ቦይንግ ምስ ሓደጋ ማክስ 737 ብዝተሓሓዝ ንዘሎ ስግኣት ሓደጋ ነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ኣብ ታሪኽ መገዲ ኣየር ኣዝዩ ብዝለዓለ ኩነታት ዝተፈተሸ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት" ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።
እንተኾነ፡ ገለ ነቐፍቲ ቦይንግ ማክስ 737 ሕጂ'ውን ድሕነታ ዝተሓለወ ኣይኮነን ኢሎም ዝኣምኑ።
ድሕሪ እቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጉዓዝቲ ዝሞቱሎም ክልተ ዘሰክፉ ሓደጋታት ካብ ስራሕ ጠጠው ክብል ተገይሩ ዝነበረ ቦይንግ ማክስ 737፡ ተቖጻጸርቲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳግም ንክበርር ፈቒዶምሉ'ዮም።
ኩባንያ ቦይንግ፡ እታ ነፋሪት ድሕነታ ዝተሓለወን ዘተኣማምን ከም ዝኾነት እዩ ዝገልጽ።
ኣብዚ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ቦይንግ ማክስ 737 ካብ ሲያትል መዓርፎ ነፈርቲ ቦይንግ ፊልድ ተበጊሳ ናብ ብራስለስ በረራ ገይራ ነይሩ።
እዚ በረራ፡ እታ ሓድሽ ነፋሪት ንዋናታታ ማለት'ውን ቱኢ ንዝተባህለ ጉጅለ ንምብጻሕ ዝዓለመ ነይሩ።
እንተኾነ፡ 5000 ማይል [8 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ] ርሕቐት ዘለዎ በረራ ኣብ ዝተጀመረሉ፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እቶም ኣብረርቲ ህጹጽ "ናይ በረራ መቆጻጸሪ ጸገም" ስለ ዘጋጠሞም ንድሕሪት ተመሊሶም።
እታ ነፋሪት ክኣ ብሰላም ዓሊባ።
እቲ ጸገም ምስቲ ብዘይ ኣብራሪ [ፓይለት] ንበዓሉ ዝቆጻጸር "ኣውቶ ፓይለት" ዝተሓሓዝ ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ ብተዛማዲ ቐልጢፉ ክዕረ ክኢሉ'ዩ።
ድሕሪኡ እታ ነፋሪት ናብ ብራስለስ ተመሊሳ ስሩዕ ኣገልግሎት ትህብ ኣላ።
እንተኾነ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነፋሪት ዘቕርብ ወይ'ውን ኣብ መደብር ጽገና ኣብቲ ነፋሪት ከቢድ ጸገም ወይ ክፍተት ክረክብ እንከሎ ንምምሕዳር ኣቪየሽን ፌደራል ከፍልጥ ይግባእ።
ማክስ 737 ዳግም ናብ ኣገልግሎት ምስ ተመልሰት ልዕሊ 180 ሪፖርታት ቐሪቦም'ዮም።
መብዛሕትኦም ኣብ መሬት ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ነፈርቲ ኮይኖም እቶም 22 ኣጋጣሚታት ድማ ኣብ እዋን በረራ ዘጋጠሙ'ዮም። ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ኣብረርቲ ሃንደበታዊ ሓደጋ ብምባል ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብረርቲ ኣመሪካ ብምኽንያት ናይ ሞተር ጸገም ክልተ ግዜ ሃንደበታዊ ሓደጋ ሪፖርት ገይሮም።
እዚኦም ኣብ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ኣቪየሽን የለውን፤ ኣብ ውሽጢ ንግዲ ኣቪየሽን ሓደጋታትን ኣጋጣሚታትን ኣብ ዝዝርዝር ድረ ገጽ ጌራልድ ኣቪሽን ግን ኣለው።
እቶም ጸገማት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣስታት 160 ነፈርቲ ኣመሪካ ተራእዮም።
ካብዚኦም ገለ ብምኽንያት ናይ ኤሌክትሪክ ጸገም ንሰሙናት ኣገልግሎት ከይህባ ተገይሩ።
ምስተን ነፈርቲ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሙ ሪፖርታት ጸገማት ኣገልግሎት ብመጓዓዝያ ካናዳ ወግዓዊ ኮይኖም'ዮም።
መረዳእታታት ከም ዘመላኽቱዎ ድማ ካብ 56 ነፈርቲ ማክስ 737 እተን 19 ሪፖርት ተገይረን።
ካብዚአን ድማ እተን 5 ኣብ እዋን በረራ ዘጋጠመ ክስተት የርእያ።
ማክስ 737 ሕጂ'ውን ልዑል ክትትል ዝግበረለን ዘሎ ኮይኑ እተን ነፈርቲ ኣብ 2019 ን20 ኣዋርሕ ካብ ኣገልግሎት ተኣጊደን ጸኒሐን እየን።
እዚ ብምኽንያት እቲ ህይወት 346 ሰባት ዝበልዐ ክልተ ሓደጋጋት ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ቦይንግ ምስ ስድራ ግዳያት ብሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ንዝሞቱ 157 ተጉዓዝቲ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ይፍለጥ።
እዚ ድማ እቲ ኩባንያ ነቲ ሓደጋ ሓላፍነት ከም ዝወስድን ተሓታትነት ከም ዝቕበልን ዝብል ኮይኑ ስድራ ግዳያት ድማ በቲ ዝበጽሐ ሓደጋ እቲ ኩባንያ በቤት ፍርዲ ንክቕጻዕ ኣይገብሩን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







