ዴ.ሪ ኮንጎ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ብዝተሓምሸሸት ነፋሪት ብውሑድ 27 ሰባት ሞይቶም

ሰበርቲ'ቲ ከባቢ ሓገዝ ንምሃብ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ተኣኻኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ጎማ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ብዝተሓምሸሸት ነፋሪት መጓዓዝያ ብውሑድ 27 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።

ካብ ግዳያት፡ እቶም 9 ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ኣባላት ስድራቤት ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

እታ ንእሽተይ ነፋሪት መጓዓዝያ ካብ ናይታ ከተማ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ እትብገስ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝተሓምሸሸት ኮይና፡ መንቀሊ'ቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተነጸረን።

17 ተጓዓዝትን ክልተ ኣባላት በረራን ድማ ጽዒና ምንባራ ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ድኹም ደረጃ ድሕነትን ጽገናን ተደጋጋሚ ሓደጋ ነፈርቲ ከምዘጋጥም ይዝረብ። በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ነፈርቲ መጓዝያ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት በረራ ከይገብራ ተኣጊደን'የን።

ብዛዕባ'ታ ነፋሪት

ዶርኒየር-28 ትዊን-ቱርቦፖርፕ ዓይነት ነፋሪት ቢዚ ቢ ብዝበሃል ብሕታዊ ትካል ትውነን። ካብ መሬት ምስተለዓለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ከምዝተሓምሸሸት ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እታ ነፋሪት ናብ ደቡብ ጎማ፡ ኣስታት 350 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ናብ እትርከብ ቤኒ ትጓዓዝ ነይራ።

ኣብ መጋቢት ዝተወሰደ ስእሊ ናይታ ብቢዚ ቢ እትውነን ነፋሪት ዶርኒየር 228-200

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መጋቢት ዝተወሰደ ስእሊ ናይታ ብቢዚ ቢ እትውነን ነፋሪት ዶርኒየር 228-200

ጄሞ ሜዳር ዝተበሃለ ምስክር ዓይኒ፡ እታ ነፋሪት "ኣብ ኣየር ሰለስተ ግዜ ከምዝተሽከርከረትን ከቢድ ትኪ ከምዘውጽኣትን" ምርኣዩ ገሊጹ።

"እታ ነፋሪት ምስወደቐት ናብኡ ከይድና፤ ነቲ ፓይለት ንፈልጦ ኢና፡ ዲድየር እዩ ዝበሃል። 'ርድኡኒ . . . ርድኡኒ' እናበለ ብዓውታ ይምሕጸን ነይሩ። ሓያል ባርዕ ተፈጢሩ ስለዝነበረ ግን ክንጽጋዕ ኣይከኣልናን" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ገለ ምንጪታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ እታ ነፋሪት ምስተበገሰት ኣብ ሞተረ [ኢንጂን] ጸገም ከጋጥማ ኪኢሉ'ዩ።

እታ ነፋሪት ኣብ ዝተሓምሸሸትሉ እዋን፡ ክንደይ ሰባት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛውቶም ነይሮም ዝብል ኣይተፈለጠን ነይሩ።

ሓገዝ ንምሃብ ዝተኣከቡ ነበርትን ሰራሕተኛታት እዋን ሃደጋን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እታ ነፋሪት ሰባት ብጻዕቂ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ'ያ ተሓምሺሻ።