ኢንዶኔዥያ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ዘንበረቶ እገዳ ኣልዒላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢንዶኔዥያ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ መገዲ ኣየር ላየን ዘጋጠመን 189 ተሳፈርቲ ዝቐተለን ሓደጋ፡ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣልዒላ፡፡
ኣፍራዪ እተን ነፈርቲ ዝኾነ ቦይንግ ድሕሪ እቲ ኣብ ነፋሪት 737 ማክስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመን ብዙሓት ሰባት ዝሞትሉን ሓደጋ፡ እተን ጽቡቕ መሸጣ ዝነበረን ነፈርቱ ኣብ ሙሉእ ዓለም ከይበራ ተኸልኪለነኦ ጸኒሐን፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እተን ደው ኢለን ዝጸንሓ ነፈርቲ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምራ ብሰኑይ ገሊጹ እዩ፡፡
ክልቲአን ሃገራት እተን ነፈርቲ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን በረራ ምስ ጀመራ ድሕሪ ኣዋርሕ እየን ፍቓድ ዝህባ ዘለዋ፡፡
እተን ነፈርቲ ዳግም ናብ ስራሕ ክምለሳ ኣብዚ ዓመት ፍቓድ ዝሃባ ሃገራት ኣወስትራልያ፣ ጃፓን፣ ህንዲ፣ ማሌዥያን ሲንጋፖርን ሓዊሱ ልዕሊ 180 ሃገራት ነተን ነፈርቲ ናይ ምብራር ፍቓድ ሂበን አለዋ፡፡
ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ኢንዶኔዥያ፡ ኣብ ኣካላት እተን ነፈርቲ ዝተገበረ ምምሕያሽ ተመርሚሩ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ከምዝምለሳ እዩ ገሊጹ ዘሎ፡፡
ቅድሚ እቲ ክልከላ 10 ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ዝነበረኦ መገዲ ኣየር ላየን ኣብዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን፡፡
ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ኢንዶኔዥያ ጋሩዳ ግና እተን ነፈርቲ ደጊሙ ናይ ምጥቃም ድልየት ከምዘይብሉ ገሊጹ፡፡
ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 29 ጥቅምቲ 2018፡ ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ላየን ዝኾነት ነፋሪት፡ ካብ ጃካርታ ምስበገሰት ድሕሪ 13 ደቓይቕ ኣብ ባሕሪ ጃቫ ዝወደቐት ኮይና፡ ኩሎም 189 ተሳፈርቲ ሞይቶም፡፡
ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልአ እዋን ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ዝተበገሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ቑጽሪ በረራ 302 ወዲቓ፡ ተሳፊሮም ዝነበሩ ኩሎም 157 ሰባት ሞይቶም፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







