ናብቲ ሓደጋ ነፋሪት ዘጋጠመሉ ቦታ እናኸዳ ዝበኽያ ወላዲት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብስፍሓት ካብ ዝተርኣዩ ስእልታት፡ ናይ ሓንቲ መሪር ሓዘነን ዝገልጻ ወላዲት ስእሊ እዩ። ወይዘሮ ሙሉነሽ በልጅጌ ይበሃላ።
እቲ ዝገርም ግን፡ እዘን ወላዲት በቲ ሓደጋ ዝሞተ ዘመድ ይኹን ዝፈልጠኦ ሰብ የብለንን።
ወይዘሮ ሙሉነሽ፡ እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ነፋሪት ኣብ ዝጋጠመሉ ከባቢ እየን ዝነብራ።
እቲ ዝረኣየኦ ዘሕዝን ኣጋጣሚ፡ ብዝፈጠረለን መሪር ሓዘን ክድቅሳ እኳስ ኣይከኣላን። ነቶም ግዳያት፡ መዓልቲ መዓልቲ ንብዓተን የፍስሳሎም።
ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ፡ ኣስታት 2ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቀበሌ ቱሉ ፈራ ዝነብራ እዘን ወላዲት፤ ''ክሳብ ሐዚ ናብቲ ሓደጋ ዝበጸሐሉ ከባቢ እናኸድኩ እኳ እንተበኸኹ፡ ሓዘነይ ግን ክወጸለይ ኣእከኣለን'' ይብላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ወለደን ሰሚዐነኦ ዘይፈልጣ ነገር፡ ኣብ ከባቢአን ምግጣሙ ብጣዕሚ ከምዘደንገጸንን፡ ደጋጊመን ክበኽያ ከምዝገበረንን ዝገልጻ ወይዘሮ ሙሉነሽ በልጅጌ፡ ሓዘነን ንኹሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት እዩ።
''ወዲሰብ ኣብ ሃገርና መጺኡ ነዲዱ። ደሞም ኣብ መይዳ ምፍሳሱ እንትሓስብ ውሽጠይ ይርበሽ። በኽየ ክውጸለይ ኣይከኣለን'' ክብላ ጸግዒ ሓዘንን ይገልጻ።
ኣብቲ እዋን ሓደጋ ዝረኣየኦ ነገር እንትዝክራ፡ ኣካላት እታ ነፋሪት ዝተበተነ ወረቕት እምበር ፍጡር ሰብ ዝሓዘት ኣይመስልን ነይሩ ዝብላ ወይዘሮ ሙሉነሽ ''እዚ ነገር ከመይ ገይሩ እሞ ዕረፍቲ ክህበኒ? ደም እቶም ሰባት እዩ ዘቃጽለኒ'' ይብላ።
ደቀይ ኣብታ ነፋሪት ነይሮም እንተዝኾኑኸ ኢለን እንተሓስባ ድማ ሓዘነን ይውስኽ።
ወይዘሮ ሙሉነሽ፡ ናብቲ ሓደጋ ዝጋጠመሉ ከባቢ በቢ መዓልቱ እየን ዝኸዳ። ሓዘኑ ክገልጽ ምስ ዝመጸ ሰብ ኩሉ፡ ይበኽያ።
''ሓንቲ መዓልቲ ተሪፈ ኣይፈልጥን'' ዝብላ እዘን ወላዲት፡ እቲ ሓደጋ እንትዝክራ ምግቢ ከምዘጽለአንን፡ ቡን እኳ ቡን ከምዘይመስለንን ይዛረባ።
ዘመድ ሞይቱወን ከምዚ ሓዚነን ከምዘይፈልጣ ዝዛረባ ወይዘሮ ሙሉነሽ፡ ሃይማኖተን ብዝፈቕዶ መሰረት ነቶም ግዳያት ተስካር ክገብራሎም ከምዝተዳለዋ ይገልጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







