ክሊማ: ኣብ ፊሊፒንስ ከቢድ ኣውሎ-ንፋስ ህይወት ልዕሊ 370 ሰባት ኣጥፊኡ

ነበርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ገዛውቶም በቲ ሓደጋ ዓንዩ

ኣብ ፊሊፒንስ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ዝተልዓለ ከቢድ ኣውሎ-ንፋስ፡ ንሞት 375 ሰባት ምኽንያት ከምዝኾነ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

'ሱፐር ታይፎን ታይ' ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ እዚ ሓያል ህቦብላ፡ ብሰዓት 195 ኪሎሜትሮ ዝጓዓዝ ኮይኑ ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ እታ ሃገር ንልዕሊ 400 ሽሕ ህዝቢ ምምዝባል ምኽንያት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዛጊድ ልዕሊ 500 ሰባት ጉድኣት ዝበጽሖም ኮይኑ፡ 56 ሰባት ድማ ኣብ ዝኣተውዎ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዘለዉ ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን 'ዓቢ መዓት ወሪዱ' ኢሎም።

በቲ ሓደጋ ምኽንያት ኣብ ብዙሕ ከባብታት ርክባት ዝተቛረጸ ኾይኑ ብዝሒ ሞትን መቑሰልትን ብትኽኽል ንምዝራብ ከምዝኸበደ'ውን ተፈሊጡ።

ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጽአ ከቢድ ውሕጅን [ዕልቕልቕን] ምህማም መሬትን ድማ ካሊእ ተወሳኺ ሓደጋ ኣስዒቡ ከይኸውን ስግኣታት ኣሎ።

ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ፊሊፒንስ፡ ሪቻርርድ ጎርደን፡ "ብዙሓት ከባብታት መብራቲ/ኤሌክትሪክን ርክባትን ተቋሪጹዎም ኣሎ፤ ማይን'ውን ዳርጋ የብሎምን ምባል ይከኣል" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ገለ ኸባብታት ልዕሊ እቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝበጽሐን ደብዳብ ነፈርቲ እየን ተጠቒዐን ዝመስላ"።

ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ማሕበር ቀይሕ ወርሕን፡ ንጉዱኣት መሊስካ እግሪ ንምትካልን ነቲ ማህሰይቲ ንምሕጋዝን 22 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘድሊ ኣፍሊጦም።

ሚስተር ጎርደን፡ ዝተፈላለዩ ገዛውቲ፣ ሆስፒታላት፣ ማሕበረሰባትን ኣብያተ ትምህርትን በቲ ሓደጋ ዓንየንዮም ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

"ወለንተኛታት ንገለ ኩሉ ነገሮም ዝሰኣኑ ሰባት ወጺኦም እናሓገዙ ይርከቡ" እውን ኢሉ።

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃዳራት፣ ባሕረኛታት፣ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ባርዕን ካልኦትን ናብቲ እቲ ሓደጋ ዝበጽሐሉ ከባብታት ተዋፊሮም ኣለዉ።

ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ነፈርትን መጓዓዝያታት ባሕርን'ውን ንረድኤት ናብቲ ኣዝዩ ዝተሃስየ ከባቢ ተዋፊረን ከምዘለዋ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ሮድሪጎ ዱተርቴ ናይቲ በቲ ሓያል ኣውሎ ንፋስ ዝተወቕዑ ከባብታት ካርታ ብናይ ቐጥታ ቴክኖሎጂ ክዕዘብ ተራእዩ።

ብተሓገገዝቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተጠቕዑ ተንቀሳቐሰሲ ምስልታት፡ ሲያርጋኦ፣ ዲናጋትን ሚንዳናኦን ዝበሃሉ ደሴታት በቲ ሓደጋ ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከምዝኾኑ የርእዩ።

ናይቲ ሓንቲ ደሴት ዲናጋት ኣመሓዳሪ ዝኾነ፡ ኣርሊን ባግ-ኣው፡ 'መላእ እታ ግዝኣት ከምዘይነበረት ኮይና' ክትብል ኣብ ገጽ ፌስቡክ ጠቂዓ።

ነበርቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቅድም ክብል ኣብ 2013 ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ምስ ዝነበረን ንሞት ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት ምክንያት ዝኾነን ዝኸፍአ [ታይፎን ሃያን ተባሂሉ ዝፍለጥ] ኣውሎ ንፋስ ድማ ኣነጻጺራቶ።

እታ ሃገር፡ ዓመታዊ ብማእከላይ 20 ሓደጋታት ኣውሎንፋስ ከምዘጋጥማ ይዝረብ።

እዚ ሕዚ ተልዒሉ ዘሎ 'ሱፐር ታይፎን ታይ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ዓይነት ኣውሎ ንፋስ፡ ኣብዚ ዓመተ 2021 እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ወርሕታት ሓምለን ጥቅምትን ዝምዕብሉን ዝኸሰቱን ከምዝኾኑ እዩ ዝንገረሉ።

ተመራመርቲ፡ እቲ ጉድኣቱ ካብ እዋን እዋን እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ሰብ-ሰራሕ ንጥፈታት ዘበገሶ ለውጥታት ከባቢ ኣየር [ክሊማ] ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ከስዕብ ከምዝኽእል ብተደጋጋሚ ከጠንቅቑ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።