ፕረዚደንት ቻይና ውህደት ታይዋንን ቻይናን ከምዝፍጸም ተመጻቢዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ኣብ ዘስምዖ መደረ ምስ ታይዋን ዝግበር ‘ውህደት’ ግድን ክማላእ ኣለዎ ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣስዒቡ እቲ ክግበር ዝሕሰብ ዘሎ ውህደት ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ከምዝካየድ ድሕሪ ምግላጽ ቻይናውያን ቀደም ተነጻልነት ዝቃወም ጽቡቕ ባህልን ልምድን ከምዝነበሮም ኣዘኻኺሩ።
ንመደረ ፕረዚደንት ስዒቡ ምላሽ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታይዋን ብግድኡ ዕጫ ታይዋን ብድምጺ ህዝባ ጥራይ ከምዝወሰን ኣፍሊጡ’ሎ።
ታይዋን ንገዛእ ርእሳ ከም ልኡላዊት ሃገር ገይራ ክትቆጽር እንከላ ቻይና ግን ካብኣ ዝተነጸለት ግዝኣት ከምዝኾነት እያ እትሓስብ።
ቻይና ክሳብ ሕጂ እቲ ውህደት ሓይሊ ተጠቒማ ክትገብሮ ኣይፈተነትን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 150 ነፈርቲ ውግእ ቻይና ናብ ክሊ ምክልኻል ኣየር ታይዋን ጥሒሰን ምእታወን ስዒቡ’ዩ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ መደረ ኣስሚዑ ዘሎ።
ሃጸያዊ ስርዓት ቻይና ካብ ስልጣን ዝተወገደሉ መበል 110 ዓመት ጽምብል ኣመልኪቱ መደረ ዘስመዐ እቲ ፕረዚደንት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ሂብዎ ዝነበረ ሓሳብ ናይ ሎሚ ሓሳቡ ዝያዳ ዕርቃዊ ይመስል።
ፕረዚደንት ጂንፒንግ “ታይዋን ናብ ኣዲኣ ቻይና ብምልኣት ናይ ምውህሃድ ታሪኻዊ ዕዮ ገዛ ክፍጸም’ዩ፤ ግድን ድማ ክኸውን’ዩ” ኢሉ።
እቲ ውህደት ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ክካየድ ከምዝደልን ከምቲ ናይ ሆንግ ኮንግ ዓይነት ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ ስርዓት ተግባራዊ ከምዝግበር ተዛሪቡ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታይዋን ብወገኑ "ርእይቶ ህዝቢ ንጹር’ዩ፤ ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ ዓይነት ስርዓት ነጺግዎ’ዩ" ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ቻይና ካብ እትገብሮ ዘላ ምትንዃይ ክትቁጠብ ተማሒጺኑ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







