ዴ.ሪ ኮንጎ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ብዝተሓምሸሸት ነፋሪት ብውሑድ 27 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ጎማ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ብዝተሓምሸሸት ነፋሪት መጓዓዝያ ብውሑድ 27 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።

ካብ ግዳያት፡ እቶም 9 ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ኣባላት ስድራቤት ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

እታ ንእሽተይ ነፋሪት መጓዓዝያ ካብ ናይታ ከተማ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ እትብገስ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝተሓምሸሸት ኮይና፡ መንቀሊ'ቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተነጸረን።

17 ተጓዓዝትን ክልተ ኣባላት በረራን ድማ ጽዒና ምንባራ ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ድኹም ደረጃ ድሕነትን ጽገናን ተደጋጋሚ ሓደጋ ነፈርቲ ከምዘጋጥም ይዝረብ። በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ነፈርቲ መጓዝያ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት በረራ ከይገብራ ተኣጊደን'የን።

ብዛዕባ'ታ ነፋሪት

ዶርኒየር-28 ትዊን-ቱርቦፖርፕ ዓይነት ነፋሪት ቢዚ ቢ ብዝበሃል ብሕታዊ ትካል ትውነን። ካብ መሬት ምስተለዓለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ከምዝተሓምሸሸት ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እታ ነፋሪት ናብ ደቡብ ጎማ፡ ኣስታት 350 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ናብ እትርከብ ቤኒ ትጓዓዝ ነይራ።

ጄሞ ሜዳር ዝተበሃለ ምስክር ዓይኒ፡ እታ ነፋሪት "ኣብ ኣየር ሰለስተ ግዜ ከምዝተሽከርከረትን ከቢድ ትኪ ከምዘውጽኣትን" ምርኣዩ ገሊጹ።

"እታ ነፋሪት ምስወደቐት ናብኡ ከይድና፤ ነቲ ፓይለት ንፈልጦ ኢና፡ ዲድየር እዩ ዝበሃል። 'ርድኡኒ . . . ርድኡኒ' እናበለ ብዓውታ ይምሕጸን ነይሩ። ሓያል ባርዕ ተፈጢሩ ስለዝነበረ ግን ክንጽጋዕ ኣይከኣልናን" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ገለ ምንጪታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ እታ ነፋሪት ምስተበገሰት ኣብ ሞተረ [ኢንጂን] ጸገም ከጋጥማ ኪኢሉ'ዩ።

እታ ነፋሪት ኣብ ዝተሓምሸሸትሉ እዋን፡ ክንደይ ሰባት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛውቶም ነይሮም ዝብል ኣይተፈለጠን ነይሩ።

እታ ነፋሪት ሰባት ብጻዕቂ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ'ያ ተሓምሺሻ።