ቦይንግ ምስ ስድራ ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተሰማሚዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኩባኒያ ቦይንግ፡ ምስቶም ብ2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብሰንኪ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ማክስ 737 ግዳያት ዝኾኑ ስድራቤት ኣብ ስምምዕ በጺሑ።
በቲ ሓደጋ፡ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 157 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ብመሰረት ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ድማ፡ እቲ ኣፍራዪ ነፈርቲ ብሞት እቶም ተጉዓዝቲ ተሓታቲ ክኸውን ተሰማሚዑ።
እቶም ስድራ ግዳያት ድማ ካብቲ ኩባኒያ ናይ መቕጻዕቲ ካሕሳ ኣይሓቱን።
ጠበቓታት እቶም ስድራ ግዳያት ቦይንግ "ሙሉእ ንሙሉእ ተሓታቲ" ከም ዝኸውን ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ከም ዓብዪ ምዕራፍ ተቐቢሎምዎ።
እዚ ስምምዕ፡ ካብ ኣመሪካ ወጻእ ዘለው ስድራቤታት [ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን] ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሮም ብኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ኣቢሎም ካሕሳ ክሓቱ ዘኽእሎም ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝቕመጥ ማርክ ፒግራም በቲ ሓደጋ ሳም ዝተባህለ ወዱ ዝስኣነ ኮይኑ "ቦይንግ፡ እቲ ነቐፌታ ናብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኣብረርቲ ምውጥዋጥ ገዲፉ ተሓታትነት ምቕባሉ ንዓና ዓብዪ ነገር እዩ" ኢሉ።
ኣዲኡ ዳቢ ብወገና፡ "በቲ ካሕሳ ብሽም ወድና ሳም ምግባረ ሰናይ ክነቑም ኢና ንደሊ። ሳም'ውን ከምኡ ክንገብር እዩ ዝደሊ" ትብል።
ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ ምስ ተሓምሸሸት ዕዳጋ መሸጣ ነፈርቲ ቦይንግ ነክዩ'ዩ።
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ [ናይ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን] ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ግን ኣብ ምስራሕ እተን ነፈርቲ ከቢድ ጸገም ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ኣበጊሱ።
እተን ነፈርቲ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ን20 ኣዋርሕ ጠጠው ክብላ ተገይሩ ጸኒሑ።
ሕጂ ግን ኩባኒያ ቦይንግ ኣብ ሶፍትዌርን ስልጠናን ምምሕያሽ ገይረ'የ ብምባሉ ናብ ስራሕ ክምለሳ ተፈቒዱለን ኣሎ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ምምሕምሻሽ እታ ነፋሪት፡ ኣብ ጉዕዞ ዝነበሩ ዜጋታት 35 ሃገራት ዝኾኑ 157 ሰባት ሞይቶም'ዮም።
ሕቶ ካሕሳ
እቲ ኣብ ቺካጎ ዋና ቤት ጽሕፈት ቦይንግ ዝርከበሉ ኢሊኖስ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሕቶታት ካሕሳ ክቐርቡ በሪ ዝኸፍት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, THE WASHINGTON POST / GETTY IMAGES
እዚ፡ ንስድራ ግዳያት ዝተፈለየ ካሕሳ ክረኽቡ ዝኽእሉ ምዃኖም እኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ስምምዕ ግን መጠንን ገደብን ቐጸልቲ መስርሓት ዝውስን ክኸውን እዩ፥
እቲ ኩባኒያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "በቶም ሓደጋታት ፈተውቶምን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ዝስኣኑ ኩሎም ሙሉእ ንሙሉእን ፍትሓዊ ብዝኾነ መገድን ክክሓሱ'ዮም" ኢሉ።
ወሲኹ "እቲ ሓላፍነት ብምቕባል፡ ቦይንግ ምስ ስድራቤታት ዝበጽሖ ስምምዕ ኩሎም ወገናት ነፍሲ ወከፍ ስድራ ዝበጽሖ ግቡእ ካሕሳ ንክረክብ ኣብ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ከተኩሩ ይሕግዞም" ኢሉ።
ጠበቓታት እቶም ስድራ ግዳያት'ውን መግለጺ ዝዘርግሑ ኮይኖም፡ ቦይንግ "ማክስ 337 ኣብ ውሑስ ኩነታት ከም ዘይነበረትን እቲ ሓደጋ ንኻልእ ከም ዘየላግብን ተሰማሚዑ'ዩ" ኢሎም።
ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ቦይንግ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢንዶኔዥያ ሓዊሱ 2.5 ቢሊየን ዶላር መቕጻዕትን ካሕሳን ክኸፍል ተሰማሚዑ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







