ህቦብላ ሃግቢስ፡ ጃፓን ብከቢድ ምህማም መሬትን ምዕልቕላቕን ተጠቒዓ

ኣብ ምድሓን ህይወት ዝተዋፈረት ሄሊኮፕተር፡ ብውሑጅ ዝተወሰደት ሰበይቲ ኣድሒና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምድሓን ህይወት ዝተዋፈረት ሄሊኮፕተር፡ ብውሑጅ ዝተወሰደት ሰበይቲ ኣድሒና

ኣብ ጃፓን፡ ድሕሪ ዓሰርታት ዓመታት ዝተኸሰተ ብርቱዕ ህቦብላ ሃግቢስ፡ ምኽንያት ሞት 23 ሰባት ኮይኑ።

ኣብ ሰዓት 225 ኪሎ ሜትሮ እናተሓንበበ ነታ ሃገር ዘጥቅዐ እዚ ህቦብላ፡ ምህማም መሬትን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ኣስዒቡ'ዩ።

ኤንኤችኬ ዝተብሃለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር፡ ሃለዋት 17 ሰባት ከም ዘይተረኸበ ጸብጺቡ። ፍሉጣት ቅርጺ ዓረር ዘለወን ባቡባት ጃፓን፡ ክሳብ ሕጂ ብማይ ተዋሒጠን ኣለዋ።

በዚ ምኽንያት፡ ጃፓን 27 ሽሕ ወተሃደራትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን፡ ኣብ ምድሓን ህይወት ክወፍሩ ገይራ ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሺንዞ ኣቤ፡ እቶም ወተሃደራት እንተዋፍር፡ "መንግስቲ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ቶክዮ 150 ሽሕ ኣባይቲ ሓይሊ መብራህቲ ተቛሪጹዎም ይርከብ። ኩሎም ካብን ናብን መዓርፎ ነፈርቲ ቶክዮ ሃኔዳን ናሪሺያን ዝግበሩ ዝነበሩ ልዕሊ 1ሽሕ ዝኾኑ በረራታት'ውን ተሰሪዞም።

በቲ ዝተፈጥረ ምህማም መሬት ዝተቐብሩን ውሑጅ ዝወሰዶምን ሰባት ተደሚሩ፡ ቑጽሪ ሙውታት 23 በጺሑ ኣሎ።

እዚ ማዕበል፡ ትማሊ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ግጥም ዋንጫ ዓለም ራግቢ ክስረዝ ምኽንያት ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለያ 14 ከባቢታት ዘለው ፈለጋት ድማ፡ ደንደሶም ጥሒሶም ብምፍሳስ፡ ኣባይቲ ኣዕኒዮም።

ሃግቢስ፡ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ይጉዓዝ ዘሎ ኮይኑ፡ ሎሚ ሰንበት ድማ ናብ ከባቢ ሰሜን ፓስፊክ ክጉዓዝ'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

እዚ ህቦብላ፡ ትማሊ ንደቡባዊ ምዕራብ ቶክዮን ምብራቓዊ ገምገም ባሕርን ዘጥቅዐ ክኸውን ከሎ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ኣባይቲ፡ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪጹዎም'ዩ።

እቶም በዚ ምኽንያት ዝሞቱ ሰባት፡ ገሊኦም ብምህማም መሬት ዝተቐትሉ ኮይኖም፡ ገሊኦም ድማ ኣብ መኪነኦም እንከለዉ ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ውሑጅ፡ ኣብ ማእኸል ጃፓን ዝንቀሳቐሳ ባቡራት ክውሓጣ ገይሩ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ውሑጅ፡ ኣብ ማእኸል ጃፓን ዝንቀሳቐሳ ባቡራት ክውሓጣ ገይሩ'ዩ

ካልኦት 15 ከምዝጠፍኡ ክሕበር ከሎ፡ ብዙሓት ካልኦት ድማ ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ይግለጽ።

ህቦብላ ሃግቢስ ንጃፓን ከጥቅዕ'ዩ ብዝብል ቅድመ ትንበያ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክወጽኡ ኣለዎም ተባሂሉ'ኳ እንተነበረ፡ ብግብሪ ወጺኦም ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ክጸንሑ ዝኽኣሉ ግን 50 ሽሕ ምዃኖም ተገሊጹ።

ሓያል ዝናብ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ውሑጅ ኣስዒቡ 13 ጥቅምቲ 2019

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓያል ዝናብ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ውሑጅ ኣስዒቡ
ሰባት ኣብ ዝጨቀየ መገዲ ክጉዓዙ ተገዲዶም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ክኢላ ትንበያ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ጃፓን ያሱሺ ካጂዋራ፡ "ከተማታት፣ ዓበይቲ ከተማታትን ገጠር ከባቢታትን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ዝናብ ኣጋጢሙወን'ዩ" ኢሉ።

ትማሊ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ከምኡ'ውን ኒውዝላንድን ጥልያንን ክገጥማ ዕጫ ወጺኡሉ ዝነበረ ጸወታ ራግቢ ዋንጫ ዓለም ተሰሪዙ'ዩ። እዚ ኣብ ታሪክ [ኣብ ውሽጢ 32 ዓመት] ክስረዝ ንፈለማ እዋን'ዩ።

ሎሚ ሰንበት ናሚቢያን ካናዳን ዘካይድኦ ጸወታ'ውን ኣይክህልውን።

'ኮበርታን ሓንቲ ብስኩትን'

ጀምስ ባብ፡ ኣብ ምብራቕ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ግዚያዊ መዕቖቢ ኣጽሊሉ ይርከብ። ኣብቲ ዝነብሩሉ በባቢ ዝነበረ ፈለግ፡ ልዕሊ ዓቐን ይውሕዝ ምንባሩ ይዛረብ።

"ጉድኣት ኣካል ምስ ዘለዎ ወዲ ሓፍተይ'የ ዘለኹ" ዝበለ ጀምስ፡ "ገዛና ብውሑጅ ከዕለቕልቕ ይኽእል'ዩ። ኣብዚ ብስኩትን ኮበርታን ሂቦምና ኣለው" ኢሉ።

ኣብ ምብራቕ ቶክዮ፡ እቲ ህቦብላ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ኣዕኒዩ 12 ጥቅምቲ 2016

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምብራቕ ቶክዮ፡ እቲ ህቦብላ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ኣዕኒዩ

ኣብ ሰሜን ቶክዮ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝተቐመጠ መምህር ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣንድሪው ሂጊንስ ብወገኑ፡ "ህቦብላ ይርኢ ነይረ'የ" ይብል።

"ሕጂ ግን ጃፓን ብብርቱዕ ህቦብላ'ያ ተጠቒዓ ዘላ። ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ብዙሓት ሰባት መንበሪ ገዝኦም እናገደፉ ይወጽኡ ነይሮም"።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ፡ ፋክሲ ዝተባህለ ህቦብላ 30 ሽሕ ኣባይቲ ኣዕኒዩ'ዩ።

ጃፓናውያን፡ ኣብ ዓመት ብ20 ዝተፈላለዩ ዓይነት ህቦብላ ዝጥቅዑ ኮይኖም፡ ኣብ ቶክዮ ግን ሓልሓሊፉ'ዩ ዝኽሰት።

ሄሊኮፕተራት ሓይሊ ምክልኻል ጃፓን፡ ብምኽንያት እቲ ህቦብላ ካብ ሩባ ቺኩማ ዝተበገሰ ውሑጅ ዝኸበቦም ገዛውቲ ኣብ ምድሓን ተዋፊረን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሄሊኮፕተራት ኣብ ምድሓን ኣብ ገዝኦም ብውሑጅ ዝተኸቡ ሰባት ተዋፊረን