ንፔርቶ ሪኮ ብዘይ ፀዓት ዘትረፈ ህቦብላ ማሪያ ኣብ ዶሚኒካ ህይወት 15 ሰባት ኣጥፊኡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቀዳማይ ሚንስትር ዶሚንካ ከምዝሓበርዎ ነታ ካሪብያናዊት ደሴት ዝወቅዐ ህቦብላ ማሪያ፡ 15 ሰባት ከምዝቐተለን ደሃይ ካልኦት 20 ጠፊኡ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ሩዘቬልት ስከሪት፥ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ዘይምማቶም ተኣምር'ዩ ክብሉ ኣብ ቴሌቪዥን ሃገሮም እናነብዑ ተዛሪቦም።
ህቦብላ ማርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 'ውን ንካሪብያናዊት ዶሚኒካ ኣጥቂዑ ብኣማኢት ዝግመቱ ገዛውቲ አዕንዩ።
ትማሊ ድማ ናብ ፔርቶ ሪኮ ሰጊሩ፡ ብዘይ ነሓይሊ ኤለክትሪክ ከመእትተርፍ ገይርዋ።
እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ዘጋጠመ ዕንወት ንምንዕዛብ ንዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብሄሊኮፕትር ከምዝዘሩ ገሊፆም።
"ዘይምሕር'ዩ ነይሩ" ክብሉ ንዝገለፅዎ ሓደጋ ተፈጥሮ ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዝበለ ዕንወት ኣጋጢሙ ከምዘይፈልጥ ኣዘኻኺሮም።
ገዛውቲ ከምዘይነበሩ ኮይኖም፥ ኣብያተ ትምህርቲ ዓንዮም፥ ግልጋሎት ቴሌኮም እንትቋረፅ ዓብዪ ሆስፒታል'ታ ደሴት እውን ካብ ሓይሊ ወፃኢ ኮይኑሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ሩዘቬልት ስከሪት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብአዊ ሓገዛት ከምዘድልዮም እውን ሓቢሮም ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







