ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት 'ካፍ' ኣሕማድ ኣሕማድ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኣሕማድ ኣሕማድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ኣብ ፈረንሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም (ፊፋ) ኣረጋጊጹ።

ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ከም ፕረዚደንት ካፍ ዘለዎ ሓላፍነት ብዝተኣሳሰር ክሲ" ምኽንያት ከም ዝተኣስረ ኣብሪሁ።

እቲ መግለጺ፡ ብተወሳኺ፡ "ፊፋ ብዛዕባ ዝርዝር ናይቲ ምርመራ ዝፈልጦ ስለዘይብሉ፡ ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ኣይክልን'ዩ" ኢሉ።

"ፊፋ፡ ኮሚቲ ስነ-ምግባር ውሽጣዊ ምጽራይ ክገብር ዝሕግዝ ሓበሬታ እንተደኣሃልዩዎም ንሰብ መዚ ፈረንሳ ሓቲቱ ኣሎ" ኢሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት ንዋንጫ ጎባልል ክለባት ኣፍሪቃ 'ተዓዊታ' ዝተባሃልት ጋንታ ኤስፕሬንሴ፡ ዋንጫ ክትመልስን እቲ መዛዘሚ ግጥም ክትደግምን ተወሲኑ።

ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ቱኒዝያዊት ጋንታ ኢስፕሬንሰ ንመጋጥምታ ሞሮካዊት ጋንታ ዋይዳድ ካዛብላንካ ገጢማ ሓደ ንባዶ ክትመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ኣብ ካልኣይ እቲ ጸወታ ጋንታ ዋይዳድ ካሳብላንካ ዘቑጸረቶ ማዕረ ዝገብራ ሸቶ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ውይዳድ ካዛብላንካ እታ ዘቑጸረታ ሸቶ ንክተረጋግጽ ዳግም ንክትርኣየላ ንተሓጋጋዚ ዳኛ ሓቲታ፤ ቫር [ቪድዮ ኣሲስታንት ሬፍሪ-ኤሌክትሪካዊ ተሓጋጋዚት መሳርሒት፡ ] ጽቡቕ ትሰርሕ ስለ ዘይነበረት ግን ጥርዓኖም ኣይሰመረን።

ብድሕሪ'ዚ ኮንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ [ካፍ] ድማ ጸወታ ኣብ ዕጹው ሜዳ ዳግም ክካየድ ውሳኒኡ ኣሕሊፉ።