽዓተ ተጻወትቲ እታ ሃገራዊት ጋንታን ብሰንኪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ጸወታ ክቦኽሩ እንከለዉ፡ እቶም 'ቡሉ ሻርክ' ተባሂሎም ዝጽውዕ ኣባላት እታ ሃገራዊት ጋንታ ሽዱሽተ ተቐየርቲ ተጻወትቲ ጥራይ ሒዞም'ዮም ናብ ሜዳ ክኣትዉ ተገዲዶም።
እንተኾነ እታ ሃገራዊት ጋንታ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 1 ን 0 ብምስዓር ሰለስተ ነጥቢ ክትሓፍስ ክኢላ ኣላ።
ኣብ ምጅማር እቲ ጸወታ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ያሬድ ባዩህ ብዝፈጸሞ በደል ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ተሰጒጉ።
ያሬድ ኣብ መጀመርታ ብማእከላይ ዳኛ ብጫ ካርድ ጥራይ'ኳ ተዋሂብዎ እንተነበረ፡ ናይ መስመር ዳኛ ብዝሃቦ ሓበሬታን ብሓገዝ ቪድዮን [ቫር] በደሉ ዳግማይ ተራእዩ'ዩ ብቀይሕ ካርድ ካብ ኬዳ ተባሪሩ።
ተቐይሩ ዝኣተወ ምኞት ደበበ ብዝፈጸሞ ጌጋ'ውን ናብ ገዛእ ልዳቱ ኩዕሶ'ኳ እንተቀልዓ ሓላዊ ልዳት ከድሕና ክኢሉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ውጥን ወጺእሉ ዝነበረ መበል 33 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ተናዊሑ ስሙ ከይቀየረ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021 ተባሂሉ እናተጸወዐ'ዩ ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ መኸፍቲ ጸወታ ኣአንጋዲት ካሜሮንን ቤርኪናፋሶን ኣብ ዝገበረኦ መኽፈሪ ጸወታ፤ ሃገራዎት ጋንታ ካሜሮን 2 ን 1 ክትስዕር ክኢላ።
እዘን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ከተማ ያውንደ ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ፡ ሃገራዊት ጋንታ ቡርኪናፋሶ ኣቐዲማ ሸቶ ብምምዝጋብ ንጸወታ ክትመርሖ ክኢላ ነይራ'ያ።
እንተኾነ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ሓለቃ ጋንታኣ ኣቡበከር ኣብ መበል 40 ደቂቕ ከምኡ'ውን ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ናይ ቀዳማይ እብረ ዝተረኸባ ክልተ ፍጹም ቅላዕ ናብ ሸቶ ክቅይረን ብምኸኣሉ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ሰለስተ ነጠብን ሓደ ጸብለልታ ሸቶን ሒዛ ጸወታኣ ክትዛዝም ክኢላ።
ሎሚ ኣርባዕተ ጸወታታት ክካየዱ እዮም፡ ሰኔጋል ኣንጻር ዙምባቡ፡ ጊኒ ኣንጻር ማላዊ፡ ሞሮኮ ኣንጻር ጋና ከምኡ'ውን ኮሞሮስ ኣንጻር ጋቦን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







