ኣመሪካ፡ ወጥሪ ቻይናን ታይዋን ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

ኣማኻሪ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቨን
መግለጺ ስእሊ, ኣማኻሪ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቨን

ኣመሪካ ኣብ ሞንጎ ቻይናን ታይዋንን ዝፍጠር ዘሎ ወጥሪ “ኣዝዩ ከም ዝተሓሳሰባ” ኣማኻሪ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቨን ሓቢሩ።

ቻይና ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልታት ወተሃደራዊ ነፈርቲ ናብ ክልል ኣየር ታይዋን ድሕሪ ምልኣኻ እያ ኣመሪካ ስግኣታ ትገልጽ ዘላ።

ታይዋን ዓርሳ ዝኽኣለት ግዝኣት ከም ዝኾነት ትገልጽ፤ ቻይና ግን ሕጂ’ውን ኣካል ግዝኣታ ከም ዝኾነት ብምእማን ናብ ግዝኣታ ንምምላስ ሓይሊ’ውን ክትጥቀም ከም እትኽእል ይግመት።

ኣማኻሪ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ፡ “ብውልቀ ይኹን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሰላም ዝህውኹ ተግባራት ካብ ምንቃፍ ንድሕሪት ኣይንብል” ኢሉ።

ኣመሪካ ንታይዋን ንምውሓስ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል ድያ? ተባሂሉ ተሓቲቱ “ከምኡ እንገብረሉ መዓልቲ ቅድሚ ምምጽኡ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ኣመሪካ ወተሃደራታ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣውጽአት ናብ ካልኦት ሃገራት ሓይልታት ጸጥታ ምልኣኽ ጠጠው ክተብል ትኽእል እያ ዝብል ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ብምጥቃስ “ኣፍጋኒስታን ከም ኣብነት ርኢኻ ቖራጽነት ኣመሪካ ኣብ ሕቶ ምእታው ጌጋ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣመሪካ ወትሩ ረብሕኣን ድሌታን ከም እትሕልውን ምስ መሓዙት ሃገራት ከም እትሰርሕን ድማ ገሊጹ።

ታይዋን ብ1949 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ቻይና ከም ዝተገንጸለት ይፍለጥ።

ድሕሪ እዚ ንርእሳ ናጻ ሃገር ኢላ እትጽውዕ ኮይና ኣፍልጦ ንምርካብ እትገብሮ ምንቅስቓስ ንቻይና የስግኣ።

ፕሬዝደንት ጆ ባይደንን ፕሬዝደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግን፡ ቻይና ብ“ውዕሊ ታይዋን” ንክትቕየድ ተሰማሚዑ ነይሩ።

ብኻልእ ወገን ኣማኻሪ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሲሊቨን ኢራን ናብ ስምምዕ ኒዩክሌር ንምምላስ ሒደት ሰሙናት ተሪፉዋ ምህላው ሓበሬታ ኣሎ ብምባል “እንተዘይኾይኑ ግን ምስ መሓዙት ሃገራት ዘቲና እንወስዶ ኣንፈት ክንውስን ኢና” ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ንከይህልዋ ቐጻሊ ጻዕሪ ከም እትገብር’ውን ገሊጹ።

ብ2015፡ ኢራን ምስ ሃገራት ኣመሪካ፣ ብሪጣኒያ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ሩሲያን ጀርመንን ስምምዕ ኒዩክሌር ከም ዝፈረመት ይዝከር፤ ነዚ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ዝተደንገጉ እገዳታት ክለዓሉ ተወሲኑ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነር ዶናልድ ትራምፕ ብ2018 ኣመሪካ ካብቲ ስምምዕ ክትወጽእ ብምግባሩ ነቲ ስምምዕ ክፈርስ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።