መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ናብ ስራሕ ክምለሳ ምዃነን ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, NURPHOTO
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ ስራሕ ንምምላስ ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ምድላው ምዕራፍ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡
ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ በረራ ደው ካብ ዘብላ ክልተ ዓመት ሓሊፉወን ኣሎ፡፡
ብኣቆጻጽራ ግእዝ 01 መጋቢት 2011 ዓ/ም ንጉሆ፡ 149 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ዝተበገሰት ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ፡ ቑጽሪ በረራ ET302፡ ድሕሪ ምውዳቓ እየን እተን ነፈርቲ ደው ክብላ ተገይረን፡፡
ነቲ ሓደጋ ስዒቡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝውንነን ጥራሕ እንተይኮናስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ምስ ጸገም ምቁጽጻር ድሕነት ብዝተሓሓዝ በረራ ኣቋሪጸን ምጽንሐን ይፍለጥ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ተወልደ ገብረማርያም ጠቒሱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ንድሕነት ቀዳምነት ከምዝህብ ብምግላጽ እተን ነፈርቲ ናብ ኣገልግሎት ከምዝምለሳ ኣመልኪቱ፡፡
እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ ውሳነ ዝበጸሐ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተቖጻጸርቲ ድሕነት በረራ፡ "ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ንምብራር ብቑዓት እየን" ኢሎም ፍቓድ ስለዝሃቡን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 34 መንገዲ ኣየራት እተን ነፈርቲ ናብ በረራ ምምላሶምን ስዒቡ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነተን ነፈርቲ ናብ ስራሕ ንምምላስ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብተን ነፈርቲ ዝተገበሩ ምምሕያሻት ዲዛይን እናፈተሸን ፍቓድ ክሳብ ዝወሃቦ እናተጸበየን ከምዝጸንሐ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብተወሳኺ ኩሎም ኣብረርቲ፣ መሃንዲሳት፣ ቴክሻናትን ሰራሕተኛታት በረራን ኣብ ድሕነት እተን ነፈርቲ ዘለዎም እምነት ኣብ ዝድለ ደረጃ ከምዝበጽሐ ገሊጹ፡፡
ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ መንገደኛታት ብምጉዕዓዝ 275 ሽሕ በረራታት ከምዘካየዳ እውን ተሓቢሩ፡፡
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕነት እተን ነፈርቲ ዘተኣማምን ኮይኑ ናብ በረራ ንምምላስ ኣብ ኩለን ነፈርቱ ኣደላዪ ምምሕያሻት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት እተን ነፈርቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ናብ ኣገልግሎት ዝምለሳ ኮይነን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝርዝር መብርሂ ክወሃብ እዩ ኢሉ፡፡
ኣዝየን ዘመነዎት ዝባሃላ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ መቆጻጸሪ ስርዓት በረራ ብዘጋጠመ ጸገም፡ ኣብ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ይዝከር።
ኣብ ክልቲአን ሓደጋ ዘጋጠመን ነፈርቲ ዝነበሩ 346 ሰባት ኩሎም ብምሟቶም ድማ ቦይንግ ንስድራ ግዳኣት ብቢልዮን ዶላራት ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ።
ቦይንግ ብፍላይ ነቲ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ስዒቡ ኣብ ቅልውላው ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣታዊ እውን ስኢኑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







