ኮሮናቫይረስ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 100 ሽሕ ሓሊፉ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency/Getty
ኣብ ብራዚል ቁጽሪ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ሞት ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ሓሊፉ።
እቲ ቁጽሪ መወትቲ፡ እታ ሃገር ብብዝሒ ዜጋታታ ዝሰኣነት ካልአይቲ ሃገር ገይሩዋ ኣሎ።
ዛጊድ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ዘይነከየላ ብራዚል፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 50 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ'ዩ።
ቑጽሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን 'ውን፡ ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ጥራሕ ተወሳኺ 50 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።
ማዕበል እቲ ቫይረስ ብቐጻሊ ክውስኽ ምዃኑ ኣብ ዝግመተላ ብራዚል ሆቴላትን ሹቛትን ዳግም ተኸፊቶም እዮም።
ንሳዕቤን ኮሮናቫይረስ ኣናኢሱ ዝረኣዮ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጄይር ቦልሶናሮ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዝውሰዱ ስጉምታት ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ጸቕጢ ዝፈጥሩ ስለዝኾኑ ተፈጻሚ ከይኾኑ ተቓዊሙ እዩ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካብቲ ቫይረስ ዝሓወየ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ መራሕቲ ግዝኣታት ዘንበሩዎም ክልከላታት ብምቅዋም ብዘይ መሽፈኒ ኣፍን ኣፍጫን ምስ ደገፍቱ ተሰሊፉ ተራእዩ እዩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, EPA
መንግስቲ እታ ሃገር ዳግም ናብ ምንቅስቓስ ኣብ ዝምለሳ ግዝኣታት ነቲ ቫይረስ ከመይ ከም ዝከላኸላ ዝሕግዝ ዝተዋደደ ትልሚ ስለ ዘይብሉ፡ ሐዚ እውን እቲ ቫይረስ ብዝበኣሰ ክጋፋሕ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ብዝወሰዶም ግጉያት ስጉምቲታት፡ ክልተ ምኩራት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ብተኸታታሊ ብፍቓዶም ካብ ስርሖም ተኣልዮም'ዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ተሞኩሮ ብዘይብሉ ወታሃደራዊ ጀነራል እዩ ዝምራሕ ዘሎ።
ኣብ ብራዚል ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሰለስተ ሚልዮን ሓሊፉ ኣሎ።
በዚ፡ ካብ ኣመሪካ ቀጺሉ ዝበዘሐ ረኽሲ ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ሚኢቲ ሽሕ ሓሊፉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







