ታይዋን ዛጊት ዝለዓለ ቁጽሪ ነፈርቲ ኲናት ቻይና ናብ ክሊ ምክልኻል ኣየራ ጥሒሰን ምእታወን ገሊጻ

ታይዋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኒኩለራዊ ቦምባታት ክስከማ ዝኽእላ ዝርከበአን ነፈርቲ ኲናት ብኽልተ ማዕበል ናብ ክሊ ምክልኻል ኣየሩ (ADIZ) ከም ዝኣተዋ ኣፍሊጡ።

ታይዋን ከም ግብረመልሲ፡ ነፈርቲ ኲናት ከም ዘንቀሳቐሰትን ስርዓተ ሚሳይላ ከም ዘዋደደትን ተገሊጹ።

ቻይና ነታ ዲሞክራስያዊት ታይዋን ከም ዝተነጸለት ግዝኣታ ክትቖጽራ እንከላ፡ ታይዋን ግና ርእሳ ዝኸኣለት ልኡላዊት ሃገር ምዃና እያ ትኣምን።

ሓይሊ ኣየር ቻይና ኣብ ከባቢ እታ ደሴት ብዝገብሮ ምንቅስቓሳት መንግስቲ ታይዋን ተደጋጋሚ ጥርዓናት ከቕርብ ጸኒሑ ኣሎ።

መራሒ ታይዋን ሱ ሰንግ-ቻንግ ብቐዳም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ቻይና ኮነ ኢላ ኣብ ወተሃደራዊ ወራርን ሰላም እቲ ዞባ ኣብ ምዝራግን ተዋፊራ ኣላ” ኢሉ።

እቲ መበል 72 ዓመት ምስረታ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ምጽምባል ዝርከብ መንግስቲ ቤይጂን ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የልቦን።

ኣቐድም ኣቢሉ ግና፡ እቲ ከምዚ ዓይነት በረራታት፡ ሉኣላውነቱ ንምክልኻልን ኣብ መንጎ ታይዋንን ኣመሪካን ዘሎ “ውዲት” ዕላማ ዝገብርን ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 25 ነፈርቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት (ፒኤልኤ) ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ናብ ደቡባዊ ምዕራባዊ ክፋል ክሊ ምክልኻል ኣየር (ADIZ) ብምእታው ብጥቓ ደሴታት ፕራታስ ምብራረን ሓቢሩ።

ጽንሒ ኢሉ’ውን ዓርቢ ምሸት ካልኣይ ማዕበል 13 ነፈርቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ብተመሳሳሊ ከባቢ ምብራረን ገሊጹ። እተን ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ መንጎ ታይዋንን ፊሊፒንስን ዝርከብ ማያት እየን ሓሊፈን።

ካብ መንጎ እተን ነፈርቲ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ክስከማ ዝኽእላ ኣርባዕተ ኤች-6 ከምዝርከባ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።

ክሊ ምክልኻል ኣየር፡ ካብ ግዝኣትን ሃገራዊ ክሊ ኣየርን ሓንቲ ሃገር ወጻኢ ዝርከብ ከባቢ እኳ እንተኾነ ብኡ ዝሓልፋ ናይ ወጻኢ ሃገር ነፈርቲ ክሕብራ፡ ክትትል ክግበረለንን ንሃገራዊ ድሕነት ቁጽጽር ይግበረለንን እዩ።

ቤይጂን ብዙሕ ግዜ ብታይዋን ንዝወሃብ መግለጺታት ተቓውሞኣ ንምግላጽ ከምዚ ዓይነት ተልእኾታት ከምእተካይድ ይግለጽ። ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ዝተኻየደ ተልእኾ ግና ዛጊት ኣይተፈለጠን።

መሰረታዊ ሓቅታት ብዛዕባ ቻይናን ታይዋንን

  • ቻይናን ታይዋንን ኲናት ሓድሕድ ቻይና ድሕሪ ምዝዛሙ ካብ 1949 ጀሚሮም እዮም ነናቶም መንግስቲ መስሪቶም። ቤይጂን ንኣህጉራዊ ንጥፈታት ታይዋን ንምድራት ብዙሕ ፈቲና እያ። ክልቲአን ኣብ ዞባ ፓሲፊክ ጽልውአን ንምዕባይ ክወዳደራ ጸኒሐን ኣለዋ።
  • ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ዘሎ ምፍጣጥ ክዓዝዝ እንከሎ ቤይጂንግ ነታ ደሴት ንምምላስ ሓይሊ ምጥቃም ከም ኣማራጺ ክትወስዶ ከም እትኽእል ትገልጽ እያ።
  • ወላ’ኳ ታይዋን ብሒደት ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሃገራት ጥራይ ኣፍልጦ እንተረኸበት፡ እቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝምረጽ መንግስታ ግና ምስ ብዙሓት ሃገራት ሓያል ንግዳውን ዘይወግዓውን ዝምድናታት ኣለዎ።
  • ከም መብዛሕትአን ሃገራት፡ ኣመሪካ ምስ ታይዋን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና የብላን፤ እንተኾነ ግና እታ ደሴት ርእሳ ክትከላኸል ኣመሪካ ኣድላዪ ሓገዝ ክትገብረላ ሕጊ ኣመሪካ ይጠልብ እዩ።